ድለ

2018.11.15 አባላት ጳጳሳዊ ኮልጅ ፕዮ ናይ ላቲን ኣመሪካ 2018.11.15 አባላት ጳጳሳዊ ኮልጅ ፕዮ ናይ ላቲን ኣመሪካ  

ጓሶት ሰባት ደኣ ኩኑ እምበር ከም ሠራሕተኛታት ቤትጽሕፈት መንግሥቲ ኣይትኹኑ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ንኣባላት ላቲንኣመሪካዊ ኮልጅ ፕዮ ሮማ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ተልእኾ ካህናት ንጉስነት ነፍሳት እምበር ከም ዕሱብ ሥራሕካ ጥራይ ክተሳልጥ ላዕልን ታሕትን ምባል ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮልጅ ፕዮ ናይ ላቲን ኣመሪካ ካብ ዝምሥረት 160 ዓመቱ ዘኪሮም ንዘብዕሉ ኣባላት እቲ ኮለጅ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዝተራኸቡሉ ብስም ኩሎም ሰላምታን ምስጋናን ዘቅረቡ አባ ጂልበርቶ ፍረይር ሓለቃ እቲ ኮልጅ እንክኾኑ ቅዱስነቶም ከኣ ብግዲኦም ስለቲ ምብጻሕን ሠናይ ቃላት ሓለቃ ኮለጅን ኣመስጊኖም ዝተሰምዖም ደስታ ገሊጾም። ናይ ዘመንና ኩነታትን ሓደስቲ ወለዶ ብደሆታትን ከኣ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ካብ ሱር መሠረቱ ዝተመዝሓቈን ፋሕፋሕ ዝበለን ሓደስቲ ወለዶታት! ቤተክርስትያን ነዚ ጉዳይ እዚ ጋሻ ኣይኮነትን ነዚ ፈተና እዚ እውን ዝተጋለጸት እያ። ንሳ እውን ንባዕላ ኣብዚ ቅልውላው እዚ ትነብር ኣላ ኣብ መንጎ ክልተ ዝዋጠጡ ነገራት ተንጠልጢላ ብኩሉ ትውጠጥ ኣላ ስለዝኾነ ከኣ እንተደኣ ናብቲ ቀንዲ ተልእኮኣ ዝኾና ምስ ምእመናና ምርኻብ እንተዘይተጸሚዳ ዝገደደ ከኣ ነዚ እንተረሲዓ ዕጫኣ ካብ ሱር መሠረትካ ምምሓው እዩ ክኸውን። ኣብ ቤተክርስትያን ከይተረፈ ናይ ሥነሓሳባት ዕብለላ ኣሎ። እንክብሉ ካብ ባህላዊ ምግምማዕ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ካብ ሱር መሠረትካ ምምሓው ተጠንቂቆም ክሕለው ተማሕጺኖም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ተወላዲ ናይቲ ክባቢ ብምዃኖም ንአመሪካ ዘንጸላሉ ዘሎ እዚ ሓደጋ እዚ ምዃኑ ኣብሪሆም።”

ካህናት ሃነጽቲ ውህደት ክኾኑ ኣለዎም።

ቅዱነቶም ነቲ ኣብ ሓሴት ወንጌል እትብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳኖም ሓደራ ዝበልዎ ብምድጋም ኣብ መንጎ ካህናት ቅድሚ ዝኣገረ ምትሕባብርን ምትሕግጋዝን ከምዘድሊ እዚ ከኣ ንቤተክርስትያን ዝዓዘዘ ሓይሊ ከምትድልብ ዝገብርን ታሪኽ ንክትሰርሕ ዝድርኽን ንካልኦት ልቦም ከፊቶም ኢዶም ዘርጊሖም ዝቅበልን ንተስፋ ጐይታ ዳግም ሕይወት ዝዘርእን ዝፍውስን  ማሕበረክርስትያን ንክተቍውም የኽእልዋ ኢሎም።

“ብዝቀደሙን ሓደስትን ቊስልታት በሰላ ንበሰላ ኰይና ዘላ ኣህጉርና ርክባትን ውህደትን ዚሃንጹ ብክፉት ልቢ ንሕዳሴ መንግሥቲ እግዚአብሔር ብተኣማንነት ዝቅበሉ የድልይዋ። ነዚ ከኣ ብዘይ ወዓል ሕደር ሕጂ ክጅመር ኣለዎ። ሓደ ካህን ኣብ ቊምስናኡስ ይኹናብ ሰበኻኡ ብዙሕ ነገራት ክገብር ይኽእል። እዚ ከኣ ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ። ኮይኑ ግን ካብ ዓቅምኻ ንላዕሊ ምድካምን ኣብ መንጎ ኣይላዕሊ ኣይታሕቲ ኰንካ ጠጠው ምባልን ንበይንኻ ተዓጺኻ ምትራፍን ከስዕብ ይኽእል። ነዚ ፈውሲ ውሁድ ማሕበር ካህናት ክህልውካ እንከሎ ኣሞ ከምዚ ዚኣመሰለ ሓያል ማሕበር ካህናት ክህልወካ ከሎ ኩሎም ካህናት ብማዕረ ኣድለይትን ኣገደስትን ኮይኖም ዝረኣዩሉን ሌላ ጐሌላ ዘይብሉን ክኸውን የድሊ። እዚ ክንዮ ግዜ ሰጊሩ ንኩሉ ክኩስኩስን ዳግም ንምብርባር ክሕግዝን ይኽእል።”

ኣብ ወንጌል ዝተመርኰሰ ሰብኣውነት ምህናጽ!

