ዕዮ ገዛ ሕጊ ንልቢ ደቂ ሰባት ንእግዚአብሔር ምኽፋት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ - ‘ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ።’ (ዘፀ 20.17)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን!

ብዛዕባ ትእዛዛት እግዚአብሔር ዝጀመርናዮ ኣስተንትኖ ሎሚ ኣብታ መጨረሻ የብጽሓና። ክንበብ ከኣ ሰሚዕናዮ። እዘን ቃላት እዚኤን ናይ ትእዛዛት እግዚአብሔር ፍጻሜ ከይመስላና ክንዮ ብዙሕ ነገር ኣሎ። እዚ ከኣ ጉዕዞኻ ብትእዛዛት እግዚአብሔር ካብ ምፍጻም ጀሚርካ ንኩሉ እቲ ኣብኡ ዝተዓደለ ብልኻ ምትንካፉ የድሊ። ተጠንቂቅና ክንመልከቶ ከሎና ሓዲስ ትሕዝቶ ክንውስኸሉ ንኽእል፣ እቲ ቃል ኣምላኽ ከምቲ ዝሰማዕኩምዎ ‘ሰበይቲ ብጻይካስ ይኹን ገዝኡ ከምኡ እውን ዝኾነ ናቱ ንብረት ኣይትመነ’ እንክብል ኣብተን ብዛዕባ ዝሙትን ስርቅን ዝምልከታ ትእዛዛት እውን ስለዝጽምበራ ፍሉይ ተልእኮ ናይዘን ቃላት እዚኤን ናይዛ ትእዛዝ እዚኣስ ኣንታይ ኮን ይኸውን! ጽማቊ ናይተን ክልተ ትእዛዛት ዶ ይኸውን! ወይስ ክንዮኡ ኣሎ!

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘሎና ኩለን ትእዛዛት ኣብ ሕይወትና ደረት የቊማ! ክንዮ እዚ ደረት ምስ ዝኸይድ ወዲሰብ ምስ እግዚአብሔር ንዘለዎ ርክብ ብምቚሳል ገዛእ ርእሱን ብጻዩን የዕኑ። ክንዮ እዚ ደረት እዚ ምስ እትኸይድ ገዛእ ርእስኻ ተዕኑ ምስ እግዚአብሔር ንዘሎካ ርክብን ምስ ብጾትካ ንዘሎካ ርክብን እውን ተዕኑ። ትእዛዛት እግዚአብሔርከስ ነዚ የመላኽተልና። በዛ ናይ መጨረሻ ትእዛዝ ገቢሩ ናይ ኩለን ሓጢኣት ሱር መሠረት ሓደ ውሽጣዊ ሓይሊ ከምዝኾነ እዚ ኸኣ ሕማቅ ምንዮት ወይ ትምኒት ከምዝኾነ ይገልጸልና። ኩሉ ሓጢኣት ካብ ሕማቅ ትምኒት ይውለዱ። ኩሎም። ከመይ እዚ ሕማቅ ትምኒት መጀመርያ ንልቢ ከንቀሳቅስ ይጅምር በዚ ከኣ ኣብዚ ማዕበል እዚ ዚኣተወ ወትሩ ሕጊ ከፍርስ ይርከብ። እዚ ምፍራስ ሕጊ እዚ ሓደ ቅዋማዊ ገበናዊ ወይ ሲቪላዊ ሕጊ ዘይኮነስ ንገዛእ ርእስኻን ንካልኦትን ዘቊስል ምፍራስ ሕጊ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ኣነጺሩ ይነግረና ‘ከመይሲ እንካብ ልቢ ወድ-ሰብ ዚወጽእ ክፉእ ሓሳባት ምንዝርና ስርቂ ቅትለት ዝሙት ስስዐ ክፍኣት ምጥፍፋእ ስድነት ቅንኣት ጸርፊ ኵርዓት ዕሽነት ኵሉ እዚ ክፉእ ነገራትዚ ካብ ውሽጢ ይወጽእ፣ ንሰብ ከኣ የርክሶ’ (ማር 7.21-23) ከኣ ይብል። በዚ ኸስ እቲ ብትእዛዛት እግዚአብሔር ዝተገብረ ጉዕዞ ነዚ ደረጃ እዚ እንተዘይትንክፍ ፍጹም እምበይምኾነን ማለት ንልቢ ወዲሰብ ምትንካፉ እዩ እቲ ቀንዲ ቊምነገሩ። ከመይ እዚ ኩሉ ክፍኣት ካበይ ይውለድ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን እዩ። ትእዛዛት እግዚአብሔር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንጹር እዩ። መጨረሻ ወይ ዓሥራይ ትእዛዝ እግዚአብሔር ከኣ ነዚ እዩ ዘነጽረልና። መዓልቦ ዓሥራይ ትእዛዝ ከስ ልቢ ወዲሰብ ኮይኑ እቲ ልቢ ነጻ ነጻ እተዘይኮይኑ ዓወትና ቊሩብ እዩ። እቲ ግድልከስ እዚ እዩ። ንልብና ካብዚ ሡር ኩሉ ሓጢኣት ዝኾነ ክፉእ ነገራት ክፉእ ትምኒት ሓራ ክንገብሮ ኣሎና። ነዚ እንተዘይገርና ትእዛዛት እግዚአብሔር ንረኣዩለይ ስምዑለይ እንጥቀመለን ኮይነን ከም ደቂ እግዚአብሔር ዘይኮነ ከም ባሮት ንነብር ማለት እዩ። ክንዮ መጋረጃ ናይ ፈሪሳውነትን ቅኑዕ ኰንካ ክትረአ ምድላይን ሓደ ዘይተፈትሐ ክፉእ ነገር ይሕባእ።

