ድለ

ከም ሕማም ተላገብ ናብ ኩሉ ንዝላባዕ ሕማም ቀዳማይ ቦታ ምሓዝ ፈውሱ መንገዲ ኣገልግሎት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 21 ጥቅምቲ 2018ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለወንጌልን ንመበል 92 ግዜ ዝዝከር ዓለምለኸ ዕለተስብከተወንጌልን ተመርኲሶም ‘መንገዲ ኣገልግሎትን ፍቅርን ብምምራጽ ንሕማም ቀዳማይ ቦታ ናይ ምሓዝ ተቋወሙ’ እንክብሉ ኣስትምሂሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ግጽው ንዕለቱ ዘቅረቦ ወንጌል ማርቆስ 10.35 ኮይኑ ደቂዘብዴዎስ ዝበሃሉ ክልተ ካብቶም 12 ሓዋርያት ንኢየሱስ ኣብቲ ዝመጽእ መንግሥቱ ሓዲኦም ብጸጋሙ ሓዲኦም ድማ ብየማኑ ክቕመጡ ንዝለመንዎ ዘዘንቱ ኮይኑ ንዝሰትዮ ጽዋዕን ንዝጥመቆ ጥምቀትን ክጥመቑ ምዃኖም እምበር ኣብ የማኑን ጸጋሙን ንዝቅመጡስ ድሮ ኣቦኡ ንዝወሰነሎም ከምዝኾነ እንክነግሮም እቶም ዝተረፉ 10 ሓዋርያት ግን ከምዚ ሕቶ ብምሕታቶም ከምዝተቈጡዑሎም ዘመልክት ኮይኑ ጐይታ ግን ‘እቲ ካባኹም ቀዳማይ ክኸውን ዝደሊ ከኣ ናይ ኩሎም ኣገልጋሊ ይኹን ከመይሲ ወድ-ሰብ እውን ኬገልግልን ንሕይወቱ ቤዛ ብዙሓት ምእንቲ ኼወፍን ደአምበር ንኼገልግልዎ ኣይመጽአን’ እንክብል ቁርጹ ንዝነገሮም ፍጻሜ ዘዘንቱ ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዚ ቀዳማይ ቦታ ናይ ምሓዝ ጸገም ከም ብርቱዕ ሕማም ተላገብ እንክገልጽዎ ሎሚ እውን እንተኾነ ንካልኦት እናጐዳእካ ቀዳማይ ቦታ ክትሕዝ ላዕልን ታሕትን ምባል ከምኡ እውን ናይ ሥልጣን መናብር እናሃነጽካን ንዘለዓለም ክትሕዞ ምህቃን እንክረኤ ኣምላኽ ግን ነቲ ዘይጥጡሕን ሥቃይ ዝመልኦን መንገዲ መስቀል እዩ መሪጹ! እዛ መንገዲ እዚኣ ኣጸጋሚት እያ ኮይኑ ግን ነሕዋትናን ኣሓትናን ምናዳ ከኣ ነቶም ዝተሓቱ ንምግልጋል ኣደናቂት መንገዲ እያ፣ ንሰማያት ንእትወስድ መንገዲ ዋና መፍትሕከስ እዚኣ እያ እንክብሉ ገሊጾም።

መንገዲ ኣገልግሎትሲ ነታ ቀዳማይ ቦታታት ሃሰስ ብምባል ንብዙሓት ተጸግም ሕማም ክታበታ ነቶም ብመሳልል ሥልጣን ንላዕሊ ጥራይ ክድይቡ ዝቃለሱ ሓዀርቲ ከኣ መድሓኒት ኣያ። እዚ ቀዳማይ ቦታ ናይ ምሓዝ ሕማም ኣብ ብዙሕ ሰብኣዊ ኣከባቢታት ክመሓላለፍ ይረኤ ወላ ኣብቶም ክርስትያን ኢና ሕዝቢ እግዚአብሔር ኢና ዝብሉ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብቶም ንኸገልግሉ መብጽዓ ዝኣተወ ውሉደ ክህነት ከይተረፈ ትላባዕ ኣላ። እንተኾነ ከም ኣርድእቲ ክርስቶስ ሎሚ ነዚ ቃል ወንጌል ንክንሳሕን መንገዲ ንክንልውጥን ከምዝቀርብ ጻውዒት ገርና ንቀበሎ እሞ ኣብ ናይቶም ዝተሓቱ ኣእጋር ተንበርኪኻና ብፍቅርን ገርህነትን እትገልግል ቤተክርስትያን ብትብዓትን ብልግስን ንመስክር ነዚ ንምግባር ከኣ ንዓለማዊ ኣተሓሳስባ ምኽሓድ የድሊ ኢሎም።

ንዓለማዊ ሓሳብ ምኽሓድ የድሊ!