ናይ ሓደ ማሕበር ኣባልነት ካብቲ ኣብ ዝተሓደሰ ሓይልታት ምስዮናውያን ሓራ ገሩ ኣብ ወንጌል ዝተመርኰሰ ሰብኣውነት ንክነደንፍዕ ይሕግዘና። እዚ ከኣ ንኣህጉር ላቲን ኣመሪካ ሓዲስ ፍልጠትን ሓይልን ከዕጥቃ ይኽእል።

“ብዘይካ ኣባልነት ማሕበርን ጐድኒ ጐድኒ ኰና ምስራሕን ክስዕብ ዝኽእል ተጻዩ እዩ። እዚ ከኣ ፋሕፋሕ ኢልካ ደኺምካ ምትራፍ ጥራይ ዘይኮነ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዕንቅፋት ናይ ሥራሕ ክንከውን ንኽእል። ክንዲ ብርሃንን ምስ ኢየሱስ ናይ ዕርክነት ምጽንናዕን ረኺብና ንሕይወት ትርጉም ዝህብን መኣዝን ዘትሕዝን ናይ እምነት ማሕበር ንሃንጽ ክንዕንቅፍ ንርከብ። ብከምዚ እንተቀጺልና ግን ቀስ ብቀስ ንኣሜሪካ ቤተክርስትያን ዘብሎ ኣምላኽ ክርስቶስ ዘይብላ ቤተክርስትያን ሕዝቢ ዘይብሉ ክርስቶስ ክነወፍየሉ ኢና ማለት እዩ። እሞ ንጠንቀቅ ኢሎም። ነዚ ፈውሲ ዝኸውን ኣብነት ዝኸውን ቅዱስ ሮመሮ እዩ።”

ከም ቅዱስ ሮሜሮ ኣብ ሱር መሠረትካ ምጥባቅ የድሊ!

ቅዱስነቶም ናይ ሓደ ካህን ቀንዲ ሕይወት ሕዝቡ ስለዝኾነ ብሕይወት ክነብር እንተኾይኑ ኣብ መንጎ ሕዝቡ ኮይኑ ወንጌል ክሰብኽ ኣለዎ። ካብ ሕዝቡ ፈጺሙ ክፍለ የብሉን። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ እዩ።

“በዚ ከምዚ ኸስ ነዚ ዝኽሪ በዓልኩም ምስ ናይ ቅድስና ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ ከዛምዶ እደሊ። ናይዛ ቤተትምህርትኹም ተማህራይ ነሮም፣ ዓቢ ኣብነት ናይ ፍርያማነትን ቅድስናን ቤተክርስትያን ላቲን ኣሜሪካ እዮም። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተሰረቱን ኣብ ልቢ ሕዝቡን ዝነብሩ ዝነበሩ ኣቦ እዮም። እዚ ኩነት እዚ ምስቲ ነዊሕ ናይ መሰኻኽር ሰንሰለት ክንተሓሓዝን ሱርና ኣብኡ ገርና ዕለት ዕለት ግልጸት ክንረክብ ምናዳ ከኣ ኣብዚ ካብ ገዛ ርሕቅ ኢልናሉ ኣብ ዘሎና ግዜ። ካብ ቅድስና ኣይትፍርሁ ሕይወትኩም ከኣ ስለ ሕዝብኹም ኣወፍይዋ።”

ጓሶት ሕዝቢ እምበር ዕሱባት ሠራሕተኛታት ኣይኮንኩምን!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ሓደራ ዝበልዋ ጓሶት ሕዝቦም ክኾኑ እምበር ከም ሓደ ናይ መንግሥቲ ሠራሕተኛ ከይኮኑ እዩ። ነቲ ኮለጅ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሎሚ ንዘሰንይዎ ኢየሱሳውያን እውን ዘኪሮም።

“ሓደ መለለዪ ትዕድልቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ንግጭታት ከመይ ገርካ ከምትፈትሖም ዘርእይዎ ጥበብ እዩ። ቅዱስ ኢግናጽዮስ ሃሰስ ዝብሎ ዝነበረ ከኣ እዚ ነበረ። ኢየሱሳውያን ናይ ኣስተንትኖን ናይ ሥራሕን ሰባት ክኾኑ ከምኡ እውን ንነገራት ኣለሊኻ ምኽኣልን ተኣዝዞ ዘዘውትሩን ዕለት ዕለት ዓቲቦም ሥራሖም ዝገብሩ ክኸዱ እንተደልዮም ከኣ ነጻ ዝነበሩ ሰባት እዩ መዲቡ። እንክብሉ ምኽሮም ደምደሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
15 November 2018, 17:09