ቅዱስ ኣቦና እቲ ዛዕባ መንእሰያት ዝዝትይ ሲኖዶስ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ኣበጊሶም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ስብከት ቅድሚ ምልጋሶም፡ እቲ ብኣኦም ዝተጸውዔ ሳልሳይ ሲኖዶስ ብዛዕባ መንእሰይ ወለዶ ዝመክር ምዃኑ ነቶም 266 ናይ ሲኖዶስ ኣበው ኣዘኻኺሮም፡ ከምቲ ነቢይ ኢዮኤል ዝብሎ፡ መንእሰያት ብቕዓት ነቢያውነትን ራእይን ዝህልዎም ኣንሕና በጽሒ ወለዶ ወይ ብዕድመ ዝደፋእና እቲ ኣብ ልብና ሒዝናዮ እንጓዓዝ ሕልምታትናን ተስፋታትናን ከነካፍሎም ምስ ዝከኣለና እዩ …

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቲ ዛዕባ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ዝዝትይ ሲኖዶስ ብወግዒ ንምኽፋት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በቶም 266 ናይ ሲኖዶስ ኣበው ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ተሰንዮም ዕለት 03 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፡ መንእሰይ ወለዶ ብናይ መዓትን መቕዘፍትን መጸ ነቢያት ከይድብን ናይ ነቢይነትን ራእይን ብቕዓት ዘለዎ መታን ክኸውን ንኢየሱስ ዘሎና ውዕዉዕ ፍቕሪ ዳግም ህያው ንግበር ዝብል ቃል ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣቃሊሖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብዛ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸጋ ህሞት ኣብ ዝኽፈተሉ ዕለት እቲ ልብና ዘወዓውዕ ዝነበረን ኣባና ንኢየሱስ ውዕዉዕ ፍቅሪ ዘነቃቕሔ ቃል እግዚኣብሔርን ዳግም ህያው ክንገብርን ከነነቓቕሖን መታን ብህቡር ድምጺ ንመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ ክሕግዘና እዩ። ኣባና ናይ ምሕላምን ምትስፋውን ብቕዓት ዘበራብርን ዝሕድስን ተዘክሮ ከበራብር ኣዩ።

ምስ መንእሰያት ሕልም ተስፋን ዝቋደስ በጽሒ ወለዶ

ምንባብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልጵስዩስ ምዕ. 2፡ 1-4

         ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 16፡ 13,14,26

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ስብከት ቅድሚ ምልጋሶም፡ እቲ ብኣኦም ዝተጸውዔ ሳልሳይ ሲኖዶስ ብዛዕባ መንእሰይ ወለዶ ዝመክር ምዃኑ ነቶም 266 ናይ ሲኖዶስ ኣበው ኣዘኻኺሮም፡ ከምቲ ነቢይ ኢዮኤል ዝብሎ፡ መንእሰያት ብቕዓት ነቢያውነትን ራእይን ዝህልዎም ኣንሕና በጽሒ ወለዶ ወይ ብዕድመ ዝደፋእና እቲ ኣብ ልብና ሒዝናዮ እንጓዓዝ ሕልምታትናን ተስፋታትናን ከነካፍሎም ምስ ዝከኣለና እዩ …

ልቢ ብብርሃን ንምዅላዕ ግቡእ ቦታ ምንዳይ

ቅዱስ ኣቦና ብምህለላን ጸሎትን ናብ መንፈስ ቅዱስ፥ “ብተራና ንመንእሰያትና ብናይ ነቢይነትን ራእይን ጸጋ ክንቀብኦም መታን ኣብ ሕልምታቶም ተስፋታቶም ስሙራት ናይ ሲኖዶስ ኣበው ክንከውን ኣብቅዓና

ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ብኣብሰርቲ መዓትን መቕዘፍትን ነቢያትን ብናይ ገዛእ ርእስና ውስንነት ጌጋታትን ሓጢኣትን ከይንዕፈንን ከይንጽቀጥን ልቢ ዘጓሃህር ብርሃን እንረኽበሉን መገድታት መንፈስ ቅዱስ ኣነለልየሉን ስፍራ ምስውዓል ብቕዓት ክህልወና ንጡፍን ህያውን ስሉጥን ዓያዪ ተዘክሮ ክንከውን ጸጋኻ ዓድለና

