መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ሕርሻን መግብን ውድብ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ሕርሻን መግብን ውድብ 

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ሕርሻን መግብን ውድብ

ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩን ዝብላዕ ዘይብሎም ዜጋታት ዓለም ብዝሒ ክብ ክብል እንከሎ፡ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክደክምን ከንቆልቁልን ይረአይ ከምዘሎ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና፡ ድኻታት ካብ ጥምየትን ካብቲ ዝወደቕሉ ህልከት ዘላቕቖም ደገፍና እምበር ሰናይ ሓሳብና ንበይኑ ኣይኰነን ዘድልዮም፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ሎሚ ዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ 130 ሃገራት ዓለም “ተግባራትና መጻእነትና እዩ፡ ጥምየት መግቢ ትሕቲ ዘሮ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ከኡል እዩ” ብዝብል መራሕ ቃል ተሓሲቡ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ናብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻን መግብን ሓልዮ ውድብ፡ እቶም ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩ ካብ ጥምየት መግቢ ንኽላቐቑ ቃል ጥራሕ ዘይኰነ ወሳኒ ተግባር ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና፥ ካብቲ ዘደንዝዘን ብዙሕ ጊዜ ዘልምሰን ዝዕንቅጸን ተግባራት ንላቐቕ ዝብል ጻውዒት ኣብ መልእኽቶም ኣንቢሮም። እዚ ሎሚ ተሓሲቡ ዝውዕል ብፍላይ ከኣ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ውድብ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ኣሃዝን መበል ክንድዝን ዝብል ዓመታት ዘቝጽር ጥራሕ ኰይኑ ክንድዚ ብጥምየት መግቢ ይሳቐዩ ንዝብል ዓይነት ጭብጥታት ብኣሃዝ ናይ ምግላጽ ድላይ ዝረውየሉን ብዛዕባ ስእነት መግቢ ጸብጻባት እንኣኻኽበሉ ዘይኰነስ ነቲ ጥምየትን ስእምነት መግብን ዘስዕቢ ከቢድ ዘስካሕክሕ ስቓይ ኣፍልጦ ብምሃብ ናይቶ ዝሳቐዩ ዜጋታት ስቓይ ናትና ገይርና ማንም ዜጋ መግቢ ከይጐድሎ መታን መዳይ ጻዕርታትና ኣነበራትዓሉ ዕለት ይኹን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምግለጺ ኣፍሊጡ።

ብብዝሒ ስእነት መግቢ ዝሳቐይ ክብ ክብል ምትሕብባር ከኣ የንቆልቁል

ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩን ዝብላዕ ዘይብሎም ዜጋታት ዓለም ብዝሒ ክብ ክብል እንከሎ፡ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክደክምን ከንቆልቁልን ይረአይ ከምዘሎ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና፡ ድኻታት ካብ ጥምየትን ካብቲ ዝወደቕሉ ህልከት ዘላቕቖም ደገፍና እምበር ሰናይ ሓሳብና ኣይኰነን ዘድልዮም፡ ጥምየትን ሳዕቤኑን ብምማልካት መጽናዕትታት ምስ ተገብረ እቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ናብ ጭቡጥ ተግባር ምቕያር እምበር ቤተ መጻሕፍት ዘመልክዕ ሰነዳት ምእካብ ክኸውን የብሉን ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ካብ ቃል ናብ ተግባር

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕርሻን መግብን ውድብ ዋና ኣመሓዳሪ ኾሴ ግራዚኣኖ ዳ ሲልቫ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ስነ ምርምርን እደ ጥበብን ስነ መራኸቢ ብዙሓን ምዕባለ ትሕቲ ቅርጽታትን እውን ብዙሕ ንቕድሚት ዝተባህለን ብዙሕ ተበጽሖታት ዝተዓተረ እውን እንተዀነ ብተመሳሳሊ ሚዛን ግና ኣብ ምትሕብባርን ስነ ሰብኣውነትን ምዕባለ ዘይተበጽሔ ኰይኑ ምርኣይ ብሓቂ የሕዝን፡ ስለዚህ ካብቲ ተብጽሑ ዘሎ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ክንየው ከነብል ዝተጸዋዕና ኢና፡ ካብ ቃል ናብ ተግባር እንሰጋገረሉ እዋኑ ጫፍ በጺሑ እዩ፡ ብስነ ምግባራዊ ስምምዓት ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኵለንተናዊ ሰናይነት ብዝብሉ ዕሴታታት ዝተደገፈ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ተተግባርያን መደባት የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሃብቲ ገንዘብ ንምዕባለ ምፍሳስ ኣጽዋር ውግእ ምጥፋእ

እቲ ዓቢይ ስቓይ ካብ ሱሩ ንምምሓው ወግዓዊ መብጽዓታት ተር ምባል ዘይኰነስ እቲ ኣብ ጸረ ስእነት መግብን ጥምየትን ዝገብር ቃልሲ፥ ለጋስ ዝዀነ ቁጠባ ሃብቲ ገንዘብ ምቕራብን ኣብ ዓለም ዝረአይ ፍልልያት ናይ ንግድ ልውውጥን ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ዓለም ዝኽሰት ዘሎ ምዝባዕ ናይ ተፍርጥሮ ኣየርን ምህዳርን ንምውጋድ ዘብቅዕ መደብ ምዕባለ ክረጋገጽን ውግእን ኣጽዋር ውግእን ዓመጽን ከይህሉ ዝጠልብ እዩ ቢሎም፡ ሰላምን ናይ ኣሕዛብ ምዕባለ ብምንቕቓሕ ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብ ክብ ምባል፡ ኣጽዋር ውግኣ ትም ኣቢልና ናይቶም ናይ ዝሳቐዩን ድኻታት ኣውያትን ዝተሓረጉን ካብ ምዕባለን ሕይወትን ዝተነጸሉን ንብዓትን ንምስዕን ኣብ ድጋፎን ቁልጡፋት ንዅን ሓደራ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምግለጺ ኣፍሊጡ። 

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ሕርሻን መግብን ውድብ
16 October 2018, 18:01