ድለ

ሕልምታትን ዕሴታትን ምስክርነትን፡ ዘተ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያን ኣረጋውያንን

ኣብ ጉዕዞ ክፉት ምዃን፡ ዘይሽጉጥ ጉዕዞ፡ ውደራ ጉዕዞ ኣይኰነ፡ ገዛእ ርእሱ ብነጻ ዘዋስእ ዘይኰነስ፡ ቀመራዊ ስልቲ ዝኽተል እዩ፥ እቲ ዘድሊ ክፉት ጉዕዞን ክፉት ኢድን እዩ፥ እተረሳሕኩኸ ዘይብል።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ትውልዲ ናይ ሓባር ዘተ ክህሉ ከይተሓለሉ ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣስተንፍሶ ዝገበረ መደብ ርክብን ዘተን ቅዱነቶም ምስ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ኣብ ኣጐስቲኒያኑም ናይ ሰነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም መጽናዕቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ተኻይዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጸረ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ባህልን ጸረ እቲ ኣብ መንጐ ትውልዲ ዝፍጠር ዓቢይ ጋግ ንምትኽኻል ዘይከኣል ዘምስል ባህልን መልሱ ኣብ መንጐ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝፍጠር ዘተ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓሳብ መሰረት ገይሮም ናይ ግዜያት ጥበብ ምክፋል ዝብል መደብ ከምዘነቓቕሑን መጽሓፍ ኰይኑ ከምዝቐርብን፡ አዚ መደብ’ዚ ከኣ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንእሰያን እምነት ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ጉዳይ ዝተመርኵዘ ሲኖዶስ ምስ እተካይደሉ ዘላ እዋን ብምትሕሓዝ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ግዳማዊ ግዝኣት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝዀነ ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያን ኣበው መጽናዕትን ምርምርን ተቕዋም ኣጐስቲኒያኑም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ከምእተበገሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዚናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ነቲ መደብ ዘተ ኣብ መንጐ ትውልዲ ብወግዒ ዘበገሱ እታ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት እተእንግድ ናይ ሃገረ ፓናማ ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ዶሚንጎ ኡያዮ መንዴታ ክዀኑ እንከለዉ፡ ንቕዱስ ኣቦና ኣብቲ ጉባኤ ምርኻቦም ብሽም ኩሎም ተጋባእያን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ኣብ መንጐ ትውልዲ ዝህልው ርክብ ተዘክሮ ንዘለዎ ሕብረተሰብ መሰረት እዩ ኢሎም። … ነቲ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ኣነነትን ንኣይነትን ዝብል ባህሊ ነቲ ኣብ መንጐ ትውልድን ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራን ዝህሉ ተራኽቦነት ዓቢይ ብድሆ እምበር ከይህሉ ኣይገበረን፡ እዚ ተራኽቦነት’ዚ ናይ ምትሕብባር ኣንቀሳቓሲ ስለ ዝዀነ፡ … እዚ ከምዘለዎ ኰይኑ ቤተ ክርስቲያን ብወገና እዚ ርክብ’ዚ ኣብ ክልተ ናይ ግዜ ጽፍሕታት ዝርከቡ ንሳቶም ከኣ መንእሰይ ወለዶን ኣረጋዊ ትውልዲን ዝብሉ ምዃኖን ጠቒሶም ኣብ መንጐ እዞም ክልተ ትውልዲ ክኽወን ተተባብዕን ሃዋሁ ተመቻችእ ኢሎም።

ኣባ ስፓዳሮ፥ ናይ ግዜ ጥበብ ምክፋል መደብ

ድሕሪ ብፁዕ ኣቡነ መንደታ ናይታ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየት ክልተ ሰሙናዊት መጽሔት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ነቲ ናይ ግዜ ጥበብ ምክፋል መደብ ንኸላልዩ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነዚ መደብ ኣስተንፍሶ ዝዀነ ድላይን ሓሳብን ቅዱ ኣቦና ምዃኑ ሓቢሮም። ኣረጋውያን ምሕላም እንተድኣ ኣቋሪጾም መንእሰይ መጻኢ ዘየማዕድው ይኸውን ቢሎም፡ እዚ መጽሓፍ ኰይኑ ነቲ ኣብ መንጐ ትውልዲ ክህሉ ዝግብኦ ርክብ ውጥን ክኸውን መታን ነቲ ካብ 30 ሃገራት ዝተዋጽኡ 250 ኣረጋውያን ዝሃብዎ ጸብጻብን ቅዱስ ኣቦና ምስ ዝሃብዎ ርእይቶን ትንታኔ ኣሳዄዑ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ማሕተም ሎዮላ ተሓቲሙ ኣብ ቀረባ እዋን ንንባብ ዝበቕዕ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣዘኻኺሮም።

ምግልጋልን ቅያን

ድሕሪ ዝቐረበ ናይ ሰላምንታ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ንቕዱስ ኣቦናን ነቲ መደብን መጽሓፍ ኰይኑ እውን ከምዝሕተምን ዝሕብር ኣባ ስፓዳሮ ድሕሪ ዘስምዕዎ መደረ ስዒቡ ካብቶም ተጋባእያን መንእሰያን ኣረጋውያንን ንቕዱስ ኣቦና ሕቶኦም ናይ ምቕራብ መደብ ከምእተኻየደን ቅዱስነቶም ነቲ ዝቐረበሎም ዝተፈላለየ ሕቶ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ዝርጉሕ ኢድን ክፉት ርእየትን ክህልወና ይምዕዱ፡ እንተዘይኰይኑ ኣብ ዕዳጋ ውደራን ደጋውነትን ምውዳቕ እዩ ዝኸውን፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝበሉ፡ ፈደሪካ ኣንኰና ናይ መምህርና ሞያኣ ሓዲጋ ሰማያዊ ቤት ኣብ እተሰመየ ማሕበር ወለንተይናታት ተዋፊራ ንምግልጋል ዝወሰደቶ ውሳኔ መሰረት ንዘቕረበትሎም ምስክርነት ኣሞርኵይዞም ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ጉዕዞ ክፉት ምዃን፡ ዘይሽጉጥ ጉዕዞ፡ ውደራ ጉዕዞ ኣይኰነ፡ ገዛእ ርእሱ ብነጻ ዘዋስእ ዘይኰነስ፡ ቀመራዊ ስልቲ ዝኽተል እዩ፥ እቲ ዘድሊ ክፉት ጉዕዞን ክፉት ኢድን እዩ፥ እተረሳሕኩኸ ዘይብል።

