ሲኖዶስ፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ቤተ ክርስቲያን ከም ኣደ ንኽትህልወካ ዓብይ ክብሪ እዩ

እዚ ሲኖዶስ’ዚ ልባትና ዘበራብር ክኸውን ዝተተስፈዩ ቅዱስ ኣቦና፡ ናይ መዓትን መቕዘፍትን ነቢያት ካብ ምዃን ፈተና ንተዓቀብ፡ ጠመተና ኣብቲ ብዙሕ ግዜ ረኣየለይ ስምዓለይ ዘይብል ኣብ መረብታዊ ሓበሬታ ወይ ከኣ ናይ ዜና ማዕካናት ቀዳማይ ገጽ ክኽውን ዘይብል ብጽሞና ኣብ ዝዐዪ ሰናይነት ንትከሎ፡ መጻእነት ዝሕቅኑን ካብዚ ሲኖዶስ ውሑዳት ዘንብብዎን ብዙሓት ዝህይስዎን ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዘይኰነስ ብፍላይ ሰፊሕ ጭቡጥ ነዚ ሲኖዶስ ዝኸውን ትርኢትን ትጽቡይን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገዳሲ እዩ፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. እቲ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽዝትይ ዝጸውዕዎ መበል 15 ሓፈሻዊ መደበይና ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብወግዒ ዕለት 3 ጥቅምቲ ንጐሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብሲኖዶስ ኣበው ተዓጂቦም በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣሳቲፉ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ድሕሪ ቀትሪ ሲኖዶሳዊ ውዕሎ ብዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ብወግዒ ኣበጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ብዝተፈላለየ ኣገባብ ድምጾም ንዘስምዑ መንእሰያት ኣመስጊኖም፡ ክፍለ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ከምዝዀንካ ክስምዓካ ዓቢይ ዋጋ ዘለዎ እዩ፡ ንዓኻ እዩ እውን ዝሕሸካ ቢሎም፡ መንእሰይ ክፍለ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ብዓቢይ ትዕግስቲ ዘቃልሔ ብምዃኑ እውን ክምስገን ይግብኦ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዘይዓርብ መልእኽቲ ክርስቶስ ኣብ ምርኻብ እተንጸባርቕ ክነሳ ዋላ’ኳ ሰብኣዊ ድኻምን ጸገማትን ይሃልዋ ኣደን መምህርን ከም ስድራን ክትህልወካ ክብረት እዩ፡

ዋኣ’ኳብናይ ዓለም ማዕበልን ነውጽን እትሓልፍ እውን እንተዀነት ኣብታ ጸግዕን ዕርድን እንገዳን እተቕርበልካ ዓባይ መርከብ ኣብ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ምዃን ብሉጽ እዩ፡ ኣብኣ ኰይንና ሓድሕዳዊ ጽን ምብህሃል ኣንጻር እቲ ንፋስ ዓለም ምሕባስን ስድራ ቤትን እምነትን ፍቕርን ተኣማንነትን ተወፋይነትን ኣገልግሎትን ዘለኣለማዊ ሕይወትን ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ዓሴታት ምንባር ይሓይሽ።

ትብዓት ናይ ምዝራብን ምዝታይን

ቅዱስ ኣቦና፥ ሲኖዶስ ሲታፌን ብርካውነትን ዝግለጸሉ ኩነት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ስለዚህ ተጋባእያን ሓሳቦም ኣብ ምግላጽ ተባዓት ክዀኑን፡ ማለት ብኵለንተናዊ ናጽነትን ብሓቅን ፍቕርን ክዛረቡን፡ ሓሳቦም ክገልጹን ይግብኦም፡ ቅኑዕን ግልጽን ሓናጺ ህየሳ ኣገዳሲ ክኸውን እንከሎ፡ ምዕርምራምን በለካን ለኸዓካን ወይ ከኣ ቅድመ ፍርድታት ትርጉም የብሉን። ምስ ትሕትና ዝዓሰሎ ጽን ምባል ዝዛመድ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ትብዓት የድሊ ኢሎም።

እምኖትካ ናይ ምቕያር ናጽነት

ሲኖዶስ ናይ ዘተ መድረኽን፡ ኣብ ዘተን ንዘተን እትሕነጸሉን ስፍራ እዩ። ስለዚህ ዘተ ኩሉ ንሕዳሴን ነቲ ዝነበሮ ኣረኣእያን ግምትን ርእይቶን ክሓድግ ናይ ካልኦት ንኽቕበል ክፉት ምዃን ይሓትት፡ ንኻልእ ምእንጋድን ምርዳእን ጽን ምባልን፡ ስለዚህ ነቲ ዝነበረና መርገጺ ድዩ እማኖት ምቕያር ዓቢይ ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ብስለት ምልክታ እዩ።