ነዚ ጉድ እዚ ካብ ሡር መሠረቱ ኣጋሊጽካ ምውጋዱ የድሊ ከምዚ ብምግባርና ከኣ ንድኽነትናን ዕርቃናን ስለዘርእየና ቅዱስት ትሕትና ክንላበስ ንኽእል። እስኪ ነፍሲ ወከፍና ናብ ሕልናኡ ተመሊሱ እዘን ክፉኣት ትምኒታት እዚአን ወትሩዶ ይቀላቀላኒ! መንፈስ ቅንኣት መንፈስ ዝሙት መንፈስ ሕሜት ይቀላቀለኒዶ! እዚኤን ኩለን ካብ ውሽጢ ልቢ እየን ዝመጻ። ነዘን ሕቶታት ብምድጋም መርመራ ሕልና እንተገበርና ንነፍሲወከፍና ክሕግዛና እየን። ወዲሰብከስ ናይዛ ቅድስቲ ትሕትና ግድነት ኣለዎ። ከምዚ ብምግባር ባዕሉ በይኑ ካብዚ ጸገም እዚ ክገላገል ዝኽእል ከምዘየለ ንግንዘብ። በዚ ከኣ ናብቲ ከድሕኖ ዝኽእል እግዚአብሔር ይግዕር። ነዚ ጉዳይ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ብዘየዳግም መንገዲ ይገልጾ። ኣብ ሮሜ 7.7-24 ከኣ ተጻይ እዚ ክፉእ ሃረርታ ኣይትመነ ንዝብል ትእዛዝ እግዚአብሔር ሕጊ መንፈስ ሕይወት ከምዝህብን ናይ ደቂ እግዚአብሔር ተስፋ እንታይ ከምዝኾነን የብርህ።

ብዘይ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ባዕልኻ ክትእረም ምሕሳብ ከንቱ እዩ። ዘሎ ዘየሎ ሓይልና ኣኪብና ባዕልና ንልብና ከነንጽሖ ምጽዓር እውን ዘይከኣል እዩ። ምስ እግዚአብሔር ንክንራከብ ልብና ብሓቅን ብነጻነትን ክንከፍት የድሊ። ከምዚ ብምግባር ጥራይ እዩ ዚከኣል እምበር ብጻዕርና በይኑ ፍሬ ክነፍሪ ኣይንክእልን። ንቅድሚት ንክንደፍእ ንክንዕወት ዘኽእለናኸስ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ።

