ር.ሊ.ጳ.፥ ሲኖዶስ ዕሹግ መልሲ ዘቕርብ መድረኽ ኣይኰነን ኢሎም

መንነትና ወረቐታዊ መንነት ዘይኰነስ ኣናስር ዘለዎ እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ ኣብቶም መበቆልና እነለልየሎም ንኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ እንህቦ ሰሜዕ (ስምዓት) ይረጋገጽ፡

ዕለት 24 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና እዚ ሲኖዶስ’ዚ ኣብ ጉዕዞ ምስማዕን ጽን ምባልን ናይ እትርከብ እምበር ናይታ ወትሩ ዝተዓሸገ መልሲ እተቕርብ ቤተ ክርስቲያን ምልክታ ኣይኰነን! ዝብል መልእኽቲ ብትዊተር ከምዝፈነዉ ክዝከር እንከሎ፡ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስማዕን ጽን ምባልን ልልያን እትነብረሉ ኵነት ምዃኡ ኣተሓሳሲቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ተዘክሮን መጻእን ወትሩ ተነጻጸርቲ እያቶም፡ ካብ ምንጽጻር ወጻኢ ክኸዱ ማለት ዘይሕሰብ ኰይኑ ኣብ ምድምማጽን ጽን ምብህሃልን ኣብ መንጐ ትውልዲ ኣብ ዝብል እምንቶ ዝቖመ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ኣጎስቲኒያኑም ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዘሕበረ ናይ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፡ መንነትና ወረቐታዊ መንነት ዘይኰነስ ኣናስር ዘለዎ እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ ኣብቶም መበቆልና እነለልየሎም ንኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ እንህቦ ሰሜዕ (ስምዓት) ይረጋገጽ፡ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት የመልክቱ።

ሓላምያን ኣቦ ሓጐን ኣደ ዓባይን

ብምኽንያት እታ ፍራንቸስኮ፡ ናይ ግዜ ጥበብ ዘርእስታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ተቕዋም ኣጐስቲኒያኑም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ መእሰያትን ኣረጋውያንን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምስ ቅዱስነቶም” ኣብታ መጽሓፍ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም፡ ግደ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣቶኵይሮም ሓላምያን ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ዓበይትን ክህልዉና እዚዩ ኣድላዪ እዩ ቢሎም፡ መንእሰይ ወለዶ ነዚ ናይ ዓበይቲ ኣደን ኣቦን ሕልሚ ክሕንገጡ ይምዕዱ፡

ር.ሊ.ጳ.፥ ሲኖዶስ ዕሹግ መልሲ ዘቕርብ መድረኽ ኣይኰነን ኢሎም

ኣረጋውያን ልዑል ሃብቲ እያቶም

ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲና ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳሪያ ፈረር ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ሕይወቶም ኣቦ ሓጐኦምን ኣደ ዓባዮምን ዓቢይ ስፍራ ከምዝነበሮም ገሊጾም፡ ኣብነቶም ከኣ ወትሩ የሰንየኒ ኣሎ፡ ሓደ ኦም እናጠጠዐ ክዓብይ ሱር የድልዮ፡ ኣደ ዓባይን ኣቦ ሓጐን ሱር እያቶም፡ ብዘይ እዚ ሱር’ዚ ሕብረተሰብ ይጠፍእ ኢሎም፡ ድሕሪኦም ምስ ቫቲካን ኔውስ ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ቅድስና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ኣንጀሎ በቺዩ፥ ሓንቲ ኣባዮም ጥራሕ ከምዝፈለጡ፡ ካልኦት ገና ንኡስ እንከለዉ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ምዃኖም ገሊጾም፡ ወላዲኦም ኩሉ ከይኖም ከምዘዕበይዎም እውን ዘኪሮም፡ ኣብነቶም ናይ ሕይወት መትረብ እዩ፡ ኣብ ምፍቃር ውላድን ውላድ ውላድን፡ ኣብ ምፍቃር ቤተ ክርስቲያንን ኣብነት ከምዝዀንዎም የዘኻኽሩ፡ ናይ ካቶሊካዊ ስልጣኔ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ኣንቶንዮ ስፓዳሮ፡ እውን ብወገኖም፡ ኣብ ሕይወቶም ህላዌ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎም ገሊጾም፡ ካብ ተመክሮ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ናብ ምምዕዳው ብርሃን ተብል ኢሎም።

ርክባት ኣብ ሲኖዶስ

ኣብ ውዕሊ ሲኖዶስ ኣብ ዝወሃብ ግዜ ዕረፍቲ ኣብ መንጐ ተጋባእያን ሲኖዶስ ዝካየድ ርክብ ብፁዓ ጳጳሳት ኣብ መንጐኦም ድዩ ምስ መንእሰያት እውን ሓሳብ ክለዋወጡ ዝነብርዎ ኩነት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ናይ መንእሰይ ዓለም እቶም መንእሰያት እውን ብወገኖም ክውንታውነት ቤተ ክርስቲያን ንኸስተውዕሉ ዝድግፍ እዩ። ኣዚ ርክብ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ርክብ ኣብ መንጐ ክልተ ትውልዲ እዩ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ሲኖዶስ ዕሹግ መልሲ ዘቕርብ መድረኽ ኣይኰነን ኢሎም
25 October 2018, 16:26