ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዕለት 30ን 31ን መጋቢት 2019ዓምፈ ንሞሮኮ ክበጽሑ እዮም
ናይ ቅድስት መንበር ክፍሊ ሕትመት ሓላፊ ግረክ ቡርከ ሎሚ ንጋዜጠኛታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንጉሥ መሓመድ 6ይ ናይ መሮኮን ጳጳሳት መሮኮን ብዘቅረቡሎም ዕድመ መሠረት ካብ ዓመት ዕለት 30- 31 መጋቢት 2019ዓምፈ ኣብ ሃገረ ሞሮኮ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ክገብሩ ምዃኖምን ንከተማታት ራባትን ካዛብላንካን ክበጽሑ እዮም።` እንክብሉ ገሊጾም።
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ሃገረ ሞሮኮ ኣብዝሓ ኣስላም ዝነብሩሉ ሃገር ኮይኑ ቅዱስነቶም መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ እዚ መበል 26 ዓለም ሓቈፍ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዩ።
ቅድሚ መወዳእታ ንሃገረ መሮኮ ዝበጽሑ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኮይኖም እዚ ከኣ ቅድሚ 33 ዓመት በቲ ናይ ሽዑ ርእሰ ብሔር ሓሰን 2ይ ተዓዲሞም ዕለት 19 ነሐሰ 1985 ዓም ነበረ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ነዚ ናይ መጀመርያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ናይቲ ዓዲ ኣል ኣሕዳት ኣል ኣግሪብያ ዝበሃል ጋዜጣ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ነባሪ ዘተ ዝኸፈተ ኢልዎ ነሩ።
ኣብ እስታድዩም ካሳብላንካ ኣብቲ ቅዱስነቶም ምስ እምነት ምስልምና ዝኽተሉ መንእሰያት ኣብ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ርክብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግሚ ንዘተ ኣስላምን ክርስትያንን ኣድላይነቱን ኣመልኪቶም
13 November 2018, 16:50