ድለ

ኪዳናዊ ሕይወት መርዓ ምግባር ዘይኮነስ ካብ ኣነ ናብ ንሕና ንምብጻሕ ዝግበር ጉዕዞ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ፥ ‘ንስኻትኩም ኣሳቡኡት ከኣ ከም’ቲ ክርስቶስ ንቤተክርስትያኑ ዘፍቅራን በዣኣ’ውን ሕይወቱ ዘሕለፈን ከማኡ ገይርኩም ነንስትኹም ኣፍቅሩወን፣ . . . እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር ንርእሱ እዩ ዘፍቅር’ሞ ሳብኡት’ውን ነንስቶም ከም ሰውነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባእ፣ . . . ስልዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ኀዲጉ ምስ ሰበይቱ ይጸንበር ክልቲኦም ከኣ ሓደ ሥጋ ይኹኑ። እዚ ምሥጢር እሲ ዓቢይ እዩ፡ እዚ ከኣ ብናይ ክርስቶስን ብናይ ቤተክርስቲያንን እየ ዝብሎ ዘሎኹ’ (ኤፌ 5,25.28.31-32)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም

ሎሚ ነቲ ብዛዕባ ሻድሻይ ትእዛዝ እግዚአብሔር ‘ኣይትመንዝር’ ንዝጀመርናዮ ትምህርቲ ክርስቶስ ክዛዝም እየ። ንኪዳናዊ ፍቅሪ ከም ዝግባእ ንክትነብሮን ንከተስተማቅሮን ብርሃን ዝኾነ እቲ እሙን ፍቅሪ ክርስቶስ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ናይ ደቂ ሰባት ፍትወታዊ ዝምባሌ ጸዋዕታ ፍቅሪ ኮይኑ ኣብ ምትእምማንን ነንሕድሕድካ ምቅባልን ምምሕሓርን ይግለጽ።እዙ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ፍቅሪ ብከመይ ይገልጽ ኢልና እንተሓተትና ብምትእምማን ነንሕድሕድካ ብምቅባል ብምምሕሓር ይግለጽ።

እዚ ትእዛዝ እዚ ኣግሂዱ ብዛዕባ ምትእምማን ኪዳናዊ ሕይወት ከምዝዛረብ ከኣ ዘይምዝንጋዕ የድሊ። እዚ ኣገላልጻ ቅዱስ መጽሓፍ ማለት ክንበብ ዝሰማዕናዮ መልእኽቲ ጳውሎስ ሰውራዊ እዩ ክንብሎ ንኽእል። ብናይቲ ዘመን እቲ ሥነሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ሰብኣይ ንሰበይቲ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስትያኑ ዘፍቀራ ገሩ የፍቅራ ክትብል ሓያል እዩ። ሓዲስ ሓሳብ እዩ። ኣብቲ ዘመንቲ እታ ዝለዓለት ብዛዕባ ኪዳንዊ ሕይወት ዝተባህለት እዚኣ እያ ክንብል ንኽእል። ወትሩ ግን ብመንገዲ ፍቅሪ እዩ ዝግለጽ። ስለዚ ብዛዕባ ትርጉም መርዓ ኣጸቢቅና ከነስተንትንን ከነዕምቆን የድሊ። እዚ ናይ ምትእምማን ትእዛዝ ንመን ይምልከት! ኢልና ክንሓትት ንኽእል። ንሰብኣይን ሰበይትን ጥራይዶ ይምልከት! ኢልና’ውን ክንሓትት ንኽእል። ከም ሓቁ እንተዀይኑ እዚ ትእዛዝ እዚ ንኩሉ ይምልከት ከመይ ኣባታዊ ቃል እግዚአብሔር ኮይና ንነፍሲወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ይምልከት።

