ር.ሊ.ጳ ስለ እቶም ኣብ ግብጣዊት ቤ/ ክ ግዳይ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ጸልዮም።

ዝሓለፈ ዓርቢ መንፈሳዊ ንግደት ንኽገብሩ ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ ብኣውቶቡስ ዝጐዓዙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ግብጺንዝሞቱ ምእመናን ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም ምእንታኦም ከምዝጽልዩ ከኣ ኣረጋጊጾም።

ሙሴ ዮሓንስ - ከተማ ቫቲካን

ቅድስነቶም ትማሊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ትምህርቶም ንምስምዓን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንምቅባልን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ምስ ዝነበሩ መእመናን ጸሎተ መልኣከ እግዚብአብሔር ምስ ደገሙ፣ ስለ እቶም ኣብ ቅዱስ ቦታ ዝጎዓዙ ዝነበሩ ነጋድያን  ምእመናን ቅብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ግብጺ፣ ብግብረ ሽበራውያን `ክርሰትያን ስለ ዝኮኑ ጥራይ’  ኣብ ልዕሊኦም ንዝወረደ ናይ ሞትን መቁሰልትን ሓደጋ ንጸሊ ኢሎም።

እተን ነቶም ነጋድያን  ኦርቶዶክሳዊት ቁብጣዊት ቤተ ክርስትያን  ሒዘን ናብ ቅዱስ ቦታ ዝጎዓዛ ዝነበራ ክልተ ኣውቶቡስ ሙኻነን ክፍላጥ እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊኤን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብወሑዱ  ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ፣ ብዙሓት ድማ ብከቢድን ፎኩስን ከም ዝቆሰሉ ተመልክቲ። እቶም  ዝጎዓዙ ዝነበሩ ምእመና ቅብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት  ቤተ ክርስትያን ግብጺ፣ ኣብ ሚንያ እተበሃል ገዳም ናይ እትርከብ ገዳም  ቅዱስ ሳሙኤል መንፈሳዊ ንግደት ንምፍጻም ይጐዓዙ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ። እዚ መጥቃቲ’ዚ ተርእዮ ናይቲ ብዝያዳ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝወርድ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ከምዚ ዓይነት ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትታት ገና  እና ማዕበለ ይኸይድ ምህላዉ’ውን ምስ’ዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።  

ነዚ መድብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
04 November 2018, 17:00