ጓሶት ሰባት ደኣ ኩኑ እምበር ከም ሠራሕተኛታት ቤትጽሕፈት መንግሥቲ ኣይትኹኑ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮልጅ ፕዮ ናይ ላቲን ኣመሪካ ካብ ዝምሥረት 160 ዓመቱ ዘኪሮም ንዘብዕሉ ኣባላት እቲ ኮለጅ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዝተራኸቡሉ ብስም ኩሎም ሰላምታን ምስጋናን ዘቅረቡ አባ ጂልበርቶ ፍረይር ሓለቃ እቲ ኮልጅ እንክኾኑ ቅዱስነቶም ከኣ ብግዲኦም ስለቲ ምብጻሕን ሠናይ ቃላት ሓለቃ ኮለጅን ኣመስጊኖም ዝተሰምዖም ደስታ ገሊጾም። ናይ ዘመንና ኩነታትን ሓደስቲ ወለዶ ብደሆታትን ከኣ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ካህናት ሃነጽቲ ውህደት ክኾኑ ኣለዎም።
ቅዱነቶም ነቲ ኣብ ሓሴት ወንጌል እትብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳኖም ሓደራ ዝበልዎ ብምድጋም ኣብ መንጎ ካህናት ቅድሚ ዝኣገረ ምትሕባብርን ምትሕግጋዝን ከምዘድሊ እዚ ከኣ ንቤተክርስትያን ዝዓዘዘ ሓይሊ ከምትድልብ ዝገብርን ታሪኽ ንክትሰርሕ ዝድርኽን ንካልኦት ልቦም ከፊቶም ኢዶም ዘርጊሖም ዝቅበልን ንተስፋ ጐይታ ዳግም ሕይወት ዝዘርእን ዝፍውስን ማሕበረክርስትያን ንክተቍውም የኽእልዋ ኢሎም።
ኣብ ወንጌል ዝተመርኰሰ ሰብኣውነት ምህናጽ!
ናይ ሓደ ማሕበር ኣባልነት ካብቲ ኣብ ዝተሓደሰ ሓይልታት ምስዮናውያን ሓራ ገሩ ኣብ ወንጌል ዝተመርኰሰ ሰብኣውነት ንክነደንፍዕ ይሕግዘና። እዚ ከኣ ንኣህጉር ላቲን ኣመሪካ ሓዲስ ፍልጠትን ሓይልን ከዕጥቃ ይኽእል።
ከም ቅዱስ ሮሜሮ ኣብ ሱር መሠረትካ ምጥባቅ የድሊ!
ቅዱስነቶም ናይ ሓደ ካህን ቀንዲ ሕይወት ሕዝቡ ስለዝኾነ ብሕይወት ክነብር እንተኾይኑ ኣብ መንጎ ሕዝቡ ኮይኑ ወንጌል ክሰብኽ ኣለዎ። ካብ ሕዝቡ ፈጺሙ ክፍለ የብሉን። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ እዩ።
ጓሶት ሕዝቢ እምበር ዕሱባት ሠራሕተኛታት ኣይኮንኩምን!
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ሓደራ ዝበልዋ ጓሶት ሕዝቦም ክኾኑ እምበር ከም ሓደ ናይ መንግሥቲ ሠራሕተኛ ከይኮኑ እዩ። ነቲ ኮለጅ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሎሚ ንዘሰንይዎ ኢየሱሳውያን እውን ዘኪሮም።