ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ናብ ህንዲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ናብ ህንዲ 

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ናብ ህንዲ

ቅዱስ ኣቦና እቲ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘጋጠመ ናይ ሓደጋ ባቡር ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ሓዘን ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም፡ ነቶም ዝተጐድኡን ንምውታት ኣባይቲ ስድራን ጸሎትም ብምርግጋጽ ኵለ መደያዊ ቅርበቶም ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ህንዲ ግዝኣት ፑንጃብ ከባቢ ኣብ በዓለ ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ዝሳተፉ ዝነበሩ ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ሰዓብቲ ብዝወረዶም ናይ ባቡር ሓደጋ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ህንዲ ግዛኣት ፑንጃብ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣምሪትሳር ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ናይ ሃይማኖትም በዓል ኣብ ዘብዕልሉ ኣብ ዝነበሩሉኣዋን ብዝጋጠመ ናይ ባቡር ሓደጋ ምኽንያት ልዕሊ 60 ዝግመቱ ናይ ሞት ካልኦት ብብዙሓት ዓሰርተታት ዝግመቱ ናይ መቁሰልቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመም ምስ ተሰምዐ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተልግራም ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና እቲ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘጋጠመ ናይ ሓደጋ ባቡር ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ሓዘን ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም፡ ነቶም ዝተጐድኡን ንምውታት ኣባይቲ ስድራን ጸሎትም ብምርግጋጽ ኵለ መደያዊ ቅርበቶም ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይቲ ከባቢ ናይ ሓደጋ መርማሪ ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ዝተኸስተ ናይ ባቡር ሓደጋ ምንቀሊ ንምልላይ መርመራ የካይድ ከምዘሎ ክሕበር እንከሎ ናይ ህንዲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ከቢድን ዘሰንብድን እንክብሉ ገሊጾም፡ ንዝሞቱ ዘለዓለማዊ ዕረፍትን ንዝተሃሰዩ ቅልጡፍ ምፍዋስን ተመንዮም ቅርበቶምን ጸሎትም ከምዘረጋገጹ ካብ ናይ ሕንጺ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ናብ ህንዲ
22 October 2018, 17:25