ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ መንእሰያት ማዳጋስካር
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ኣብ ማዳጋስካር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘዳለወቶ ብሔራዊ መዓልቲ ምንእሰያት፥ እምኖት ኣብ እግዚኣብሔር ዘተባብዕን መንእሰይ ንጸዋዕታ እግዚኣብሔር ለጋስ ከይኑ ክርከብን ሰላምን ተስፋን ናብ ኩሉ ናይ ሃገሮም ከባቢ ኣብ ምብጻሕ ተጊሁ ክዓዩ ከምእተላበዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን
እቲ ማርያም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ (ሉቃ. 1,30) ዝብል ቃል መርሕ ገይሩ ካብ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዙ ንሓደ ሰሙን ዝተኻየደ ብሔራዊ መዓልቲ መንእስያት ማዳጋስካር፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ ዘፍቅረናን ምስኡ ምዃን ናኣና ፍርሒ ናጻ ዘውጽእ ኢየሱስ ንኹሉ ከተበስሩ ኪዱ፡ ዝብል ናይ ተልእዀ ሓላፍነት ብዘረከብሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምእተዛዘመ ክምልከት እንከሎ፥
ሰላምታን ሕድርን ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ማዳጋስካር
ቅዱስነቶም ነቶም ማዳጋስካራውያን መንእሰያት፥
ንጸዋዕታ ኢየሱስ ለጋስ መልሲ
ማርያም ኩሉ ኣብ ኢዱ ሓደገት፡ ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ ግበሩ፡ ጸጋ እግዚኣብሔር ኣአንግዱ ንብሉጽነት ልባትኵም ጋህ ኣቢልኩም ክፈትዎ፡ ጸጋ ኣምላኽ ብቐሊል ክትዝንግዖ ዝከኣል ዕቑር ሃብቲ እዩ፡ ስለምንታይ ጐይታ በስገዳስ ስለ ዘይብል፡ ኵሉ ሳዕ፡ እንተድኣ እትደልይ ኰይንካ እንተድኣ ፍቒድካ እዩ ዝብል፡
ምስ ካልኦት ብሓባር ተጓዓዙ
ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤት ስለ ዝዀነት ማንም ንበይኑ ክኸውን ከምዘይኽእል ኣብ መልእኽቶም ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና፥
ናይ ሰላምን ተስፋን ልኡካን ኵኑ
ኢየሱስ ከምዘፍቅረናን ምስኡ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፍርሒ ናጻ ከምእንኸውን ኣበስሩ፡ ሕልምታትኵም ከውኑ፡ ናይ ሓድሕድ ደላይ ሰናይ ብምዃን ብሓባር ናትኵምን ናይ ሃገርኵምን መጻኢ ሕነጹ፡
እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዛዚሞም።