‘ክሳብ ዝደልወካ ጥራይ ምፍቃር ኣይከኣልን’! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ- ማር 10.1-12 ‘ኢየሱስ ካብኡ ተላዒሉ ናብ ምድሪ ይሁዳን ናብ ስግር ዮርዳኖስን ከደ። ከምብሓዲስ እንደገና መሀሮም፣ ፈሪሳውያውን ናብኡ መጺኦም ምእንቲ ክፍትንዎ ‘ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሕ ግቡእዶ እዩ?’ እናበሉ ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ ‘ሙሴ እንታይ ዲዩ ኣዚዙኩም ዘሎ?’ በሎም። ንሳቶም ድማ ‘ሰብኣይ ናይ መንፍትሒኣ ጽሑፍ ሂቡ ኬሰናብታ ሙሴ ፈቒዱ ኣሎ’ በሎም። ኢየሱስ ግን ‘ብሰንኪ ትሪ ልብኹም እዩ። ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሓፈልኩም። ካብ መጀመርያ ፍጥረት እንከ ‘እግዚአብሔር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ምእንትዚ ሰብኣይ ነቡኡን ንኖኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይጽንበር ክልቲኦም ከኣ ሓደ ሥጋ ይኾኑ’። ካብኡ ንድሓር ከስ ሓደ ሥጋ ደኣእምበር ክልተ ኣይኮኑን። ስለዚ ነቲ እግዚአብሔር ዝጸንበሮ ሰብ ኣይፍልዮ’ በሎም። ኣብ ቤት ከኣ ኣርድእቱ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንደገና ሓተትዎ። ንሱ ድማ ‘እቲ ንሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ ኣብ ልዕሊኣ ይዝሙ። ንሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እትምርዖ ሰበይቲ ኸኣ ትዝሙ’ በሎም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትና ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ትእዛዛትእግዚአብሔር ጀሚርናዮ ኣብ ዘሎና መደብ ትምህርተክርስቶስ ሎሚ ኣብ ሻድሻይ በጺሕና ኣሎና። እዚ ትእዛዝ እዚ ብዛዕባ ፍትወትን ጾታን ይዛረብ ‘ኣይትዘሙ’ ከኣ ይብል።  ንኪዳናዊ ተኣማንነት ዝግበር ጻውዒት ብዘይካዚ ሓቀኛ ሰብኣዊ ርክብ እዚ ተኣማንነትን ተወፋይነትን ዚሓትት ካልእ ሰብኣዊ ርክብ ከምዘየሎ ይገልጽ።

ክሳብ ዝጥዕመካ ጥራይ ክተፍቅር ኣይከኣልን እዩ! ፍቅሪኸስ ክንዮ ግላዊ ጥቅሚ ሰጊሩ ብኩለንትናኻ ምንም ከይተርፍካ ምውፋይ እዩ። ከምቲ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን 1646 ‘ኪዳናዊ ፍቕሪ ብባሕሪኡ፤ ናይ’ቶም ሰበኺዳን ዘይገሃስ ተኣማንነት
የሓትት እዩ። እዚ ኸኣ ንሓድሕዶም ናይ ዝገበርዎ ምውህሃብን ወፈያን ውጽኢት እዩ። ፍቕሪ ብመሠረቱ ወሳኒት ክትኸውን ትደሊ’ እዩ ነገሩ። ተኣማንነት ናይታ ነጻን ብስልትን ሓላፊነታዊትን ዝኾነት ሰብኣዊ ርክብ መሠረታዊ ጠባይ እያ። ማንም ዓርኪ እውን ነቲ ዕርክነት ብቚምነገር ክሳብ ዝሓዞ ተኣማንነት መሠረታዊ እዩ እንተዘየሎ ተኣማንነት ዘይብሉ ሓቀኛ ዓርኪ ኣይኮነን። ክርስቶስ ከኣ ንሓቀኛ ፍቅሪ ይገልጽ ንሱ ንባዕሉ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ ኣቦኡ ይነብር ብናይዚ ሓይሊ ከኣ እሙን ዓርኪ ኮይኑ እንተተጋገናውን ከይተረፈ ይቅበለና ወትሩ ከኣ ሠናይና ይደሊ ወላውን ዘይግብኣና ክንስና።

ወዲሰብ ውዑል ብዘይብሉ ፍቅሪ ክፍቀር የድልዮ ነዚ ዘይቅበል ከኣ ገለ ጉድለት ኣለዎ ኮይኑ ግን ብዙሕ ግዜ ኣይፈልጦን። ልቢ ወዲሰብ ነዚ ቦታዚ እዚ ብካልእ ክመልኦ ሃሰስ ይብል ዘይፍጸሙ ውዑላት ብምግባርን ምስ ቊሩብ ጣዕሚ ዘለዎ ነገራት ቃልዓለማዊ ርክብ እናገበረን ይቃለስ። እቲ ዝኸበደ ሓደጋ ኣብዚ ግዜና ገና ንዘይበሰለን መጺጽን ርክብ ፍቅሪ እናበሉ ንዘደናግር ነጸብራቅ ከም ሓቀኛ ብርሃን ሕይወት ብምቅራብ የደናግሩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እቲ ብእግዚአብሔር ዝተዓደለና ተክለ ቊመናን መልክዕን ነቲ ሓቀኛን ተኣማናን ርክብ ምስ ካልእ ሰብ ዘሰናዱ መንገዲ ልዕሊ ዋጋኡ ግምት ክትህብ ይጅመር። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝብልዎ ‘ወዲሰብ ነቲ ኣብ ትርግታ ልቡ ዝስምዖ ጻውዒት ብምልላይ ነቲ ፍንውን ዘይብሱልን ርክባት ናብ ምልኣትን ፍጽምናን ንከብጽሕ ዝተጸወዔ እዩ’። ከምዚ ብምግባር ከኣ ሓደ ነገር ይወርስ። ሰውነት እንታይ ምዃኑ ንምስትውዓል ብጽንዓትን ቀጻልነትን ንምርዳእን ክመሃር ኣለዎ ኢሎም ዕለት 12 ሕዳር 1980 ዓምፈ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቅሪቦም ነበሩ።

