ኢየሱስ ወትሩ ምስቶም ናይ መጨረሻ ኮይኑ ንውጹዕ ንዝዕምጽ የጋልጽ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 11 ሕዳር 2018ዓምፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ‘ንጐይታን ንብጾትናን ብትሕትናን ልግስን ክንውፈ ኣሎና። ኢየሱስ ብምኽንያት እምነት ብብድዔ ንዝጐዓዘ የጋልጽ እዩ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም። ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ባርሰሎና ብፅዕናኡ ዝተኣወጀ ኣባ ተወዶሮ ኢለራ ደል ኦልሞን 15 ብጾቱን ዘኪሮም ካልኣይ ዓለም ለኸ ዕለተ ድኻታት መኣስ ከምዝዝከር ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ግጽው ካብ ወንጌል ማርቆስ 12 ኮይኑ “ኪምህሮም ከሎ ከኣ ‘ካብቶም ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ዚዞሩን፡ ኣብ ዕዳጋውን ብኽብሪ ሰላም ኪብልዎም ዚፈትዉን፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድውን ዝለዓለ መንበር፡ ኣብ መኣዲ ዝኸበረ ሥፍራ ዚደልዩ መማህራን ሕጊ ተጠንቀቑ። ንሳቶም ኣባይቲ መበለታት ዚብዝብዙ፡ ኬምስሉ ከኣ ጸሎት ዜንውኁ እዮም እሞ፣ ዝገደደ ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም” በሎም።” ዚብል ክፍሊ ይርከቦ።

ቅዱስነቶም እቲ ጸሓፍን እታ መበለትን ብዝብል ኩነታቶምን እምነቶምን ተግባራቶምን የነጻጽሩ እሞ እቲ ሓደ ብትዕቢትን ብደዔን እንክተፋነን እታ ድኻ ግን ንዘለዋ ኩሉ ተወፊ። ንሕና እውን ንጐይታን ነሕዋትናን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዘሎና ኩሉ ብትሕትናን ብልግስን ክነወፊ ይጽውዑ። ምኽንያቱ ክገልጹ ከኣ እግዚአብሔር ወትሩ ምስቶም ናይ መጨረሻ ማሕበረሰብ ስለዝውግን እዩ ይብሉ።

እግዚአብሔር ምስቶም ኣብ መጨረሻ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ይውግን!

ቅዱስነቶም ኣብ ንጹር ፍልልይ ናይቲ ጸሓፍን ናይታ መበለትን ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ጸሓፊ ነቶም ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሰባት ሃብታማትን ጸለውትን ሰባት እንክውክል እታ መበለት ከኣ ነቶም ናይ ማሕበረሰብና ዝተሓተ ቦታ ዝሓዙ ድኻታትን ድኹማትን ትውክል። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ብደገ ጥራይ ዘብለልጩ ብውሽጦም ግን ጺእ ዝኾኑ ጸሓፍቲ ብቀጥታ ይፈርደሎም ልዕሊ ኣብቲ ኣብ ማሕበረሰብ ቦታኦም ንምሕላው ዝተፈላለየ ኣርእስታት ንገዛእ ርእሶም ብምሃብ መማህራን ክበሃሉን ኣብ ዕድጋታትን መንገድታትን ኩሎም እናሰገዱ ሰላም ክብልዎም ኣብ ዝለዓለን ዝኸበረን ቦታ ከቀምጥዎም ከም ዝጽልዩ ንሰብ ምእንቲ ከርእዩ ከኣ ነዊሕ ሰዓታት ረኣዩና ስምዑና ይብሉ ከም ተኸላኸልቲ ሕጊ ንኣገልግሎት እግዚአብሔር ዝተግሁን ክመስሉ ከኣ ሊቃውንቲ ሕጊ ኢና ይብሉ። እዚ ናይ ከንቱነት ልዕልና እዚ ነቶም ከምኦም ዘይኮኑ ብዙሕ ዋጋ ዘይወሃቦም ክፍሊ ሕብረተሰብ በዚኦም ንዑቃት እዮም ከምኡ እውን መበለታት።

“ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ መርዛም ኣተሓሳስባ የጋልጽ! ብምኽንያት እምነት ነቶም ድኹማት ዝግበር ጭቆና ይኩንን! ነዚ ከኣ እግዚአብሔር ምስቶም ዝተናዕቁ ናይ ሕብረሰብና ዝተሓቱ ኣካላት ከምዝውግን ብምግላጽ እዩ። ከመይ እዚኦም ኣካላት ማሕበረሰብ ብዘይነግ ፈረግ ኩለንታናኦም ንእግዚአብሔር ስለዘወፍዩ እዩ።”

ኩለንትናኻ ምውፋይ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ካብ ህያው ኣብነት ተላዒሉ ዝህቦም ትምህርቲ ብጣዕሚ ዓቢ እዩ። እታ መስኪን መበለት ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝከላኸለላ ዘይብሉ ትሕት ዝበለ ናብራ ትነብር ዝነበረት ዝከላኸለላ ዘይብላ ብምንባራ በቶም ናይ ግዜኡ ተኻሉ ብቀሊሉ እትጥቃዕ እያ ነራ።

