ድለ

ተዝካር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምኡ እውን ተስፋ ዘይብታኽ! ር.ሊ.ጳ ኣብ መካነ መቃብር ላውረንቲኖ

ኣብ ናይ ትማሊ መደብና ገሊጽናዮ ከምዝነበርና ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ተዘኪሩ ንዝወዓለ ዕለተ ኩሎሙ ሙታን ንምዝካርን ስለ ኩሎም ሙታን መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግን ድሕሪ ቀትሪ በቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 4 ኣብ መካነ መቃብር ላውረንቲኖ በጺሖም። ኣብ ርእሲኡ ኣብ’ቲ መካነ መቃብር ዝርከብ ፍሉይ ናይ ሕጻናትን ናጽላታትን መቃብር ፍሉይ ጸሎት ኣዕሪጎም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ ግዜ ናቶም ወኪል ወይውን ቪካርዮ ኣብ ሰበኻ ሮማ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ከምኡ እውን ናይ ሮማ ደቡባዊ ክፍሊ ሓጋዚ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ሎጁዲቸ ምስ ናይቲ መካነ መቃብር ኣገልጋሊ ብፁዕ ኣቡነ ክላውድዮ ፓልማ ተቀቢሎሞም። ከምኡ እውን ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ቪርጂንያ ራጂ ኣብኡ ተረኺበን ነበራ።

ጸሎት ኣብ መቃብር ሕጻናት!

ቅዱስነቶም ቅድሚ ዝኣገረ ዝገበርዎ ብቀጥታ ኣብ’ቲ ሕጻናት ብዝተፈላለየ ሕማማት ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ምስ ሞቱ ዝቅበሩሉን ከምኡ እውን ብሓደጋን ብምንጻል ጽንስን ዝሞቱ ዝቅበሩሉ ‘ጃርዲኖ ደጝሊ ኣንጀሊ’ መካነ ገነት መላእኽቲ ተባሂሉ ኣብ ዝስመ ቦታ ፍሉይ ስምዒት ብዘሕድር ኣገባብ ጸልዮም። ነሽማቶም በብሓደ እንዳኣንበቡ ነቲ እምኒ መቃብሮም እናተንከፉ ጻዕዳ ጽጌረዳ እንዳኣውረዱ ብጸጥታ ጸሎቶም ኣዕሪጎም።

ብድሕሪ’ዙይ ነዙ ፍጻሜ እዚ ዝጽበዩ ዝነበሩ ገለ ወለዲ ናይቶም ናጽላታትን ሕጻናትን ኣብቲ ቦታ ብምንባሮም ቅዱስነቶም ንገሊኦም ሰላም ኢሎም ነቶም ዝበኽዩ ዝነበሩ ከኣ ኣጸናኒዕም። ኣብ መወዳእታ ብማኪና ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉሉ ተሰናድዩ ዝነበረ ብኣማእት ዝቊጸሩ ቦታ ምእካል ስኢኑ ኣብቲ ልሙዕ ሳዕሪ ኰፍ ኢሎም ናብ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ብምኻድ ውራይ ቅዳሴኦም ገብሩ።

ናይ ተዝካር ዕለት!

ንዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ካብ ወንጌለ ማቴዎስ 5 ኮይኑ ሕይወት ‘ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም . . . እቶም የዋሃን ብፁዓን እዮም . . . እቶም ንጹሓት ልቢ ብፁዓን እዮም . . ‘ (ማቴ 5.3-28) ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ሓጺር ስብከት ከኣ ወትሩ ከምዝገብርዎ ሠለስተ ቃላት ይብሉ እሞ ሕይወት ኣብ ሠለስተ ሁመት ዘሎ ዝሓለፈ ዝመጽእ እንክብሉ ይትንትኑ።

ተዝካር ንሓደ ሕዝቢ ሓያል ዝገብሮ መኣዝን እዩ! ከመይ ኣብ ሓደ ጉዕዞ ከምዝተምሥረተ ኣብ ሓደ ታሪኽ ከምዝተመሥረተ ሓደ መበቆል ዘለዎ ሕዝቢ ምዃኑ ይግንዘብ። ተዝካር በይንና ከምዘይኮና የረጋግጸልና! ሓደ ሕዝቢ ምዃና ታሪኽ ዘለዎ ሕዝቢ ምዃና ሕያው ኮይኑ ሕሉፍ ሕይወት ከምዝነበሮ እውን የዘኻኽር። ተዝካር ናይቶም ብዙሓት ኣብ ታሪኽና ምሳና ዝተጓዕዙ ኣብዚ መካነ መቃብር ኣሎ። ተዝካር ምግባር ቀሊል ኣይኮነን። ንሕና ብዙሕ ግዜ ድሕሪት ምልስ ኢልና እንታይ እንታይ ከምዝተፈጸመ ንምሕሳብ ንስልቹ! ኣብ ሕይወተይ ኣብ ሥድራቤተይ ኣብ ሕዝበይ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት እንታይ ተረኺቡ ነሩ ኢልና ንምዝካር ንስልቹ! ኮይኑ ግን ሎሚ ዕለተ ተዝካር እዩ! ናብ ሱር መሠረትና ዝወስደና ዕለተ ተዝካር እዚ ሱር መሠረት እዚ ሡር መሠረት ናይቲ ናተይ ዝብሎ ሕዝቢ እዩ።

ኣብ ሰማይ ናይ ምርኻብ ተስፋ!