ቅዱስነቶም ነቲ ንክርስቶስ ንምስዓብ ዓለማዊ ሓሳብ ምኽሓድ የድሊ ዝብል ትምህርቲ ኢየሱስ ባዕሉ ኢየሱስ ከመይ ኢሉ ቀስ ብቀስ ንሓዋርያቱ ከረድኦም ከምዝጽዕር ብምብራህ በዚ ትምህርቲ እዚ ከኣ ካብ ዓላማዊ ሓሳብ ናብ ሓሳብ እግዚአብሔር ከምዝልወጡ ይገብሮም ኢሎም። ነቲ ክልተ ደቂዘበዴዎስ ዘቅረቡሉ ብየማንን ጸጋማን ናይ ምቅማጥ ጉዳይ ከኣ ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚአብሔር ንዘለዎም ሃረርታን ቅንኣትን እናፈለጠ ነቲ ክቅበልዎ ዘለዎም ማለት ነቲ ንሱ ዝሰትዮ ጽዋዕ ምስታይን በቲ ንሱ ዝጥመቆ ጥምቀት ምጥማቅን ማለት ሰማዕትነት ክቕበሉ ምዃኖም ይገልጸሎም። እንተ እቲ ብየማንን ጸጋምን ምቅማጥ ግን ነቶም ዝተወሰነሎም ምዃኑ የብርሃሎም።

“እዚ ኣበሃህላ እዚ ንሕጂ ንዑ ሰዓቡኑ ደሓር ከመይ ገርካ ብመንገዲ ፍቅሪ ንኩሉ ተጥፍእ ክትመሃሩ ኢኹም እንተ ነቲ ሽልማትኩም ሰማያዊ ኣቦ ክሓስበሉ እዩ ዝብል ይመስል። ከመይ መንገዲ ፍቅሪ ንኩሉ ናይ ኣነነት ጉዳይ ኣጥፊእካ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣምር ረሲዕካ ንኣገልግሎት ካልኦት ምውፋር እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ መንበረ ዘውድ ናይዚ ፍቅሪ እቲ ዘይምቹእ መንበረ ዘውድ ናይ መስቀል እዩ።”

እቲ ዘይምቹእ መንበረ ዘውድ ናይ መስቀል እዩ።

ኣብ’ዚ ፍጻሜ እዚ ምናልባት ኣብቶም ክልተ ደቂ ዘበዴዎስ ጥራይ ብምትኳር ናይቶም ዝተረፉ ዓሠርተ ሓዋርያት ጉዳይ ዝዝንጋዕ ይመስል ኮይኑ እቲ ንኣታቶም ዘሕረቆም ጉዳይ ሰማያዊ ነገር ብምሕሳብ ዘይኮነስ ንሶም እውን ልክዕ ከምኦም ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ተዋሒጦም ቀዲሞምና ዝብል መንፈስ ዘለዎ ስለዝነበረ ኢየሱስ ንኩሎም ዝኸውን ትምህርቲ ‘እቲ ካባኹም ቀዳማይ ክኸውን ዝደሊ ከኣ ናይ ኩሎም ኣገልጋሊ ይኹን ከመይሲ ወድ-ሰብ እውን ኬገልግልን ንሕይወቱ ቤዛ ብዙሓት ምእንቲ ኼወፍን ደአምበር ንኼገልግልዎ ኣይመጽአን’ እንክብል ቀዳማይ ክኸውን ዝደሊ ባርያ ናይ ኩሉ ክኸውን ከምዝግባእ ይምህሮም።

“ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከመሓላልፎ ዝደለዮ መልእኽትኸስ ንጹር እዩ። ናይ’ዚ ዓለም እዚ ዓበይትን ገዛእትን ሥልጣኖም ንከደላድሉ መንበረ ዙፋን የሰናድው እግዚአብሔር ግን ዘይምቹእ መንበረ ዙፋይ ይሕብር እዚ መስቀል እዩ። ካብ መንበረ ዙፋን ናይ መስቀል ክትገዝእ እንተኾንካ ሕይወትካ ብምሃብ እዩ ዝግበር። ወድ-ሰብ ከኣ በዚ እዩ ክግልገል ዘይኮነ ከገልግል ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ሕይወቱ ቤዛ ብዙሓት ምእንቲ ከወፊ እዩ ዝመጸ።”

ጸሎት ስለ ልኡካነ ስብከተወንጌል!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ዝዘከርዎ ኣብ ዕለቱ ንመበል 92 ግዜኡ ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለምለኸ ዕለተ ስብከተወንጌል ብምዃኑ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝንበሩ ነጋድያን ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ ነቲ መሪሕ ቃል መልእኽቶም ‘ምስ መንእሰያት ብሓባር ኰና ንወንጌል ኣብ ኩሉ ነባጽሕ’ ብምድጋምን ኣገልግሎትን ተልእኮን ስብከተወንጌል ብጸሎት ክንድግፎ ከምዘሎና ብምዝኽኻርን ኩሎም ብሓባር ስለ እቶም ሕይወቶም ወንጌል ክርስቶስ ንምብሳር ዘወፈዩ ልኡካን ስብከተወንጌል ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ደጊሞም።

“ብዛዕባ ብዙሓት ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ካህናትን ኣቡናትን እንክሓስብ እዞም ሰባት እዚኦም ሕይወት ንስብከተ ወንጌል ብምውፋይ ዓዶምን ሰቦምን ገዲፎም ኣብ ፈቀዶ ኲርናዓት ዓለም ኣለው ነዚኦም ፍቅርናን ምስጋናናን ጸሎትናን ነወፍየሎም ኢሎም።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
21 October 2018, 18:37