ቃለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣብ ቲቩ2000

ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃኑ ንእግዚኣብሔር እሙን ሕዝቢ ምዃን ይሓትት፡ ስለዚህ እቶም ገዛእ ርእሶም ብሉጻት ገይሮም ዝሓስቡ ንዲያብሎስ ምቹእ ስፍራ እያቶም፡

ዕለት 30 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ሰላም ለኪ ኣሞርኵይዞም ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቲቪ2000 እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ኣቢሎም ኣባ ማርኮ ፖዛ ብዘቕርብሎም ቃለ መሕትት መሰረት ወትሩ ሰሉስ ናይ ዝቕረብዎ ኣስተንትኖ ሳልሳይ ፍጻሚ ከምዝቐረበን፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ መደብ ማርያም ስለምንታይ እያ ካብ ኵለን ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ እትበሃል እንክብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ  ቫቲካን

ስለምንታይ ብዘይ ሓጢኣት ዝተወልደት ንዝብል ሕቶ ንጽሕት ብምዃና፡ ብዘይ ሓጢኣት ምዃና ድማ ኣደ ክርስቶስ ንኽትከውን ቀዲማ ዝተሓርየት ብምዃና እዩ ይብሉ፡ ቅዱስነቶም እቲ ብቲቩ 2000ን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ኣብ ዝተዳለወ ኣባ ፖዛ ብዘቕርብዎ ቃለ መሕትታዊ ኣብ ዝምራሕ መደብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ሰላም ለኪ፡ ናብ ዘርኢ ሰብ እግዚኣብሔር ስለ ዘቕረበት ዲያብሎስ ንማርያን እዚዩ እዩ ዝጸልኣ።

ቋንቋ ኣደ

ቅዱስ ኣቦና ምልስ ቢሎም ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘለዎም ፍቕሪ ካብ ስድራ ቤቶም ብፍላይ ከኣ ካብ ኣቦ ሓጐኦምን ኣደ ዓባዮምን ካብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ፒየሞንተ ናብ ኣርጀንቲካ ዝተሰዱ ንሶም ግና ኣብ ኣርጀንቲና ዝተወልዱ እውን እንተነበሩ ኣፎም ዝኸፈቱሉ ቋንቋ እቲ ናይ ፒፐሞንተ ቋንቋ ከምዝነበረ ዘኪሮም፡ ድሕሪኦም ንኡስ ሓዎም ተወሊዱ ስለ ዝነበረ ወለዳቶም ነቲ ንእሽተው ሓዉ ክከናኸኑ ንሶም ብኣቦ ሓጐኦምን ኣደዓባዮምን ይእለዩ ስለ ዝነበሩ ኩሉ ፍቕሪ ማርያም ካብኣቶም ከምዝቐሰሙን ወለዶም እውን ንማርያም ዝነበሮም ፍቕሪ ዓቢይ ከምዝነበረ ገሊጾም፡

ናይ ብሉጻት ሓጢኣት

እቲ ተራ ምንባር ምስ ሕዝቢ ኰይንካ ከም ኵሉ ኴይናክ ምንባር እዩ፡ ስለዚህ መበቆል ከምዘይብልካ ሕዝባውነት ምንባር እቲ ልሙድን ተራን ምንባር እዩ ነሩ፡ ኣብኡ እዩ እቲ ናይ ብሉጻት ሓጢኣት ዝፍጸም፡ ሕዝብነት ክብል እንከለኹ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ማሕበራዊ ድርብታት ማለት ከምዘይኰነ ኣነጺሮም፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ውሳኔኡ ፍቕዱ 12 ከምዝሕብሮ፡ ናይ ብጽሉጻት ቤተ ክርስቲያን ኣባል ክትከውን ዝከኣል እዩ፡ ናይ ሕሩያት፡ ብርግጽ ቤተ ክርስቲያን ቤተ ሕዝበ እግዚኣብሔር እያ፡ ይኹን ደኣ እምበር ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃኑ ንእግዚኣብሔር እሙን ሕዝቢ ምዃን ይሓትት፡ ስለዚህ እቶም ገዛእ ርእሶም ብሉጻት ገይሮም ዝሓስቡ ንዲያብሎስ ምቹእ ስፍራ እያቶም፡

ሰላም ለኪ ዘረእስቱ መጽሓፍ

ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣብ ሰላም ለኪ ርእሰ ጉዳይ ኣሞርክ1ይዞም ዝልግስዎ ዘለዉ ቃለ ኣስተንትኖ ኣብቲ ኣባ ማርኮ ፖዛ ዘቕርቡሎም ቃለ መሕትት ዝተመስረተ ኰይኑ ተሓቲሙ ንናብ ዝበቕዔ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝተመሓላለፈ ሳልሳይ ፍጻሜ ኣስተንትኖ ኣብ ሰላም ለኪ ብጀካ ቅዱስ ኣቦና ተዋሳኢት ክርስቲና ካፖቶንዲን ዳኔላ ማዚቲን እውን ከምእተሳተፋ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቃለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣብ ቲቩ2000
31 October 2018, 16:20