እዚ ተዝካር እዚ ግን ዝኽሪ ጥራይ ኮይኑ ደው ዝብል ኣይኮነን እንታይ ደኣ ነቲ ሕይወት ዝሃበና ጐይታ ክንረክብን ፍቅሩ ክነስተማቅርን ብተስፋ ንጽበየሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ። ከምቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ ክንበብ ዝሰማዕናዮ  ናይ ሓዲስ ምድርን ሓዲስ ሰማይን ተስፋ ናይ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ንመርዓዊኣ ክትቅበል ተሰናድያ ዘላ ስልምቲ መርዓት እንጽበየሉ ተስፋ እዩ።

ጽባቀን ሰላምን ንጽበ. . በዚ ከኣ ተዝካር ተስፋ ተዝካር ናይ ምርኻብ ተዝካር ኣብቲ ፈጣሪና ዝኾነ ፍቅሪ ዘለዎ ምብጻሕን ምጽባይን። እዚ ከኣ ፍቅሪ ሰማያዊ ኣቦና እዩ።

ብርሃን መንገዲ ብፅዕና ናይ እትኽተል ሕይወት!

ኣብ መንጎ ተዝካርን ተስፋን እታ ሣልሰይትን ኣገዳሲትን ክፍሊ ኣላ ንሳ ኸኣ እዛ ዘሎናያ ግዜ ሕጂ እንብላ እያ።

ነታ ክኽተላ ዘሎኒ መንገዲ ንከይጋገያ ዝሕግዛኒ መብራሕትታት ኣየኖት እየን! እግዚአብሔር ባዕሉ ዝሃበኒ መሪሕ ወይ ቡሶላ ናይ መንገዲ ንከይጋገ ዝሕግዘኒ ኣየናይ ኮን ይኸውን! ብዘይካ እተን ኣብ ወንጌል ክንበባ ዝሰማዕናየን ናይ ብፅዕና መንገድታት ካልእ የለን። እዚ መንገዲ ብፅዕና እንብለን ትሕትና ብመንፈስ ድኻ ምዃን ስለ ፍትሒ ምቅላስ ምሕረት ምግባር ንጽሕና ልቢ ወዘተ እዚኤን እየን ብርሃን ኮይነን ዝመርሓና መንገዲ ንከንጋገ ኣብዛ ናይ ሎሚ ሕይወት ማለት ማእከል ሕሉፍን ማእከል መጻእን ማእከል ተዝካርን ማእከል ተስፋን ንዘላ ነዛ ሎሚ ሕጂ እንብላ እንነብራ ዘሎና ሕይወት የሰንያና።

ቅዱስነቶም ስብከቶም ንምጥቃላል ነተን ሠለስተ ቃላት እንደገና ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ንምግላስ እታ ሕሉፍ ዝበልያ ተዝካር ኣብ መቃብር ተወቂጣ እነሀትልኩም እታ ተስፋ ከኣ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ኣብ ሰማይ እነብዕላ ዘለዓለማዊት ሕይወት ኮይና ብዓይኒ እምነት ትረኤ ነዛ ሕጂ ንብላ ናይ ሎሚ ጐዳና ከኣ ብፍቅሪ ብተግባር ብመንገዲ ብፅዕና ንንበራ ኢሎም።

ሎሚ እምበኣርከስ ንጐይታ ንተዝካር ከይንዝንግዕ ጸጋኡ ክህበና! ንዝኽሪ እንፈትዎም ሰባት ንዝኽሪ ሥድራቤታትና ንዝኽሪ ሱርመሠረትና ዝኾነ ሕዝብታት ከይነጥፍኦን ከይንሓብኦን  ጸጋኻ ሃበና ንበሎ። ተስፋ እውን ሓደ ውህበት ናቱ ስለዝኾነ ጸጋ ተስፋ ይዓድለና በዚ ከኣ ተስፋ ክንገብር ንቅድሚት ክንጥምትን እምበር ኣብ ቅድሚ ሓደ መንደቅ ተዓጺና ንከይንተርፍ ይሕግዘና። ከምኡ ኣብዚ ሕጂ እንብሎ ዘሎናዮ መሰጋገሪ ሕይወትና ኣየኖት መብራሕትታት ከሰንያና ከምዘለወን ንምርኣይን መንገዲ ንከይንጋገን ኣብቲ ብዓቢ ፍቅሪ ዝጽበየና ብዘይዕንቅፋት ንክንበጽሕን ንክርዳእ ጸጋኻ ሃበና ንበሎ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ንኩሉ ፈጺሞ ናብ መንበሮም ናብ ከተማ ቫቲካን ምስ በጽሑ ኣብ ትሕቲ መንበረ ታቦት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ መካነ መቃብር ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ከይዶም ስለኦም እውን ናይ ብሕቲ ጸሎት ኣዕሪጎም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
03 November 2018, 17:05