ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር-በዓለ ኩሎሙ ቅዱሳን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር-በዓለ ኩሎሙ ቅዱሳን 

ዘሎና ምርጫ ወይ ቅድስና ወይውን ካብ ኩሉ ምብኳር ስለዚ መንገዲ ብፅዕና ንምረጽ! ር.ሊ.ጳ

ራእይ ዮሓ 7፡2-14 “ድኅርዚ ድማ ኻብ ኵሎም አሕዛብን ዓሌታትን ሕዝብታትን ካብ ብዘሎ ቋንቋታትን ዝተአከቡ ሓደ እኳ ክቖጽሮም ዘይክእል ብዙኃት ሰብ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ጨናፍር ስየ አብ አእዳዎም ኂዞም አብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን አብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ከአዉ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸአ ምድኃን ካብቲ አብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ አምላኽና ካብቲ ገንሸልን እዩ ዝመጽእ እናበሉ ጨደሩ”

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም! ቡሩኽ በዓል!

ቀዳማይ ንባብ ናይ ሎሚ ካብ ራእዩ ለዮሓንስ ኮይኑ ብዛዕባ ሰማይ ይዛረበና ‘ድኅር’ዚ ካብ ኵሉ ሃገርን ዓሌትን ሕዝብን ቋንቋን ዝተኣከቡ ኪቊጸሩ ዘይክእሉ መእለውያ ዘይብሎም ሕዝቢ ረኤኹ’ (7.9) እናበለ እውን ብዛዕባ ቅዱሳን የዘንቱ። እዞም ቅዱሳን እዚኦም ኣብ ሰማይ ኮይኖም እንታይ ይገብሩ ኣለው! ኢልና እንተሓተትና ብሓባር ከምዝዝምሩን ንእግዚአብሔር ብታሕጓስ ከምዝውድሱን ይንገረና። መዝሙሮም ምስማዕስ ክንደይ ኮን ምጠዓመ ኮይኑ ግን ብሓሳብና ክንግምቶ ንኽእል! ነዚ መኣስ ክንገብሮ ንኽእል ትፈልጡዶ! ኣብ ግዜ ቅዳሴ ‘ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚብሔር ጸባኦት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅዱሳተ ስብሓቲከ’ ኢልና ኣብ እንዝምረሉ ግዜ። እዚ መዝሙር እዚ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና ካብ ሰማይ ዝመጸ እዩ! ኣብኡ ይዝመር ‘ኢሳ 6.3 ራእ ዮሓ 4.8)እዚ ከኣ ማህሌት ናይ ምስጋናን ውዳሴን እዩ። ስለዚኸስ ‘ቅዱስ’ ኢልና እንክንዝምር ብዛዕባ ቅዱሳን ጥራይ ኣይኮናን እንሓስብ እንታይደኣ ነቲ ንሶም ዝገብርዎ ንገብር። ኣብ ግዜ ቅዳሴኸስ ልዕሊ ማንም ግዜ ምስ ቅዱሳን ንሓብር።

ምስ ኩሎም ቅዱሳን ኢና ንሓብር! ምስቶም ንፈልጦም ኣብ መራሕ ዕለት ተዘርዚሮም ዘለው ጥራይ ዘይኮነ ምስቶም ዘይንፈልጦም ጎረባብትና እውን ክኾኑ ዝኽእሉ ከምኡ እውን ኣዝማድናን እንፈልጦምን ኮይኖም ምስቶም ማእለውያ ዘይብሎም ቅዱሳን ምስ ዘለው እውን ንሓብር። ሎሚ እምበአርከስ በዓል ሥድራቤት እዩ። ቅዱሳን ቀረባና እዮም እኳ ደኣ ሓቀኛታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዮም። ይርድኡና ይፈትውና ሓቀኛ ጽቡቅና እንታይ ምዃኑ ይፈልጡ ይሕግዙና ይጽበዩና እውን። ሕጉሳት እዮም ንሕና እውን ከምኣቶም ኣብ መንግሥተ ሰማያት ሕጉሳት ክንከውን ይደልዩና።

በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ነታ ኣብ ናይ ሎሚ ቃለ ወንጌል ተመልኪታ ዘላ ናይ ታሕጓስ ሕይወት ‘ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም . . . እቶም የዋሃን ብፁዓን እዮም . . . እቶም ንጹሓት ልቢ ብፁዓን እዮም . . ‘ (ማቴ 5.3-28)። እዚ ግን ከመይ ኢሉ ይኸውን! ዓለምና ብፁዓንሲ ሃብታማት እዮም እናበለ ወንጌል ግን ድኻታት ብፁዓን እዮም ይብል። ወንጌል ትሑታትን ለዋሃትን ብፁዓን እዮም እንክብል ዓለምና ግን ብፁዓንሲ ገዛእቲ ሰብሥልጣን ይብል። ወንጌል ንጹሓት ልቢ ብፁዓን እንክብል ዓለም ብፁዓንሲ እባ ጐራሓትን ተበለጽትን ይብል። እዛ መንገዲ ብፅዕና ወይውን መንገዲ ቅድስና እዚኣ ናብ ሽንፈት ገጻ እትወስት ትመስል። ኣብ ቀዳማይ ንባብ እቶም ቅዱሳን ‘ስየ ኣብ ኢዶም ሒዞም’ ይብል እዚ ከኣ ምልክት ዓወት እዩ። ስለዚኸስ ዓለም ዘይኮነስ ንሶም ከምዝተዓወቱ ንግንዘብ። ከምቲ ንሶም ዝመረጽዎ ናይቲ ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር ወገን ክንከውን እውን ይምሕጸኑና።

ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ንበል እሞ ምስ ኣየናይ ወገን ቈምና ኣሎና ምስቲ ናይ ሰማይዶ ምስቲ ናይ ምድሪ ኢልና ሕልናና ንመርምር። ንጐይታ ዶ ንነብር ኣሎና ወይስ ንገዛእ ርእስና! ንዘለዓለማዊ ታሕጓስዶ ንነብር ኣሎና ወይስ ናይዚ ዓለምና ግዝያዊ ታሕጓስ! ብሓቂ ቅዱሳን ክንከውንዶ ንደሊ! ወይስ ኣይምውቃት ኣይዝሑላት ክርስትያን ኰና ንብጻዮም ጥራይ ዝንእዱ ምንም ግን ዘይብሩ ኰና ንነብር ኣሎና! ኢልና እስከ ንርእስና ንሕተት!  እቲ ንኩሉ ዝህብ ጐይታ! እቲ ሓቀኛ ሕይወት ሂቡ ነታ ስለኣ ዝተፈጠርና ሓጐስ ዘውፍየልና ዘሎ ጐይታ ምሉእ ብምሉኡ ይሓተና ኣሎና! (ሓሴት ወንጌል 1) እጠቃልል ክነብሎ እንተዀና ወይ ቅድስና ወይ ከኣ ምንም ነገር የለን! በቶም ብዘይ ቃልዓለም ነዛ ዓለም ዝመነኑ ካብ ሰማይ ከኣ ስለና ዘማልዱ ቅዱሳን ክብድሁና ነፍቅድ ከመይ በዚ ንእግዚኣአብሔር ክንመርጽ ንትሕትና ንለውሃት ንምሕረት ንንጽሕና ንምረጽ! ክንዲ ንምድራዊ ነገር ንናይ ሰማይ ነገር ነድንቅ።

ሎሚ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጽቡቅ ቃላት ወንጌል ጥራይ ክንሰምዕ ኣይሓቱናን እንታይ ደኣ ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ ብመንገዲ ብፅዕና ምጉዓዝ ክንጅምር ይዕድሙና ኣለው። ካብ ንቡር ወጻኢ ዝኾነ ነገራት ምግባር ኣይኮነን ዘድሊ እንታይ ደኣ ዕለት ዕለት ንመንሥተሰማይ ትወስደና ናብ ሥድራቤትና ንተብጻሕና ናብ ገዛና እተእትወና ነዛ ኣፍደገ መንግሥተሰማይ ዝኾነት መንገዲ ብፅዕና ክነዘውትራ እዩ። ሎሚ እምበኣርከስ ነቲ ምእንታኡ ዝተፈጠርናዮ መጻኢ ሕይወትና ዘኪርና ነብዕሎ። ፈጺምና ንከይንመውት ኢና ተወሊድና። ንታሕጓስ እግዚአብሔር ክነስተማቅር ኢና ተወሊድና። ጐይታ ከኣ ነቲ መንገዲ ብፅዕና ንዝመረጸ ‘ተሓጐሱ ደስ እውን ይበልኩም ከመይ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ እዩ’ (ማቴ 5.12) እናበለ ይተባብዓና ኣሎ። ቅድስት ኣደ ኣምላኽን ንግሥቲ ቅዱሳንን ዝኾነት ድንግል ማርያም ንመንገዲ ቅድስና ንክንክተል ኣብ ምውሳን ትሓግዘና። ንሳ ኣፋፈት ሰማይ ስለዝኾነ ነቶም ካባና ብሞት ዝተፈልዩ ኣዝማድና ኣብ ሰማያዊ ሥድራቤት ትጸምብረልና። ኢሎም ምስ ኣስተምሃሩ መልኣከ እግዚኣአብሔር ደጊሞም።

ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ቅዱስነቶም ዳግም ሰላምታን ምስጋናን ኣቅሪቦም ጽባሕ ዕለት 2 ጥቅምቲ ዝኽሪ ኩሎም ሙታን ብምዃኑ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ላውረንቲኖ ዝበሃል መካነ መቃብር ከይዶም ክጽልዩ ምዃኖምን ኩልና ብጸሎት ክነሰንዮም ሓደራ ኢሎም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
01 November 2018, 13:35