ብቃል ኪዳን ሰብኣይን ሰበይትን ኰንካ ናይ ምንባር ጸዋዕታ ጽጹይ ምልላይ ናይቲ ዘካይድዎ ርክብ የድሊ ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ናይ ሕጸ ግዜ ይወሃብ። ኣብ ምሥጢረ ተክሊል ኪኣትው ዚደልዩ ሕጹያት ነቲ  ርክቦም ዝመርሕን ዘሰንዮምን ኢድ እግዚአብሔር ከምዘሎ ንከረጋግጹን ንከብስልዎን ኣብ መወዳእታ ከኣ ‘ብጸጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኩሉ ግዜ እሙን ክኸውን ኪዳን እኣቱ ኣሎኹ` ንምባል ይኽእሉ። ኣብዚ ኪዳን እዚ ‘ኣብ ታሕጓስን ሓዘንን ኣብ ጥዕናን ሕማምን’  እሙን ክኸውን እየ ክንብል ከሎና ኩሉ ከምቲ ዝደለናዮን ዝሰራዕናዮን ዝመደብናዮን ክሳብ ዝኾነ ዝብል ውዑል ክንኣቱ ኣይከኣልን። ሰብኪዳንከስ ኣብቲ ጽኑዕ ተኣማኒ ፍቅሪ እግዚአብሔር ንክትከል ኣብኡ ክምስረቱ ኣለዎም።  ስለዚ ከኣ እዩ ቅድሚ ምሥጢረ ተክሊል ንውሕ ንዝበለ ግዜ ዚኣክል ግዜ ናይ ምስንዳው እኹል ትምህርቲ ክርስቶስ የድሊ ከመይ ንምሉእ ሕይወትካ ዚእቶ ስለዝኾነ ብፍቅሪ ቃልኪዳን ዋዛ የለን። ንመርዓ ምስንዳው ኣይኮነን ዝበሃል ክልተ ሠለስተ ወይ ኣርባዕተ ጉባኤታት ብምግባር ዝግበር ምስንዳው ብቑዕ ኣይኮነን እዝስ ናይ ኣምሰሉነት እዩ። ከምዚ ዓይነት ዘይብሱል ሥራሕ ዝገብሩ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ኣብ ርእሱ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ቆመስ ኣብ ርእሲ እቲ ኣቡን ኣብ ርእሲ ነቲ ከምዚ ዚኣመሰለ ኣገባብ ውሳኔ ዝህብ እዩ። ንምሥጢረ ተክሊል ከስ ዚኣክል ግዜ የድልዮ ክበስል ኣለዎ። ንማለቱ ዝግበር ኣይኮነን ምሥጢር እዩ። ብብቚዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እኹል ምስንዳው ኪግበር ኣለዎ።

ተኣማንነት ሓደ ኩነተ ሕይወት እዩ። ብተኣማንነት ይሥራሕ ብንጽሕና ልቢ ይዝረብ ኣብ ሓሳባትካን ኣብ ተግባራትካን ንሓቂ እሙን ኰንካ ምንባር የድሊ። ብተኣማንነት ዝተመርሐት ሕይወት ብብዙሕ መንገዲ ትግለጽ በዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ሕይወት እሙናትን ተኣመንትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንምዃን የኽእለና።ኮይኑ ግን ኣብ ሓደ ደስ ዝብልን ጥዑምን ደረጃ ሕይወት ንክንበጽሕ ሰብኣዊ ተፈጥሮና በይኑ እኹል ኣይኮነን ናይ እግዚአብሔር ተኣማንነት ኣብ መነባብሮና ኪኣቱ ኣለዎ። ምስ ሕይወትና ክሕወስ ኣለዎ።  ሻድሻይ ትእዛዝ ጠመተና ናብቲ ንዘማዊ ልብና ነቂሉ ተኣማኒ ልቢ ክህበና ናብ ዝኽእል ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብር ይጽውዓና። መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ ዘየጣዕስ ፍቅሪ ከይመቃቀልካ ምሉእ ልግሲ ክሳብ መዓሙቚ ምውቅ ተቅባል ዝርከቦ ኣብኡ ጥራይ እዩ ዝርከብ፣

ተአማነትና ካብ ሞቱን ትንሣኤኡን ይምንጩ ናይ ርክባትና ጽንዓት ከኣ ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩ ይመጽእ። ኣብ መንጎና ዘሎ ውህደትን ኣብ ዘሎና ርክባት ብተኣማንነት ምንባርን ካብቲ ምሳኡን ምስ እግዚአብሔር ኣቦን ምስ መንፈስ ቅዱስን ካብ ዘሎ ውህደት ይምንጩ። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።   

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
24 October 2018, 18:55