ካሳብላንካ ሞሮኮ ካሳብላንካ ሞሮኮ 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዕለት 30ን 31ን መጋቢት 2019ዓምፈ ንሞሮኮ ክበጽሑ እዮም

ናይ ቅድስት መንበር ክፍሊ ሕትመት ሓላፊ ግረክ ቡርከ ሎሚ ንጋዜጠኛታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንጉሥ መሓመድ 6ይ ናይ መሮኮን ጳጳሳት መሮኮን ብዘቅረቡሎም ዕድመ መሠረት ካብ ዓመት ዕለት 30- 31 መጋቢት 2019ዓምፈ ኣብ ሃገረ ሞሮኮ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ክገብሩ ምዃኖምን ንከተማታት ራባትን ካዛብላንካን ክበጽሑ እዮም።` እንክብሉ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሃገረ ሞሮኮ ኣብዝሓ ኣስላም ዝነብሩሉ ሃገር ኮይኑ ቅዱስነቶም መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ እዚ መበል 26 ዓለም ሓቈፍ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዩ።

ቅድሚ መወዳእታ ንሃገረ መሮኮ ዝበጽሑ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኮይኖም እዚ ከኣ ቅድሚ 33 ዓመት በቲ ናይ ሽዑ ርእሰ ብሔር ሓሰን 2ይ ተዓዲሞም ዕለት 19 ነሐሰ 1985 ዓም ነበረ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ነዚ ናይ መጀመርያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ናይቲ ዓዲ ኣል ኣሕዳት ኣል ኣግሪብያ ዝበሃል ጋዜጣ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ነባሪ ዘተ ዝኸፈተ ኢልዎ ነሩ።

ኣብ እስታድዩም ካሳብላንካ ኣብቲ ቅዱስነቶም ምስ እምነት ምስልምና ዝኽተሉ መንእሰያት ኣብ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ርክብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግሚ ንዘተ ኣስላምን ክርስትያንን ኣድላይነቱን ኣመልኪቶም

“ክርስትያንን ኣስላምን ብሓፈሻ ጽቡቅ ኣይረዳዳእን ነርና ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ እውን ተጋጪና ተቋዪቊና ተዋጊእና እውን። ኮይኑ ግን ከኣ ከም ኣመንትን ከም ደቂሰባትን ብዙ ሓባራዊ ነገራት ኣለውና፣ ብዝተፈላለዩ ምልክታት ተስፋ ኣብ ዘቋርጽዎ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ብዙሕ ምልክታት ጭንቀት ኣብ ዘለዎ ኣብ ሓደ ዓለም ንነብር ኣሎና፣ ኣብርሃም ንዓና ንኩልና ሓባራዊ ምልክት እምነት ኣብ እግዚአብሔር ኣብ ድላይ እግዚአብሔር ንኩሉ ናይ ምሕዳግን ኣብ ሕያውነቱ ምሉእ ምትእምማን ናይ ምግባርን ኣብነት እዩ። ንሕና ኩልና እናኣምኖ እግዚአብሔር ሓደ እዩ ሕያው እግዚአብሔር ንዓለም ዝፈጠረን ንፍጡራት ናብ ፍጽምና ዘብጽሕን እግዚአብሔር ኢና እንኣምን ኢሎም ነሮም።”

ነዚ መድብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
13 November 2018, 16:50