ኢየሱስ ወትሩ ምስቶም ናይ መጨረሻ ኮይኑ ንውጹዕ ንዝዕምጽ የጋልጽ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ግጽው ካብ ወንጌል ማርቆስ 12 ኮይኑ “ኪምህሮም ከሎ ከኣ ‘ካብቶም ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ዚዞሩን፡ ኣብ ዕዳጋውን ብኽብሪ ሰላም ኪብልዎም ዚፈትዉን፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድውን ዝለዓለ መንበር፡ ኣብ መኣዲ ዝኸበረ ሥፍራ ዚደልዩ መማህራን ሕጊ ተጠንቀቑ። ንሳቶም ኣባይቲ መበለታት ዚብዝብዙ፡ ኬምስሉ ከኣ ጸሎት ዜንውኁ እዮም እሞ፣ ዝገደደ ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም” በሎም።” ዚብል ክፍሊ ይርከቦ።
ቅዱስነቶም እቲ ጸሓፍን እታ መበለትን ብዝብል ኩነታቶምን እምነቶምን ተግባራቶምን የነጻጽሩ እሞ እቲ ሓደ ብትዕቢትን ብደዔን እንክተፋነን እታ ድኻ ግን ንዘለዋ ኩሉ ተወፊ። ንሕና እውን ንጐይታን ነሕዋትናን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዘሎና ኩሉ ብትሕትናን ብልግስን ክነወፊ ይጽውዑ። ምኽንያቱ ክገልጹ ከኣ እግዚአብሔር ወትሩ ምስቶም ናይ መጨረሻ ማሕበረሰብ ስለዝውግን እዩ ይብሉ።
እግዚአብሔር ምስቶም ኣብ መጨረሻ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ይውግን!
ቅዱስነቶም ኣብ ንጹር ፍልልይ ናይቲ ጸሓፍን ናይታ መበለትን ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ጸሓፊ ነቶም ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሰባት ሃብታማትን ጸለውትን ሰባት እንክውክል እታ መበለት ከኣ ነቶም ናይ ማሕበረሰብና ዝተሓተ ቦታ ዝሓዙ ድኻታትን ድኹማትን ትውክል። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ብደገ ጥራይ ዘብለልጩ ብውሽጦም ግን ጺእ ዝኾኑ ጸሓፍቲ ብቀጥታ ይፈርደሎም ልዕሊ ኣብቲ ኣብ ማሕበረሰብ ቦታኦም ንምሕላው ዝተፈላለየ ኣርእስታት ንገዛእ ርእሶም ብምሃብ መማህራን ክበሃሉን ኣብ ዕድጋታትን መንገድታትን ኩሎም እናሰገዱ ሰላም ክብልዎም ኣብ ዝለዓለን ዝኸበረን ቦታ ከቀምጥዎም ከም ዝጽልዩ ንሰብ ምእንቲ ከርእዩ ከኣ ነዊሕ ሰዓታት ረኣዩና ስምዑና ይብሉ ከም ተኸላኸልቲ ሕጊ ንኣገልግሎት እግዚአብሔር ዝተግሁን ክመስሉ ከኣ ሊቃውንቲ ሕጊ ኢና ይብሉ። እዚ ናይ ከንቱነት ልዕልና እዚ ነቶም ከምኦም ዘይኮኑ ብዙሕ ዋጋ ዘይወሃቦም ክፍሊ ሕብረተሰብ በዚኦም ንዑቃት እዮም ከምኡ እውን መበለታት።
ኩለንትናኻ ምውፋይ!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ካብ ህያው ኣብነት ተላዒሉ ዝህቦም ትምህርቲ ብጣዕሚ ዓቢ እዩ። እታ መስኪን መበለት ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝከላኸለላ ዘይብሉ ትሕት ዝበለ ናብራ ትነብር ዝነበረት ዝከላኸለላ ዘይብላ ብምንባራ በቶም ናይ ግዜኡ ተኻሉ ብቀሊሉ እትጥቃዕ እያ ነራ።
እግዚአብሔር ዓይነት ይዕቅን!
ትምህርቲ ኢየሱስ ኣብዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ምስ እግዚአብሔር ከመይ ዝበለ ርክብ ክህልወና ከምዘለዎ እዚ ከኣ ንሕወትና መሠረታዊ ነገር ከምዝኾነ ይገልጸልና።
እታ መበለት ድኻን ለጋስን ብኢየሱስ ከም ኣብነት ክርስትያናዊ ሕይወት ኰይና ክንመስላ ንጽዋዕ።
ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ብፅዕናኡ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 11 ሕዳር 2018 ዓምፈ ኣብ ባርሰሎና ብፅዕናኡ ዝተኣወጀ ኣባ ተወዶሮ ኢለራ ደል ኦልሞን 15 ብጾቱ ሰማዕታትን ዘኪሮም ‘እዞም ስለ እምነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ቦታታትን ኣብ ግዜ ውግእን ስደት እምነትን ናይ ሃገረ እስፐይን ዝተቀትሉ ሰማዕታት እዮም። ብሓቂ ጽኑዓትን ተባዓትን መሰኻኽር ጐይታ እዮም’ ምስ በሉ ናብ ካልኣይ ዓለም ለኸ ዕለተ ድኻታት ምልስ ኢሎም ብብዙሕ ተበግሶ ስብከተወንጌልን ጸሎትን ዘሎካ ምክፋልን ዝመጽእ ሰንበት ክትዝከር ምዃና ኣዘኻኺሮም። ነዚ ዓለም ለኸ ዕለት እዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንሓደ ሶሙን ነቶም ኣብ ዝርከቡ ወገናት ኣገልግሎት ጥዕና ብነጻ ዘወፊ ተበግሶ እውን ከምዝጀመረ ተመልኪቱ።