ድለ

ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቺለ ርእሰ ብሔር ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቺለ ርእሰ ብሔር 

ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቺለ ርእሰ ብሔር

ቅዱስ ኣቦና ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ቺለ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ

ዕለት 13 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ቺለ ርእሰ ብሔር ሰባስቲያን ፒኘራ ኤቸኒኴ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 13 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ብበዓልቲ ቤቶምን ብናይ መንግስቶም ላዕለዎት ኣካላት ተሰንዮን ንዝኣተዉ ናይ ቺለ ርእሰ ብሔር ሰባስቲያን ፒኘራ ኤቸኒኰ ተቐብሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ዘካይድዎ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ሃገረ ቫቲካንን ቺለን ክሌኣዊ ርክባትን ከምኡ እውን ህልው ኩነታት ቺለን ኣብ ሓለዋን ምኽባርን ሕይወትን ብዛዕባ እቲ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ቺለ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን እዚ ዓይነት ከቢድ ጸረ ሰብኣዊ ገበን ከይኽሰት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ጻዕርን ኣብ ልዕሊ እቶም በቲ ገበን ተሓተትቲ ዝዀኑ ዝተወሰደ ስጉምትን ከምእተዘራረቡን ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብሓቂ ንኣኦምን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ ኣግዚኣብሔርን ከቢድ ሓዘን ከምዝስዓበሎም እውን ከምዘረጋገጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ናይ ቺለ ርእሰ ብሔር ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ገላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክምእተራኸቡን፡ ብዛዕባ ክሌኣዊ ርክባትን ኣብ ቺለ ተመሳሳሊ ናይ ወሲብ ዓመጽ ከይኽሰት ብምትሕብባር ኣብ ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ ክምዝዓያን ብተወሳኺ ብሔራውን ዓበቲ ዓለም ለኻውን ጉዳያት ኣማእኪሎም ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምዘካየዱ ኣፍሊጡ። 

ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቺለ ርእሰ ብሔር
13 October 2018, 18:02