እምነት ብምስክርነት ቃልን ሕይወትን ምትሕልላፍ

ቃል ኪዳን ካብ ዝኣስሩ መበል 43 ዓመት ዘቑጽሩ ዘለዉ ተወለድቲ ማልታ ቶንይን ግረስ ናኡዲን ኣብ ቁምስናኦም ኣብ ግብረ ወለንተይናነት ተዋፊሮም ዘገልግሉ ዛዕባ እምነት ምትሕልላፍ ኣሞርኵይዞም ንዘቕረብዎ ሕቶ ቅዱስነቶ፥ እምነት ብምስክርነት ቃልን ሕይወትን፡ ስለዚህ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ስድራ ክፉት ዘተ ኣገዳሲ እዩ፡ ካብ ቃል ተግባር ብዙሕ ይስማዕን የእምንን ይዅን ደኣ እምበር ቃል ምስ ዝሕወሶ ምልኣት ይህልዎ፡ ስለዚህ ምስክርነት ቃልን ሕይወት ዝተጣመረ፡ እዚ እምነት የመሓላልፍ ምስ በሉ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ጠቒሶም፥ እምነት ዝመሓላለፍ ብስብከት ኣስዳዕነት ዘይኰነስ ብምስክርነት እዩ ኢሎም፡ ነዚ ኸኣ ተመክሮ ቅድስቲ መኒካ ኣደ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ተወኪሶም የብርሁ።

ቅዱስ ኣቦና ካልኦት ዝቐረቡሎም ሕቶታት ኣስዒቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ነቲ ናይ ኣረጋውያን ሕልምታት ምርካብ

ሕልሚ ደረት ትርኢት ኣለዎ፡ ስለዚህ ዘይሓልም ኣይጓዓዝን ኣብ ዝብጻሕ ኣይበጽሕን … መንእሰያት ነቲ ናይ ኣረጋውያን ሕልምታት ክሕንገጥዎ ከምዝግብኣ ኣተሓሳሲቦም፡ ሕልምታት ኣረጋውያን ምርካብ ማለት ተመክሮታቶም ምስትውዓልን ካብ ጌጋታቶምን ዓወታቶምን ትመሃርን፡ … ናይ ሕይወት ተመክሮ።

ክሳብ ዝከኣለካን እትኽእሎን ምእንጋድን ምውሃድን

ተወላዲት ሰሜን ኢጣሊያ 83 ዓመት ዝዕድመአን ፊዮረላ ባከሪኒ፥ ብዛዕባ ስደተይናታንን ምእንጋድን ዝምልከት ዘቕረበኦ ሕቶ ኣማእኪሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ካብ ኣቦ-ሓጐኦም ዝተዘንተወሎም ተመክሮ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዘኪሮም፡ ሳዕቤን ውግእ ንትውልዲ ምዝንታው ወሳኒ እዩ፡ ኣሉታዊ ተመክሮ ንሕልና ዓቢይ ሃብቲ እዩ፡ ከይድገም ናብ ዝብል ውሳኔ ዘሰጋግር ወይ ዝድርኽ ይኸውን … ።

መበቆልን ትርጉም መንነትን

ቅዱስ ኣቦና ነታ ናይ ግዜ ጥበብ ምክፋል እትብል መጽሓፍ እናሓሰቡ፡ ነታ ጓል 20 ዓመት ዕድመ መንእሰይ ያኢፈር ሞራለስ፡ ምስተን ክልተ ዓባያን ክልተ ኣቦሓጐኣን ዝነበራ ጥብቂ ርክብ ዝገልጽ ንዘቕረበቶ ሕቶ እንክምልሱ፡ እቲ ዓባይን ኣቦሓጐን ዝህልወካ ተመክሮ ናይ ታሪኽ ትርጉምን መበቆልን ትርጉም መንነትን የነጽር፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዝሃንጽ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ናይ ንብዓት ጸጋ

ኣብ መዕጸዊ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣመሪካዊ ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ማርቲን ስኮርሰዘ መንእሰይ እንከሎ … ኣብ ጐደናታት ኑው ዮርክ ዘጋጠሞ ሕማቕ ተመክሮ እናዘከረ፡ ሓደ መንእሰይ እምነቱ ዓቂቡ ክነብር ከመይ ገይሩ እዩ ዝኽእል እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ ቅዱስ ኣቦና እንክምልሱ፡ ዓመጽን ስቓይን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ድኽነትን ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ጸገማት ናይ ምናብዕ ጸጋ ክህልወናክን ልብኻ ክኸፍትን እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ምዒዶም፡ ምስ ዝሳቐይ ናይ ስቓዩ ተኻፋሊ ምዃንን ቅርበትን ርህራሄን ክህልወካ ይድርኽ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሕልምታትን ዕሴታትን ምስክርነትን፡ ዘተ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያን ኣረጋውያንን
24 October 2018, 16:49