ንብጻይካ ዘይምፍቃር ንቅትለት ገጹ ዝወስድ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2018ዓም ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ምቅታል እንክብል ምዕናው ምጭቛን ንሓደ ምእላይ ካብ ኮነ ኣይትቅተል ዝብል ከኣ ምክንኻን ዋጋ ምሃብ ምቅባልን ምምሓርን የመልክት’ እንክብሉ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ ዝገልጾ ዓሚቚ ትርጉም ሓምሻይ ትእዛዝ ገሊጾም።

ቃል ኣምላኽ

“‘ንቐዳሞት ‘ኣይትቕተል ዝቐተለ ዅሉ ንዅነኔ ዝተገብአ እዩ’ ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም፣ ኣነ ግን እቲ ንሓው ዚቚጥዓሉ ዅሉ ናብ ፍርዲ ኺቐርብ እዩ። እቲ ንሓው ‘ኣታ ዓሻ’ ዚብሎ ኸኣ ንገሃነም እሳት ዝተገበአ ኺኸውን እዩ እብለኩም ኣሎኹ። እምበኣርከስ መብእካ ኣብ መሥውዒ እንተ ኣቕረብካ ኣብኡ ኸኣ ሓውኻ ፈሪዱልካ ኸም ዘሎ እንተደኣ ዘከርካ፣ ነቲ መባእካ ኣብ ቅድሚ እቲ መሥውዒ ሕደጎ፣ ኬድካ ቅድም ምስ ሓውኻ ተዓረቕ ድሕሪዙይ ተመሊስካ መባእካ ኣቅርብ።” (ማቴ 5.21-24)”

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ነቲ ዝሓለፈ ሶሙን ዝጀመርናዮ ‘ኣይትቀትል’ ዝብል ሓሙሻይ ትእዛዝ እግዚአብሔር ክንቅጽል ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ትምህርትና እዚ ትእዛዝ እዚ ዝገልጾ ነገር እንተሃልዩ ኣብ ቅድሚ እግዚብአብሔር ሕይወት ወዲሰብ ክብርትን ቅድስትን ዘይትገሃስን ምዃና ርኢና። ማንም ሰብ ንሕይወት ካልእ ወዲሰብስ ይኹን ንሕይወቱ ከስተናዕቅ ከምዘይብሉ! እኳ ደኣ ነፍሲወከፍ ሰብ ኣርኣያን መልክዕን እግዚአብሔርን መወዳእታ ኣልቦ ፍቅሩን ሒዙ ስለዘሎ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ንክነብር እዩ ተጸዊዑ።

ኣብ ዝሰማዕናዮ ቃለ ወንጌል ኢየሱስ ነዚ ትእዛዝ እዚ ብዝዓመቈ መንገዲ ክገልጾ ንርኢ። ኣብ ፍቅዲ ፍርዲ እግዚአብሔር ተጻይ ሓውኻ ምቚጣዕ እውን ከይተረፈ ሓደ መልክዕ ናይ ቅትለት ምዃኑ ይገልጸልና። ‘ንሓው ዝጸልእ ዘበለ ኩሉ ቀታል ሓው እዩ’ (1ዮሓ 3.15)። ኢየሱስ ግን ኣብዚ ጥራይ ጠጠው ኣይብልን። ቚጥዓን ቅትለትን ጥራይ ዘይኮነ ንሓውኻ ምጽራፍ ምሕማይ ሽም ምኽፋእ ክቐትሉ ከምዝኽእሉ ይገልጸልና። ንሕና ብባህሪና ልማድና ምጽራፍ እዩ ሓቀይዶ! ሓደ ጸርፊ ከም ምስትንፋስ ቅጅል ይብለና። ኢየሱስ ከኣ ‘ደው በል ጸርፊ ሕማቅ እዩ ይቀትል’ ይብለና ኣሎ። ምስትንዓቅከ ‘እወ ኣባ ኮይኑ ግን እዚ ሰብዚ እዚ ሕዝብዚ ዝጠቅም ኣይኮነን’ እንተኢልካ እንታይ እዩ ጥቅሙ። እዚ ኩሉ እምበአር ሓደ ዓይነት ኣቀታትላ እዩ! ንክብሪ ሰብ ትቀትል ኣሎኻ! ስለዚኸስ እዚ ትምህርቲ ኢየሱስ ኣብ ኣንጒዕና እተዚኣቱ ኣብ ልብና እንተዚሓድር እሞ ነፍሲወክፍና ‘ካብ ሎሚ ንደሓን ንማንም ኣይጸርፍን ኣይዝልፍን ኣየስተናዕቅን’ እንተንብል ክንደይ ጥዑም ነሩ። ኢየሱስ ‘ተጠንቀቀ ንስኻ እንክትስተናዕቅ እንክትጸርፍ እንክትጸልእ እዚ ሓደ ዓይነት ምቅታል እዩ’ ይብለና ስለዘሎ ነዚ ቊርጺ ፍቃድ እዚ ምግባር ክንደይ ጽቡቕ ነሩ።