ናይ’ዚ ሰብኣዊ ብስለት’ዚ ጉዕዞ ሓልዮት ተቀቢልካ ሓልዮት ኣውፊኻ ንምኽኣል ዝግበር ጉዕዞ ፍቅሪ ኮይኑ ሕይወት ተቀቢልካ ሕይወት ሂብካ ንምኽኣል ዝግበር ጉዕዞ ምዃኑ ንዘክር። ክንዲሰብ ዚኣኸሉ ሰብኡትን ኣንስትን ምዃን ማለት ኣብ ደረጃ ምምርዓውን ወለዲ ምዃንን ኮይኑ ንሸኽሚ ሓደ ሰብ ተቀቢልካ ምሽካሙን ብዘይነግፈረግ ምፍቃሩን የመልክት። ስለዚ ናይ ነፍሲወከፍ ዘመደ ኣዳም ሓባራዊ ዝምባሌ ኮይኑ ነቲ ኩነት ንምቅባሉን ምስ ካልኦት ዓሚቚ ርክብ ምፍጣርን ይመሃር።

መን’ዩ እቲ ዘማዊ ዘይእሙን! ኢልና እንተሓተትና ሓደ ዘይበሰለ ሰብ ንሕይወቱ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዝውስናን ንኩሉ ኩነታት ብዛዕባ ጽቡቁ ጥራይ እናሓሰበ ብዛዕባ ርውየቱ ጥራይ ዝግደስ ሰብ እዩ። ስለዚኸስ ሓዳር ክንብል እንከሎና ምምርዓው ጥራይ በይኑ እኹል ኣይኮነን። ነቲ ኣነ ዝብል ንሕና ብዝብል ንምትካኡ ነዊሕ ጉዕዞ ይሓትት። ሓደ በይኑ ኮይኑ ካብ ምሕሳብ ክልተ ኰንካ ክትሓስብ ሓደ በይኑ ኮይኑ ካብምንባርን ምጒዓዝን ብሓባር ኰንካ ክትጐዓዝ ጽቡቅ እዩ። ካብ ገዛእ ርእስና ውጽእ ክንብል ምስ እንጅምርን ብዛዕባ መጻምድትና ክንሓስብን ክንሰርሕን ምስ እንጅምር ተግባር ሕይወት ሓዳር ይጅምር። ብሓባር ክስራሕ ክዝረብ ውሳኔ ክውሰድ ርክባት ክፍጠሩ ይጅምሩ። ካልእ ጉዳያት እውን ናይ ምቅብባልን ምክብባርን ብዘለዎ ኣገባብ ይካየዱ።

ሕጂ ኣረኣእያን ቁሩብ ኣስፍሕ ኣቢልና ብዛዕባ ዝኾነ ጸዋዕታ ክርትያን ንሕሰብ። በዚ መንገዲ እዚ ከኣ ነፍሲወከፍ ጸዋዕታ ክርስትያን ኪዳናዊ እዩ። ጸዋዕታ ክህነት እውን ከምኡ እዩ ከመይ ኣብ ኢየሱስን ኣብ ቤተክርስትያን ንማሕበረክርስትያን ብፍቅሪ ንከተገልግል ነቲ ጐይታ ዝዓደለካ ምፍላጥን ብግቡእ ምጥቃሙን የድሊ። ኣብ ቤተክርስትያን ንክህነት ከም ሓደ ሥራሕ ዝሃርፉ ካህናት ኣይጠቅሙን እዮም እንታይ ደኣ ነታ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ብምሉእ ልቦም ከፍቅሩ መንፈስ ቅዱስ ልቦም ዝተንከፎም ሰባት ክኾኑ ይግባእ። እምበር ንሥልጣን ክህነት ከም ሥራሕ ዚሓርፉ ኣይጠቅሙን እኳ ደኣ ኣብ ገዛኦም እንተተረፉ ይሓይሽ። ኣብ ጸዋዕታ ክህነት ንምሉእ ሕዝበ እግዚአብሔር ብምሉእ ኣባታዊ ፍቅርን ርህራሔን ናይ ሓደ በዓልቤትን ኣቦን ሓይልን ሓልዮትን የድሊ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ንክርስቶስ ዝተወፈየ ድንግልናዊ ሕይወት ብተኣማንነትን ብታሕጓስን ዝንበር ፍቅራዊ ርክብ ኮይኑ ብሱል ኣደነትን ኣቦነትን ይኸውን።

