ቤተክርስትያን ስለ እቶም ባሕታውያን ዕጽዋት ገዳማውያን ንእግዚአብሔር ተመስግን ደገፋ እውን ትገልጽ!

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነቶም ብክላውዙራ ዝፍለጡ ዕጽዋት ገዳማውያን ዘኪራ እንክትውዕል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ስለእቲ ብዙሓት ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ብሕቡእ ምሉእ ወፈያ ዝገበሩ ስለዝዓደለና ነመስግኖ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም ነሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ቤተክርስትያን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንሕይወት ገዳም ብክፉትን ዕጽውን መንገዲ ካብ ዘዘውትሩ ገሊአን ገዳማት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጸሎት ጥራይ ዝጽመዱ ብክላውዙራ ዝፍለጡ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማሕበራት ኣለዋ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ምስ መላእኽትን ቅዱሳንን ኰንካ ንእግዚአብሔር ብቀጻሊ ንምውዳስን ስለ መላእ ዓለም ብፍላይ ከኣ ስለቤተክርስትያን ንምጽላይን እንክኸውን ኣብዘን ገዳማት እዚአን ዘረባ ዝበሃል ፈጺምካ ኣይፍቀድን።

ዓመት መጸ ዕለት 21 ኅዳር ብባሕረ ሓሳብ ጎርጎሮሳውያን በኣታ ለማርያም ዝዝከረሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነዘን ማሕበራት ዝትወፈየት ዕለት እውን እያ። እኖና ድንግል ማርያም ብሕጻንነታ ናብ ቤተመቅደስ እንክትውፈ ብመብጽዓ ወለዳ መሠረት ምሉእ ብምሉእ ናይ እግዚአብሔር ንክትከውን እዩ። ኣሠራ ብምስዓብ ከኣ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምሉእ ብምሉኡ ንኣምላኽ ይውፈዩ። ናይዞም ዕጽዋት ገዳማት ወይ ባሕታውያን ዝዓይነቶም ብክላውዙራ ዝፍለጡ ርክቦም ምስ ፈጣሪ ጥራይ ስለዝኾነ ኣብ ነንሕድሕዶምስ ይኹን ምስ ቤተሰብ ርክብ ዝበሃል የለን። ወትሩ ኣብ ጸሎትን ሥራሕን ምስ ተጸምዱ እዮም።

ቅዱስነቶም እምበአር ትማሊ ነዚ ብምዝካር እዮም መጀመርያ ምስጋና ደሓር ከኣ ስለኦም ብምጽላይ ነቶም ስለ ክብሪ እግዚአብሔርን ስፍሓት መንግሥቱን ምሉእ ሕይወቶም ወፍዮም ዝጽሊ ንጸሊ ዝበሉ።

“ሎሚ ኣብ ዝኽሪ በዓለ በኣታ ለማርያም ዕለት ጸለይቲ እውን ንዝክር ኣሎና። በዚ ዕለት እዚ ስለ ኩለን ገዳማውያት ዕጽዋት ንጸሊ። ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ። እዚ ከኣ ንእግዚአብሔር ስለ እዘን ኩለን ዝሃበና ነመስግኖ ምሉእ ብምሉኡ ከኣ ብጸሎት ብሱቊታን ብሕቡእን ንኣምላኽ ምውፋይን ንድግፎ። ነዘን ማሕበራት እዚኤን ቅርበትን ደገፍን ኣይፈለየለን። ደገፍን ንዋታዊ ሓገዝን ቤተክርስትያን ወትሩ ይወሃበን። ከምቲ እዚኤን ሰብ ውፍይ ሕይወት እዚኤን ካብ እኖና ድንግል ማርያም ንእግዚአብሔር ሓራይ ምባል ዝተማህራ ንሕናውን ካብ እኖና ድንግል ማርያም ሕራይ ምባል ንመሃር ኢሎም።”

ካብ እኖና ድንግል ማርያም ሕራይ ምባል ንመሃር!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ናይ ትማሊ ትምህርቶም ንኩሎም ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ እንደገና ናብ ናይ ዕለቱ በዓል ምልስ ኢሎም ።

“ሎሚ በዓለ በኣታ ለብፅዕት ድንግል ማርያም ንዝክር ኣሎና። ነታ ንክርስቶስ ዝወለደትልና እሞ ንጠምት ከም ኣደናን ከኣሊት ረዳኢተ ክርስትያንን ነኽብራ። ካብኣ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ንእግዚአብሔር ምውፋይ ነቲ ንሱ ዝመደበልካ መደብ እሺ ሕራይ ኢልካ ምቅባልን ንመደብ ድሕነት ነፍሲወከፍናስ ይኹን ንመደብ ድሕነት መላእ ዓለም ኣሜን ኢልካ ምውፋይ ንመሃር።”

ድሕሪ ቢሎም በቲ ትዊተር ዝበሃል ይድረስታኦም ገሮም ከኣ `ንኢየሱስ በታ ንኣፋፈት መንግሥተ ሰማይ ተብጻሕና ፍልጢ መንገዲ ዝኾነ ብመንገዲ ኣገልግሎት ተሓጒስና ክንክተሎ ድንግል ማርያም ትድገፈና’ ኢሎም ሓጺር መልእኽቲ ጽሒፎም።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ኣብ ላተራኖ ንዝካየድ ጉባኤ ሰብ ውፉይ ሕይወት!

ብዛዕባ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ማሕበር ሓዋርያዊ ሕይወትን እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ዘሰናደወቶ ጉባኤ ኣብ ላተራኖ ይካየድ ኣሎ።  እቲ ጉባኤ ብሓፈሻ ብዛዕባ ሕይወት ብሕትውናን ሰቂለ ኅልናን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሕቡኣት ማሕበራት እንክኸውን ዝሓለፈ ሰነ 12 2018 ዓም ቩልቱም ደይ ኰረረ ማለት ኣብ ታሪኽ ገጽ እግዚአብሔር ምድላይ ዝብል ሓዋርያዊ ቊዋምን ንኣኡ ስዒቡ ዝተዋህበ ኮር ኦራንስ ዝጽሊ ልቢ ዝብል መምርሕን ዘተኰረ ነበረ። ትሕዝቶ ናይ’ዚ ሰነዳት እዚ ብዕለት 12 ሰነ ኣመሓላሊፍናዮ ከምዝነበርና ዝዝከር ኮይኑ ቀንዲ ትሕዝቶኡ ብዘይካ እዞም ጸለይትን ኣስትንተንትን እዚኦምሲ ቤተክርስትያንን ዓለምን እንታይ ምወሓጦ ይብል ቀትርን ለይትን ስለ ቤተክርስትያንን ስለዓለምን ቈይሞም ዝጽልዩን ዝጽልያን ኣብዚ ንዕዘቦ ጸልማት ለይታ ብልጭታ ተስፋን ብርሃንን እዮም፣ ብዘይካ እዚኦም እቲ ወጊሑ ንብሎ መዓልቲ እውን ድቅድቅ ጸልማት ምኾነ እንክብል ሽሕ’ኳ ሕቡኣትን ባሕታውያንን እንተኾኑ ናይ መላእ ቤተክርስትያንን ዓለምን ዋሕስ ምዃኖም ይገልጽ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
22 November 2018, 13:44