ብዝብል ዘቕረብዎ ጸሎት ናብ መንፈስ ቅዱስ ዘበገስዎ ስብከቶም፡ ኣስዒቦም፡

ንመጀመሪያ ግዜ ክልተ ቻይናውያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሲኖዶስ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ካብ መላእ ኵርናዕ ዓለም ዝተዋጽኡ ናይ ሲኖዶስ ኣበው እናሓሰቡ፡ ስለ እቶም ንፈለማ ግዜ ኣብ ሲኖዶስ ንዝሳተፉ ዘለዉ ቻይናውያን ኣበው ሲኖዶስ ምስ ጠቐሱ ምእመናን ብጣቕዒት ሓጐሶም ምስ ገለጹን፡ ቅዱስነቶም ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ጠቒሶም፥

ኣድማሱ ከስፍሕ ልቢ ዘዕብይን ነቶም ዘልምሱና ካብ መንእሰያት ዘርሕቑናን ዝፈልዩናን ናይ ዝድግፎ ማሕበረሰብ እምነትን ናይ ሕይወት ትርጉምን ዘኽታምን ክኸውንን ንኸቢድን ሓደገይናን ናይ ተፈጥሮ ኣየር ክቃላዕ ዝገብሮ ቅርጽታት ክልውጥ ዝኽእል ሓድሽ ቤተ ክርስቲያናዊ ምርኻብ መታን ክህልወና ስሙራት ኣብ ተስፋ ንዅን

ቢሎም፡ …

መእንሰያት ዝርከቡሎም ተቕዋማት ምምልካት

ተስፋ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ምችእናን ጣዕምን ንዝብል፡ ከምኡ እዩ ዝግበር ነሩ ስለዚህ ብኸምኡ ይቐጽል ዝብል ምርጫ ሕይወት ክብተኽ ይሓትተና፡ ናይ መንእየሰያት ወጅህን ዝርከቡሉ ኩነትን ክንምልከት መታን ክንትንስእ ይሓትተናን

እዚ ተስፋ’ዚ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ዝተቓልዓሉ ህልው ዝዀነ ዘየተኣማምንን ዝንጽልን ናይ ዓመጽ ኵነት ክንዓልው ይጽውዓና

ነቶም ኣዋፈርቲ ሞት ኣይንሕደጐም

መንእሰይ ወለዶ ናይቲ ኣብ ሕሉፍ ጊዜ ዝተበጽሑን ዝተኸወኑን ውሳኔታት ውጽኢት እዩ፡ ንህልው ኩነት ብዓቢይ አቲ ምስ ሰብኣዊ ዝተኻኸል ምዕባለን ዕብየትን ኣብ ሕይወቶም ኣብ ህልው ኩነት ክረጋገጽ እዋናዊ ኩነት ሕይወቶም ናትና ክንገርብ ዘኽእል ህርኩት ጻዕሪ ክነበርክት ይጽውዑና፡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ነቶም ኣብቲ ሲኖዶስ ብመሰል ሰማዒ ንኽሳተፉ ዝተዓደሙ ካብ መላእ ኵርናዕ ዓለም ዝተዋጽኡ ካብ 18 ክሳብ 29 ናይ ዕድመ ዝርከብዎም 34 መንእሰያት እናሓሰቡ፥

መንእሰይ መሃዛዊ ተወፋይነት ብዝል ሕቶን ጠለብን የቕርበልና፡ ኣብ ኢድ እቶም ሕይወቶም ዝዕምጹን ጽሉም ራእይ ክህልዎም ዝድርኹን ኣዋፈርቲ ሞት ንኸይንሓድጐም ጸዓተይና ቀልብን ብልሓትን ውዕዉዕን ምሉእን ተስፋን ይሓቱና፡