“እዛ ሰበይቲ እዚኣ ክልተ ሳንቲም ኣብቲ ሙዳየ ምጽዋት ናይ ቤተመቅድስ ተወፊ። ዘለዋ ገንዘብ ከኣ ንሰን ጥራይ ነረን። ብዝተኻእላ መጠን ሰብ ከየስተውዕለላ ብሕቡእ መባኣ ክተቐምጥ ትቃለስ ከመይ ሕፍረት ይስምዓ ነሩ። በዚ ትሕትና እዚ ከኣ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ተግባር ትፍጽም። ናይ እምነትን መንፈሳውነትን ዓቢ ትርጉም ትህብ። እዚ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ናይ መሥዋዕቲ ተግባር ካብ ቈላሕታ ኢየሱስ ከምልጥ ኣይከኣለን፣ እኳ ደኣ ንገዛእ ርእሳ ምሉእ ብምሉእ ብምውፋያ ንሓዋርያት መምሃሪ ዝኸውን ዓቢ ኣብነት ገሩ የቅርባ። ከመይ እግዚአብሔር ብዝሒ ዘይኮነ ዓይነት እዩ ዝርኢ።”

እግዚአብሔር ዓይነት ይዕቅን!

ትምህርቲ ኢየሱስ ኣብዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ምስ እግዚአብሔር ከመይ ዝበለ ርክብ ክህልወና ከምዘለዎ እዚ ከኣ ንሕወትና መሠረታዊ ነገር ከምዝኾነ ይገልጸልና።

“እግዚአብሔር ዝጥቀመሉ ሚዛን ካብ ናትና ዝተፈልየ እዩ። እግዚአብሔር ንሰባትን ተግባራቶምን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ እዩ ዝመዝኖ። ብዝሒ ኣይኮነን ዝዕቅን እንታይ ደኣ ዓይነት! ንልቢ ይምርምር። ንጽሕና ሓሳብ ይምልከት። እዚ ማለት ከኣ ነቲ ብጸሎት ንእግዚአብሔር እንወፍዮ ከምኡ እውን ብምግባረ ሠናይ ነሕዋትና እነወፍዮ ነገራት ካብ ሥርዓታትን ረኣዩለይን ስምዑለይን ክርሕቕ የድሊ። ካብ ናይ ምጽብጻብ ኣተሓሳስባ ወጺእና ከምቲ ኢየሱስ ንዓና ዝገበረልና ብነጻ ምውፋይ ክንመሃር ከመይ ንሱ ብነጻ ኣድሒኑና፣ ንድሕነትና ምንም ዘኽፈለና የብሉን። ንሕና እውን ነጻ ኣገልግሎትን ወፈያን ክንገብር ይግበኣና። እምበር ከምቲ ሃብታማት ዝገብሮ ካብ ዘሎና ሕልፊ ክነወፊ ክንጽዕር የብልናን።”

እታ መበለት ድኻን ለጋስን ብኢየሱስ ከም ኣብነት ክርስትያናዊ ሕይወት ኰይና ክንመስላ ንጽዋዕ።

“ብዛዕባ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝፍለጥ ምንም የለን ስማ ኣይንፈልጥን! ኮይኑ ግን ኣብ ልባ እንታይ ከምዘሎ ንፈልጥ፣ ብርግጽ ኣብ ሰማይ ክንረኽባ ኢና ሰላም ከኣ ክንብላ ኢና። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዘድሊ ከኣ እዚ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ናይ ረኣዩለይ ስምዑለይ ፈተና በርቲዑ ከሸንፈና እንተቀሪቡ ነዛ ሰበይቲ እዚ ንዘክር። ካብ’ቲ ዘየድልየና ዝያዳ ነገራት ከላቅቀና እሞ ትሑታት ከም እንኸውን ክገብረና እዩ። እንኽብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ኣዕረጉ።”

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር  ብፅዕናኡ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 11 ሕዳር 2018 ዓምፈ ኣብ ባርሰሎና ብፅዕናኡ ዝተኣወጀ ኣባ ተወዶሮ ኢለራ ደል ኦልሞን 15 ብጾቱ ሰማዕታትን ዘኪሮም ‘እዞም ስለ እምነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ቦታታትን ኣብ ግዜ ውግእን ስደት እምነትን ናይ ሃገረ እስፐይን ዝተቀትሉ ሰማዕታት እዮም። ብሓቂ ጽኑዓትን ተባዓትን መሰኻኽር ጐይታ እዮም’ ምስ በሉ ናብ ካልኣይ ዓለም ለኸ ዕለተ ድኻታት ምልስ ኢሎም ብብዙሕ ተበግሶ ስብከተወንጌልን ጸሎትን ዘሎካ ምክፋልን ዝመጽእ ሰንበት ክትዝከር ምዃና ኣዘኻኺሮም። ነዚ ዓለም ለኸ ዕለት እዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንሓደ ሶሙን ነቶም ኣብ ዝርከቡ ወገናት ኣገልግሎት ጥዕና ብነጻ ዘወፊ ተበግሶ እውን ከምዝጀመረ ተመልኪቱ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
12 November 2018, 14:25