ንእንገብሮም ምስትንዓቅን ሕሜትን ጸርፍን ማንም ሰብኣዊ ሕጊ ዝግበኦም ፍርዲ ሂቡ ቦታኦም ኣይትሕዞምን። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ብቀጥታ ኣብታ ሕመረታ ብምኻድ መባእ እንከተቅርብ ሓውኻ ከምዝበደለካ ትዝ እንተኢሉካ ነቲ መባእ ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ገዲፍካ ቅድም ከድካ ምሳኡ ተዓረቅ ይብል። ንሕና እውን እንተዀና መኣስ ጥዑያት ኰና ናብ ቅዳሴ እንክንከይድ ገለ ደቃይቅ ቅድሚ እቲ ቀዳሲ ካህን ኣብ ቤተመቅደስ ምስ እንርከብ ክንዲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ሕሜትን ፍርድን ንኣቱ ነሕሸዂሹዅ። እዝስ ይትረፍ ወላ ብዛዕባኦም ሕማቅ እንተሓሰበና ሓድ ዓይነት ቅትለት እዩ። ኮይኑ ግን ብዙሕ ግዜ ቅዳሴ እናተጸበና ነዚታት ንገብር። እዚ ግን ፈጺምካ ክግበር ዘይግበኦ እዩ። ኢየሱስ ነዚ ኩሉ ንጸርፉስ ይኹን ንምስትንዓቁ ከምኡ እውን ንጽልኢ ኣብ መስመር ምቅታል እዩ ዝሰርዖ።

ንሓሙሻይ ትእዛዝ ክስብ ክንድዚ ኣዳቂቁ እንክዝርዝሮ ኢየሱስ እንታይ ኮን ክብል ደልዩ ይኸውን ኢልና ምስ እንሓትት! ወዲሰብሲ ሓደ ክቡር ሕይወት ኣለዎ። እዚ ከኣ ብኩሉ ነገሩ ተኣፋፊ ዝኾነ ኣነ ዝብል በዓል ቤት ዝውንን ካብቲ ኣካላዊ ተክለቊመና ንላዕሊ ክብሪ ዝውንን እዩ ማለቱ እዩ። ስለዝኾነ ንንጽሕና ሓደ ሕጻን ክትዕንቅብ ሓንቲ ሕማቅ ሓረግ እኽልቲ እያ። ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ክተቊስል ሓደ ናይ ዘይተገዳስነት ዛሕሊ እኹል እዩ። ልቢ ሓደ መንእሰይ ክትወግእ ተኣማንነትን ዕርክነትን ምኽላኡ እኹል እዩ። ንሓደ ሰብ ከምዘየሎ ክትገብሮ ሸለል ምባሉ እኹል እዩ። ሸለልትነትን ዘይተገዳስነትን ይቀትል። ዳርጋ ንሓደ ሰብ ‘ንስኻ ንዓይ ከምዝሞትካ ከምዝተቀበርካ ኢኻ’ ከም ምባል እዩ፣ ከመይ ከምዚ ብምግባርካ ንልቡ ቀቲልካዮ። ዘይምፍቃርከስ ቀዳማይ ስጉምቲ ንምቅታል እዩ ከምኡ እውን ኣይትቅተል ዝብል ዝብል ንምፍቃር ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ።

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብቲ መጀመርያ ክፍሊ እታ ዝሓሰመት ሓረግ ናይቲ ቀታል ሓው ዝኾነ ቃኤል ትስማዕ። እግዚአብሔር ኣበይ ኣሎ ሓውካ ኢሉ ምስ ሓተቶ ‘ኣይፈልጥን። ኣነዶ ሓላው ሓወይ ኮይነ? (ዘፍ 4.9)። ነዚ ብዝምልከት ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያ ቊ.2259 ብቃኤል ኃዉ ኣብ ዝተፈጸመ ዛንታ ቅትለት-ኣቤል ከምነንብቦ፤ ካብ ፈለማ ታሪኽ ደቅሰብ ሳዕቤን ኃጢኣት-ኣዳም ንዝኾነ፤ ኣብ ሰብ ንዚርከብ ህላዌ ቍጥዓን ቅንኣትን፣ ቅዱስ መጽሓፍ ኪገልጸልና ይርከብ። ሰብ ናይ ዝኸምኡ ሰብ ጸላኢ ኮነ። ነዚ ናይ ቀቲለ-ኃው ኃጢኣት፣ እግዚኣብሔር ብኸምዚ ይገልጾ። “እንታይ ደኣ ገበርካ? ድምጺ ኃውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ። ሕጂ ድማ ርጉም ኩን፤ ኣብ’ዛ ንደም-ኃውኻ፣ ካብ ኢድካ ክትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ፣ ከኣ ኰብላሊ ኩን።’ ይብል። ቀተልቲ ሰብከስ ኩሉ ግዜ ከምኡ ኢዮም ዝምልሱ ‘ብዛዕባ ሓወይ ኣይግድሰንን እዩ’ ‘ጉዳዩ እምበር ጉዳየይ ኣይኮነን’ ወይውን ንኣኡ ዝመሳሰል ነገራት ይብሉ። እስኪ ነዛ ሕቶ እዚኣ ክንምልስ ንፈትን ‘ንሕና ጓሶት ኣሕዋትና ዲና? እወ ጓሶት ኣሕዋትና ኢና ነንሕድሕድና ክንጓሲ ዝተፈጠርናን ዝተጸዋዕናን ኢና። መንገዲ ሕይወት ከስ እዚ እያ! መንገዲ ናይ ዘይምቅታል እዚኣ እያ።

