ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መልእኽቲ ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መልእኽቲ 

ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መልእኽቲ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንተጋባእያን ሰናይን ፍራያምን ዓውደ መጽናዕቲ ተመንዮም፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ግብኡን ውሳኔ ካብ ዝእወጅ ዝክረ መበል 70 ዓመት ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን፥ ተዘክሮ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ እዋናዊ ዓለም ብዛዕባ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግቡእን ራእያዊ ምዕባሌታቱን ኩነታቱን ብዕምቆት ክስትንተን

ማሕበር ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሮማ ናብ ዘዳለዎ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ግቡእን ዝዝትይ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶ መበል 16 መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቫቲካናዊ ማሕበር ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16 ምስ መንበረ ጥበብ ፍልሰታ ለማርያም ብምትሕብባር ዛዕባ መሰረት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ግቡእን ግርጭት ኣብ መንጐ መሰልን ግቡእን ኣማእኪሉ ንኽዝትይ ዘዳለዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምእተኸፈተን፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ፥ ዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርንን ጥልቂ ኣስተንትኖ ኣገዳሲ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንተጋባእያን ሰናይን ፍራያምን ዓውደ መጽናዕቲ ተመንዮም፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ግብኡን ውሳኔ ካብ ዝእወጅ ዝክረ መበል 70 ዓመት ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን፥ ተዘክሮ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ እዋናዊ ዓለም ብዛዕባ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግቡእን ራእያዊ ምዕባሌታቱን ኩነታቱን ብዕምቆት ክስትንተን ኣለዎ፡ እቲ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣሚቱ ዝተኣወጀ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብር ውሳኔ፡ ከም ግዜ ብዕምቆት እናተስተንተነን እናተተንተነን ሓደስትን ከምኡ እውን ንሓድ ሕዶም ተገራጨውቲ ዝመስሉን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣናሳዀዔ ዝመጽእ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ሕዳሴ ንገዛእ ርእሱ እቲ ሰብኣዊ መሰልን ክብር ንዝብል ሓሳብን መሰረቱን ዝምልከት እዩ ኢሎም።

ካብ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ትምህርቲ ብምብጋስ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ በነዲክቶስ መበል 16 ይብሉ ፡ ከም ሊቅን ጓሳን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝምልከት ሕቶ ብጥልቂ ምምልካት ሕጹጽ ምዃኑ ኣገንዚቦም እዮም፡ እቲ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ናይቶም ፍቑር በነዲክቶስ መበል 16 ኣምርን ስልጣናዊ ትምህርትን ኣስተንፍሶ ገይሩ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኵለንተናዊ ምዕባሌታቱን ዘብርህ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የተሓሳስቡ።

በነዲክቶስ መበል 16፥ እቲ ዓቢይ ስግኣት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣምር ምፍራስ ዝብል እዩ

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቅድም ቀዳድም እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብዕምቆት ምዝታይ ዘለዎ ኣገዳስቲ ዘመላኽት እዩ፡ ነቲ ዝረአይ ዘሎ ተራብሖ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘስዕቦ ዝተፈላለዩ ጸገማትን ብግልጺ ምይይጥ ክግበረሉ ከምዘለዎ ዝሕብር ክኸውን እንከሎ፡ ተተሓሒዙ እውን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝምልከቱ ሕቶታት ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሓባር መሰረትን እዋናውን ምዃኑ ይሕብር ቢሎም ንተጋባእያን ንቅርበቶምን ጸሎትም ብምርግጋጽ እግዚኣብሔር ነቲ ናይ ተጋባእያን ዕዮ ይባርኽ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መልእኽቲ
16 November 2018, 17:12