ልልያ ግልጽነትን ጽንታ

ሲኖዶስ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ልልያ ዝካየደሉ ቤተ ክርስቲያናዊ ተመክሮ እዩ፡ ስለዚህ ግልጽነትን ክፉት ምዃንን ኣብ ሓሳብካ ምግላጽን ድምጽኻ ምስማዕን ጽን ምባልን ነቲ ልልያ ዝፍጸመሉ ሲኖዶስ መሰረት እዩ።

ልልያ ክበሃል እንከሎ ምሕርቲ ንዕዳጋ ኣብ ምቕራብ ዝግበር ናይ ምውዕዋዕ ጭርሖ ማለት ኣይኰነን፡ ስልቲ ውድባውነት ወይ ከኣ ናይዚ እዋን ር.ሊ.ጳ. ኣገባብ ማለት ኣይኰነን፡ ብንጻሩ ኣብ እምነት ዝቐውም ውሳጣዊ ኩነት ማለት እዩ። ስለዚህ ልልያ ኣገባብ እዩ፡ ከምኡ እውን እቲ እንውጥኖ ተበጽሖታት ማለት እዩ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ዓለምን ኵነት ሕይወትን ኣብ ዝራኸቦምን ዝዛረቦምን ሰባት ይዓዪ ኣብ ዝብል እማኔ ዝቖመ እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጽንታን ጉዕዞን

ናብዚ ሲኖዶስ ንምብጻሕ ዝተፈጸሙ ከይድታት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ጽን ምባል ነቲ ብዙሕ እዋን ኣብ ፍልማዊ ዝርድኦ ዝሰኣነን ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ምዃኑ እንገዳ ዘይረኸበን ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ንጹግ ናይ ምዃን ተመክሮ ንዘጋጥሞ መእሰይ ዕዳ ዘለዋ ምዃና ዝተስተውዓለሉ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

እዚ ሲኖዶስ እዚ ናይታ ኣብ ምስማዕን ጽን ምባልን ስንድውትን ብኩነት እቶም እትራኸቦም ክትሕተት ገዛእ ርእሳ እትፈቅድን ቅድመ ስንድው ዝዀነ ዕሹግ መልሲ ናይ ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን ምልክታ ንኽትከውን ዕድልን ሓላፍነትን እዩ። ጽን ዘይትብልን ዘይትሰምዕን ንሕዳሴ ዕጽውቲ ዝዀነትን ቤተ ክርስቲያን እምንቲ ክትከውን ዘጠራጥር እዩ፡ ብፍላይ ካብ ምቕራባ ምርሓቓ ንዝምረጽ መንእሰይ እምንቲ ከይና ክትቐርብ ዘይከኣላ ትኸውን።

ካብ ቅድመ ፍርድታትን ልሙድነትን ቅቡልነትን ምልቓቕ

ጽን ናይ ምባልን ናይ ምስማዕን ቀዳማይ ኩነት ልብን ኣእምሮን ካብ ቅድመ ፍርድን ልማድነትን ምሕራር ዝብል እዩ። እቲ ካልእ መን ምዃኑን እንታይ ከምዝደልን እፈልጥ እየ ምባል ብሓቂ ጽን ኣብ ምባሉን ምስማዑን ድኻም ክስምዓና ይገብር፡

መንእሰይ እቲ በጽሒ ወለዶ ግዚኡ ዝሓለፎ እዩ ክብልን እቲ በጽሒ ወለዶ ከኣ መንእሰይ ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሉ ብፍላይ ከኣ መን ከምዝዀነን፡ ከመይ ክኸውን ብኸመይ ገዛእ ርእሱ ከዋስእ ኣይፈልጥን ናይ ምባል ፈተና ኣሎ፡ ኣዚ ኹሉ ምንጽጻግ ኣብ መንጐ ትውልዲ ናይ ሓባር ዘተን ምርኻብን የሰናኽል።

ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ናይ ስልጣነ ህርመት እያቶም

በጽሒ ወለዶ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ንናይ መንእሰይ ወለዶ ብቕዓት ትሕተ ግምትን ኣሉታዊ ፍርድን ንኽህበሉ ካብ ዝድርኾ ኩነት ክዕቀብ ይግባእ፡ መንእሰይ ከኣ ንበጽሒ ወለዶ ካብ ዘይምስማዕን ጽን ካብ ዘይምባልን ፈተና ክላቐቕን ብገናኡ ኣረጋውያን ማለት ግዜኡ ዝሓለፎን ዘይ እዉናትን ዘሰልክዩን ቢሉ ካብ ምፍራዶም ክዕቀብ ይግባኦ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ከኣ ዋላ’ኳ ኣካላዊ ተነቃፍነት ዘጋጠሞ ይኹን፡ ናይ ሰብኣውነትን ናይ ኣናስር ሕብረተሰብን ተዘክሮን ናይ ስልጣነ ህርመት ኣብ ምዃኖም ህልዋን ክዀኑ ይግባእ ስለዚህ፥

ብዕድመ ምድፍአ ንኣካላዊ ተኣፋፍነት ዝተቓልዔ ብምዃኑ ምንጻሉን ኣብ በይናውንት ምሕዳግን ምሕራግን ወይ ምንዓቕን እቲ ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝረኣይ ዘሎ መላእ ሕብረተሰብን ኣባይትናን ዝውሕጥ ዘሎ ዝንባለ ናይ ውድቀት ምልክት እዩ። ነቲ ናይ ተመክሮ ሃብቲ ውርሻ ንመንእሰይ ወለዶ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝመሓላለፍ ምስትንዓቕ ርእሰ ዕንወት እዩ።

ስቓይ ክህነታዊ ፈሪሳውነት

ቅዱስነቶም እቲ ዘሳቕይ ክህነታዊ ፈሪሳውነት ክስነፍ ኣተሓሳሲቦም፡ ጽንታን ምስማዕን ካብ ልማዳውነትን ቅቡልነትን ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ምልቓቕን ከምዚ ዓይነት ጉባኤ ኣብ ቅድሚኡ ክህልው ንዝኽእል ፈተና፥ ንስግኣት ክህነታዊ ፈሪሳውነት ፍቱን መድሃኒትን ጸረ መርዚ እዩ።

ፈሪሳዊ ክህነታውነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ብዙሕ ዓይነትን ዝተፈላለዩን ግብረ እከይን ዝርጋንን መሰረት እዩ፡ ስለዚህ በዚ ምኽንያት’ዚ ብትሕትና ምሕረት ክንሓትትን ብፍላይ ከኣ ተመሊሱ ከይኽሰት ዝገብሮ ኩነት ክንፈጥር ቁርጺ ፍቓድ ዘለዎ ምሕረት ክንሓትት ይግባእ።

ተስፋ ምዕንባብ

እዚ ሲኖዶስ’ዚ ልባትና ዘበራብር ክኸውን ዝተተስፈዩ ቅዱስ ኣቦና፡ ናይ መዓትን መቕዘፍትን ነቢያት ካብ ምዃን ፈተና ንተዓቀብ፡ ጠመተና ኣብቲ ብዙሕ ግዜ ረኣየለይ ስምዓለይ ዘይብል ኣብ መረብታዊ ሓበሬታ ወይ ከኣ ናይ ዜና ማዕካናት ቀዳማይ ገጽ ክኽውን ዘይብል ብጽሞና ኣብ ዝዐዪ ሰናይነት ንትከሎ፡ መጻእነት ዝሕቅኑን ካብዚ ሲኖዶስ ውሑዳት ዘንብብዎን ብዙሓት ዝህይስዎን ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዘይኰነስ ብፍላይ ሰፊሕ ጭቡጥ ነዚ ሲኖዶስ ዝኸውን ትርኢትን ትጽቡይን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገዳሲ እዩ፡

ሕልምታት ዘጠጥዕ ትንቢትን ራእይን ዘተባብዕ ተስፋ ዘዕንብብ እማኔ ዘተባብዕ ኣቑሳል ዝፍውስ ተራኽቦነት ዘተኣሳስር ናይ ተስፋ ወጋሕታ ዘብርቕ፡ ሓድሕዳዊ ምትሕንናጽን ኣእምሮ ዘብርህን ልቢ ዘማሙቕን ሓድሽ እወታዊ ትርኢት ዝፈጥር ነእዳው ሓይሊ ዝህብ ንመንእሰይ ወለዶ ኣስተንፍሶ ዝዀኖ፡ ማንም ብዘይ ምንጻል ንኹሉ መንእሰይ ወለዶ ናይ ወንጌል ሓሴት ዝዓሰሎ ብሩህ ናይ መጻኢ ራእይ ዝህብ ይኹን

እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘዚሞም።

 

04 October 2018, 16:16