ዕዮ ገዛ ትእዛዛት ቅዱስ መጽሓፍከስ ቃል ንቃሉ ብምእዛዙ ኣብ ምልኣት ድሕነት ዘብጽሓና ኮይኑ ክስመዓና እንከሎ ንጋገ። ንትእዛዛት ቃል ንቃሉ ጥራይ ብምሕላው ዝብጻሕ ድሕነት የልቦን። ቀንዲ ዕዮ ገዛ ትእዛዛት እግዚአብሔር ንወዲሰብ ናብ ሓቂ ንምብጻሕ ኮይኑ እዚ ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ እታ ሓቀኛ ኩነቱ ክፈልጥ ድኽነቱ ክስቈሮ በዚ ከኣ ልቡ ክኸፍት ንምሕረት እግዚብአብሔር ሃንጐፋይ ኢሉ ክቅበል እዚ ግላዊ ምኽፋት ልቢ ከኣ ይልውጦ የሐድሶ እውን። ንልብና ከሐድሶ ዝኽእል እንኮ ኸስ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ ነዚ ግን ንሕና ልብና ምስ እንኸፍተሉ ጥራይ እዩ። ንሱ ንኩሉ ይገብር ኮይኑ ግን ንሕና ልብና ክንከፍተሉ ኣሎና።

እዘን መወዳእታ ቃላት ናይ ትእዛዛት እግዚአብሔርከስ ኩልና ለመንቲ ምዃና ክንክንዘብ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘይስሩዕ ልብና ኰፍ ክንብል ዘኽእሉናን ኮይኖም ነቲ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ናብራ ገዲፍና ብመንፈስ ድኻታት ኰና ንመንግሥቲ እግዚአብሔር ዝተገባእና ኰና ከም ደቂ እግዚአብሔር ንክንድሕንን ብመንፈስ ቅዱስ ንክንመሃርን ይሕግዙና። ዝመርሓና መምህርና መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ ክድግፈና ነፍቅደሉ። ለመንቲ ኢና ነዚ ጸጋ እዚ ንለምን።

‘ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም ከመይ መንግሥተ ሰማያት ንኣታቶም እያ’ (ማቴ 5,3) እወ እቶም ካብ ኩሉ ምድንጋራት ኣምሊጦም ድኻምነቶም ተኣሚኖም ብዘይካ እታ እንኮ መድሓኒት ዝኾነት ምሕረት እግዚአብሔር ባዕሎም ንባዕሎም ክድሕኑ ከምዘይክእሉ ዚኣምኑ ብፁዓን እዮም። ንልብና ከሕዊ ዝኽእልከስ ምሕረት እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። እቶም ክፉእ ትምኒታቶም ፈሊጦም ብጥዑስን ትሑትን ልቢ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ካልኦትን ከም ቅኑዓት ዘይኮነስ ከም ሓጢኣተኛታት ዚቀርቡ ብፁዓን እዮም። እታ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐይታ ዝበላ ጽብቅቲ ሓረግ ንዘክራ እስኪ ‘ኦ ጐይታይ ካባይ ረሓቅ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ’። ደጋጊምና እተበልያ ኣይትሓስመናን እያ ‘ኦ ጐይታይ ካባይ ረሓቅ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ’። ጽቡቅቲ ጸሎት እያ።

ከምዚ ዚገብሩ ሰባት ርሕራሔ ዝስምዖም ሰባት እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ንካልኦት ምሕረት ዝልግሱ እዮም ከመይ ባዕሎም ነቲ ምሕረት ስለዘስተማቀርዎ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
21 November 2018, 17:15