ብዘይ ኣብ ርእሰ ተወካስነት ሓድሕዳዊ ጽን ምብህሃል

ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ቀዳማይ ዋዕላ ናይቲ ኣብ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ መበል 15 ሓፈሻዊ መደበይና ጉባኤ ሲኖዶስ ንኸበግሱ ስንድዋት ምዃኖም እናሓሰቡነፍሲ ወከፍ ተጋባኢ ካብ ርእሰ ተወካስነት ርሒቁ ኣብ ሓድሕዳዊ ጽን ምብህሃል ክተግህን እዚ ኸኣ እቲ ጐይታ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንበር ዝሓቶ እዩ፡ ነዚ ኸኣ ካባና ይሓቶ፥ …

እቲ እነካይዶ ሲኖዶስ ብርእሰ ተወካስነትን ርእሰ ዓቃብነትን መጐት ወይ ኣመክንይ ዝተዓብለለ ከይከውን ሓደራ፡ እንተዘይኰነ ግና እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እቲ ካልኣይ ደረጃ ክኸውን ዝግብኦ ከኣ ኣዚዩ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ፡

እግዚኣብሔርን ሕዝብን ምስማዕ

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ስድራ ቤት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ንኽካየድ ጸዊዖምዎ ዝነበረ ሲኖዶስ ኣብ ምብጋሱ ተኻይዱ ኣብ ዝነበ ናይ ጸሎት ዋዜማ፥

ምስ እግዚኣብሔር ኰይንካ ናይ ሕዝቢ ስቓይን ኣውያትን ጽን ቢልካ፡ ምስቲ ህዝቢ ኰይንካ ናይቲ ዝጽውዓና ኣምላኽ ፍቓድ እስትንፍሳስና ክንገብር መታን ንእግዚኣብሔር ምስማዕ

እክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ፥ ምስቲ ናይ ሕዝብና ሓቅነት ንዘይሳነዩ መስህብ ዝተፈላለዩ ረቐቕቲ ርእየት ዓለም ተማሪኽካ ሕሉግን ወይ ላቔባዊ ንምዃንን ንዝተፈላለዩ ጉጅለ ምኩሓት ናብ ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ውድባት ከተብል ካብ ዝድርኽ ፈተና ንጠንቀቕ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ንመንእሰያት፥ ብሉጽ ዓለም ሕነጹ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ፥ ናብ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ስሳታት፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ጳውሎስ ሻድሻይ እውን ዝተሰማምዑሉ ናብ መንእሰያት ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ዘኪሮምን ጠቒሶምን፡ እዚ ኸኣ ዕለት 8 ታሕሳስ 1965 ዓ.ም. ዝተጻሕፈ፥ መንእሰይ ወለዶ እቲ ንስኻትኩም ኣባሉ ዝዀንኩምዎ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ነጻነትን ዘኽብር ኰይኑ ክህነጽ ንምነይ፡ እቲ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ነጻነትን ክኽበረሉ ዝበሃለሉ ሕብረተሰብ፡ ንስካትኵም ኢካትኩም፡ ኣንጻር ዝዀነ ይኹን ዓይነት ንኣይነትን ኢጐነትን ተቓለሱ፡ ንናይ ዓመጽን ጽልእን ውግእን ናይ ሓሳርን መከራን ቅዙዝ ዓጀብ ክቐውም ንዝድርኽ ባህረት ኣይፋል በሉ፡ ለጋሳትን ቅኑዓትን ኣኽበርትን ኩኑ፡ ካብቲ ዘሎ ዓለም ዝበለጸ ብሉጽ ዓለም ሕነጹ ቢሎም፡

ቤተ ክርስቲያን ብእማኔን ፍቕርን ትርእየኵም

እዋናዊ ር.ሊ.ጳጳሳትን ካብ ጫፍ ዓለም ዝመጹ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ክሳብ 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ሲኖዶስ ንዘሰንይዎም ብፁዓን ጳጳሳት፥

 ናይ ሲኖዶስ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ብእማነን ፍቕርን ትርእየኩም

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦባ እቲ ዛዕባ መንእሰያት ዝዝትይ ሲኖዶስ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ኣበጊሶም

Photogallery

ቅዱስ ኣቦባ እቲ ዛዕባ መንእሰያት ዝዝትይ ሲኖዶስ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ኣበጊሶም
03 October 2018, 17:37