ድለ

ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ መንእሰያት ማዳጋስካር

ማርያም ኩሉ ኣብ ኢዱ ሓደገት፡ ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ ግበሩ፡ ጸጋ እግዚኣብሔር ኣአንግዱ ንብሉጽነት ልባትኵም ጋህ ኣቢልኩም ክፈትዎ፡ ጸጋ ኣምላኽ ብቐሊል ክትዝንግዖ ዝከኣል ዕቑር ሃብቲ እዩ፡ ስለምንታይ ጐይታ በስገዳስ ስለ ዘይብል፡ ኵሉ ሳዕ፡ እንተድኣ እትደልይ ኰይንካ እንተድኣ ፍቒድካ እዩ ዝብል፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ኣብ ማዳጋስካር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘዳለወቶ ብሔራዊ መዓልቲ ምንእሰያት፥ እምኖት ኣብ እግዚኣብሔር ዘተባብዕን መንእሰይ ንጸዋዕታ እግዚኣብሔር ለጋስ ከይኑ ክርከብን ሰላምን ተስፋን ናብ ኩሉ ናይ ሃገሮም ከባቢ ኣብ ምብጻሕ ተጊሁ ክዓዩ ከምእተላበዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ማርያም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ (ሉቃ. 1,30) ዝብል ቃል መርሕ ገይሩ ካብ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዙ ንሓደ ሰሙን ዝተኻየደ ብሔራዊ መዓልቲ መንእስያት ማዳጋስካር፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ ዘፍቅረናን ምስኡ ምዃን ናኣና ፍርሒ ናጻ ዘውጽእ ኢየሱስ ንኹሉ ከተበስሩ ኪዱ፡ ዝብል ናይ ተልእዀ ሓላፍነት ብዘረከብሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምእተዛዘመ ክምልከት እንከሎ፥

ሰላምታን ሕድርን ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ማዳጋስካር

ቅዱስነቶም ነቶም ማዳጋስካራውያን መንእሰያት፥

“ዝተኸበርኩም መንእሰያት፡ ብቐጥታ ናባኹም መልእኽቲ ከመሓላልፍ ሓጐስ ይስምዓኒ፡ ኣብ ልበይን ኣብዚ መንእሰይ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ጳጳሳስትን ልቢ ኢኻትኩም፡ ስለምታይ ኣተኵሮና ናባኹም ዘቕነዐ ስለ ዝዀነ፡ ካብታ ጽብቕቲ ዝዀነት ሃገርኩም ደሴት ከባቢታትኩም ኵሉ፡ ማርያም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ (ሉቃ. 1,30) ኣብ ዝብል ቃል ተመሪሑ ዘካየድክምዎ ብሔራዊ መዓልቲ መንእሰያት ክትሳተፉ ዝተረኸብኩም፡ እቲ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያን ዝበሎ ቃል፡ ሎሚ ንኹሉን ንነፍሲ ወከፍኩም፡ እግዚኣብሔር ዝብሎ ቃል እዩ፡ እግዚኣብሔር ከመይ ገይሩ ንማርያም ከምዝረኣያን ጸጋኡ ከምዝዓደላን ንኣኻትኩም እውን ብፍቕሩን ብኣኽብሮቱን ብለውሃቱን ይጥምተኩም። ፍርሕኹም ተነቃፍነትኵምን ኩሉ ይፈልጦ እዩ፡ ምስኡ ኩሉ ክኡል እዩ!”

ንጸዋዕታ ኢየሱስ ለጋስ መልሲ

ማርያም ኩሉ ኣብ ኢዱ ሓደገት፡ ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ ግበሩ፡ ጸጋ እግዚኣብሔር ኣአንግዱ ንብሉጽነት ልባትኵም ጋህ ኣቢልኩም ክፈትዎ፡ ጸጋ ኣምላኽ ብቐሊል ክትዝንግዖ ዝከኣል ዕቑር ሃብቲ እዩ፡ ስለምንታይ ጐይታ በስገዳስ ስለ ዘይብል፡ ኵሉ ሳዕ፡ እንተድኣ እትደልይ ኰይንካ እንተድኣ ፍቒድካ እዩ ዝብል፡

“ዕድመኡ ንኸተእንግዱን ካብ ልብን ካብ ለጋስነትኩምን ዝነቅል መልሲ ንምሃብ ንገዛእ ርእስዅም ዘድልየኵም ግዜ ሃቡ፡ ኣብ ጸዋዕታ ኢየሱስ መልሲ ምሃብ ኣየናይ ሓጐስ ንረክብ፡ ንዚ ኸኣ ብዙሓት ካህናትን ገዳማውያንን ክምስክርዎ ዝኽእሉ ሓቂ እዩ፡ ኢየሱስ ንምልኣት ሕይወትና ትርጉም ይህብ!”

ምስ ካልኦት ብሓባር ተጓዓዙ

ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤት ስለ ዝዀነት ማንም ንበይኑ ክኸውን ከምዘይኽእል ኣብ መልእኽቶም ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና፥

“ኵሉ ናቱ ግቡእ ስፍራ ዝረኽበላ ምጽንናዕን ድጋፍን ዝረኽበላ፡ ኣብ ቍምስናታትኩምን ኣብ ማሕበራትኵምን ብጸሎትን ብቕዱሳት ምስጢራትን ኣብ ምሕዝነትን ኣብ ናይ ካህናት ኣበ ነፍስ ሓዋርያዊ ግብር ኖልው መርሕነትን ኣብ ጸጋ ጥምቅት ዝተቐበሉን ኩሉ ብሓባር፡ ኣባል ስድራ ቤት ኢኻትኩም!”

ናይ ሰላምን ተስፋን ልኡካን ኵኑ

ኢየሱስ ከምዘፍቅረናን ምስኡ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፍርሒ ናጻ ከምእንኸውን ኣበስሩ፡ ሕልምታትኵም ከውኑ፡ ናይ ሓድሕድ ደላይ ሰናይ ብምዃን ብሓባር ናትኵምን ናይ ሃገርኵምን መጻኢ ሕነጹ፡

“ናብ ከተማታትኵምን ቍሸታትኵምን ኣብ እትነብሩሉን ኣብ እትዓይልን ስፍራን ኣብ ኣባይቲ ስድራኹምን፡ ከም ልኡካነ ሰላምን ተስፋን ይልኸኵም፡ ስሌዅም እጽልይ፡ ንኣይን ንብፁዓን ኣቡናትኩም እውን ጸልዩ ሓደራ፡”

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዛዚሞም።

ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ መንእሰያት ማዳጋስካር
15 October 2018, 16:39