ሕይወት ወዲሰብ ፍቅሪ የድልያ። እቲ ሓቀኛ ፍቅሪኸ ኣየናይ እዩ ኢልና እንተሓተትና ከኣ! እቲ ክርስቶስ ዘርኣየና ማለት ምሕረት እዩ። ክንዮኡ ምንም ክንገብር ዘይንክእለሉ ፍቅሪኸስ ይቅረ ምባል ምምሓር ኮይኑ በዚ ነቶም ዝበደሉና ንቅበል። ካባና ማንም ብዘይ ምሕረት ክነብር ኣይክእልን ኩልና ምሕረት የድልየና እዩ። ስለዚኸስ ኣይትቅተል ዝብል ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣይትደምሰስ ኣንትጨቚን ኣይትዓምጽ ንማንም ካብ ገጽ ምድሪ ኣይተጥፍእ እንክብል እዚ ከኣ ማዕረ ማዕረኡ ተከናኸን ዋጋ ሃብ ኣብ ቊጽሪ ኣእትዎ ከምኡ እውን መሓሮ የስምዕ።

ካባና ወላ ሓደ እኳ ‘ኣነ ምንም ሕማቅ ኣይገበርኩን’ ስለዚ ጽቡቅ ኣሎኹ! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እየ ክብል ዝኽእል የብልናን። ሓደ ማዕድን ወይ ሓንቲ ኦም ከምኡ ክኾኑ ይኽእሉ ወዲ ሰብ ግን ብምንም ተኣምር ከምኡ ክኸውን ኣይክእልን። እኳ ደኣ ሓደ ሰብኣይ ወይ ሓንቲ ሰበይቲ ክንዮ እዚ ክገብሩ እዮም ዝሕተቱ። ንነፍሲ ወከፍና ዝተሰናደወ ሰናይ ምግባር ኣሎ። ኣይትቅተል ዝብል ትእዛዘከስ ንፍቅርን ንምሕረትን ንይቅርታን ዝዕድም ከም ፍቃድ ኢየሱስን ከምቲ ንሱ ሕይወቱ ንዓና ዘወፈየን ካብ ሙታን ንዓና ክብል ዝተንሠኤን ክነብር ንጽዋዕ። ምናልባት ትዝክሩ እንተኾንኩም ኣብዚ ቅርዓት እዚ ናይ ሓደ ቅዱስ ብሂል ብሓባር ደጊምና ነርና እስኪ ሎሚ ንድገሞ ኣይሓስመናን እዩ። ‘ሕማቅ ነገር ዘይምግባር ጽቡቅ ኣዩ። ጽቡቅ ነገር ዘይምግባር ግን ሕማቅ እዩ’ ኢልና ነረና። ወትሩ ጽቡቅ ነገር ክንገብርን ክንዮኡ ክንሰግርን የድሊ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሥጢረ ሥጋዌኡ ገሩ ህላዌና ቀዲስዎ እዩ በቲ ንጹሕ ደሙ ገሩ ከኣ ናይ ሕይወት ምንጪ ስለዝኾነ ዓቢ ክብሪ ኣልቢሱና እዩ (ግሐ 3.15)። ነዚ ጸጋ እዚ ምስጋና ይብጽሓዮ ነፍሲ ወከፍና ንእግዚብሔር ኣቦ እንወሃብ ህያብ ኰና። ብኢየሱስ ክርስቶን ካብቲ ካብ ሞት ዝሕይል ፍቅሩን በቲ እግዚብሔር ኣቦ ዝዕድለና መንፈስ ቅዱስን ገርና ንታ ኣይትቅተል ትብል ትእዛዝ እግዚብሔር ክንቅበልን ከም መሰረታውን ኣድላይን ምሕጽንታን ጻውዒትን ጐይታ ገርና ክንዕቅባን ንኽእል፣ ኣይትቅተልከስ ጻውዒት ንፍቅሪ እዩ። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብ’ዚ ጠውቑ!
17 October 2018, 19:34