እደግሞ ኣሎኹ! ዝኾነ ጸዋዕታ ክርስትያን ሓዳራዊ መብጽዓ እዩ ከመይ ንኩልና ዳግም ንክንውለድ ናይ ዝጠምረና ፍቅሪ ፍረ ኢና። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክንበብ ዝሰማዕናዮ እዚ ምስ ፍቅሪ ክርስቶስ ዘተኣሳስረና ጥምረት እዩ። ካብዚ ናይ ክርስቶስ ተኣማንነትን ርሕራሔን ልግስን ነቂልናኸስ ንሕይወት ኪዳንስ ይኹን ንዝኾነ ጸዋዕታ ብዓይኒ እምነት ክንጥምትን ናይ ጾታ ምሉእ ትርጉም ክንርዳእን ንኽእል።

ፍጥረት ወዲሰብከስ በቲ ዘይፈላለየ ሓድነት መንፈሱን ሥጋኡን ኣንጻራዊ ስሕበት ዘለዎ ተባዕታውነቱን ኣንስታውነቱን ደስ ዝብል ፍጥረት ኮይኑ ንከፍቅርን ንክፍቀርን ዝተወሰነ እዩ። ኣካል ወዲሰብ መጋበሪ ደስታ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ንፍቅሪ ዝተጸዋዕናሉ ቦታ ስለዝኾነ ኣብ ሓቀኛ ፍቅሪ ከኣ ንጾታዊ ህርፋንን ምብልጭላጭን ዝኸውን ቦታ የለን። ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮንሲ ክንዮ እዚ ይግብኦም።

‘ኣይትመንዝር’ እትብል ቃል ከስ ሽሕ’ኳ ኣሉታዊ እንተመሰለት ናብ’ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጸልናን ዝጸገወናን ፍጹምን እሙንን ዝኾነ ኪዳናዊ ፍቅሪ መበቆላዊ ጸዋዕታና እያ እትመልሰና (ሮሜ 12.1)። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

 

ቅዱስነቶም ትምህርቶም ምስ ፈጸሙ ንኩሎም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ብጎርጎሮሳዊ ባሕረ ሓሳብ ጽባሕ ዕለት 1 ሕዳር 2018 ዓም በዓለ ኩሎሙ ቅዱሳን እንክዝከር ዕለት 2 ሕዳር ከኣ ዝኽሪ ኩሎም ሙታን ከምዝበዓል ኣዘኻኺሮም።

ምስክርነት እምነት ናይቶም ቀዲሞምና ዝሓለፉ ንነፍሲወከፍና እግዚአብሔር ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ከምዘሰንየናን ንማንም ካባና ከምዘይሓድገናን ኩልና ከምቲ ንሱ ቅዱስ ዝኾኖ ቅዱሳን ክንከውን ከምዝደልን ንዘሎና ርግጽነት የሐይለልና፣ መቃብር ናይቶም ዝኸበሩ ኣዝማድና ብምጻሕ ከኣ ንኣድላይነትና ዝጽልዩ ብዙሓት ቅዱሳን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከምዘለው እንክንዝክር በንጻሩ ከኣ ብዙሓት ሙታን ናትና መንፈሳዊ ደገፍ ዝጽበዩ ከምዘለው ዘይምዝንጋዕ ኢሎም። እዚ ማለት ከኣ ብሱታፌ ቅዱሳን እንኣምን ዘበልና ኲልና ምእንቲ እቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩና ክንጽሊ ትሑዛት ምዃና ንሶም ግን ወትሩ ስሌና ከምዝጽልዩ ንምዝኽኻር እዩ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
31 October 2018, 18:18