ድለ

ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ኮሎምቢያ ርእሰ ብሔር ዱከ ማርከዝ ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ኮሎምቢያ ርእሰ ብሔር ዱከ ማርከዝ 

ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ኮሎምቢያ ርእሰ ብሔር ዱከ ማርከዝ

ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ቆይማ ዝተሓንጸ ዜጋ ኣብ ምሕናጽ ሃገር ኣብ ጐደና ምዕባለ ክስትጉም ኣበርክቶ መደብ ሕንጸት ብሉጽነቱ ዝመስከረ ርክብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓሊካዊት ኰሎምቢያ ርእሰ ብሔር ዱከ ማርከዝ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቦሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፡ ኣስተዋጽኦ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኮሎምቢያ ከምእተመስከረን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኮሎምቢያ፡ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራን፡ ምግባረ ብልሽውና ዝውውር ዕጸ ፋርስን ካብ ሱሩ ንኽመሓው ኣብ ዝግበር ስነ ባህላዊ ቃልሲ እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ካብ መንግስቲ ኮሎምቢያ ልዑል ኣልፍጦ ዝተወሃበሉ ርክብ እውን ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ብሓፈሻኡ ኣብ ምኽባር ምህዳርን ኩነታት ስደተይናታትን እውን ኣብ ዝምልከት ተግባራት ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅርበትን ደገፍን ንኢዱ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጐድኒ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ቆይማ ዝተሓንጸ ዜጋ ኣብ ምሕናጽ ሃገር ኣብ ጐደና ምዕባለ ክስትጉም ኣበርክቶ መደብ ሕንጸት ብሉጽነቱ ዝመስከረ ርክብ እውን ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ኮሎምቢያ ርእሰ ብሔር ዱከ ማርከዝ
23 October 2018, 17:18