2018.09.26 ኣስተምህሮ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ 2018.09.26 ኣስተምህሮ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ 

ብዘይ እቲ ካብ እግዚአብሔር ዝመጽእ ፍቅሪ ነጻነት በይኑ ንሕይወት ትርጉም ኣይህብን! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ! ‘እግዚኣብሔር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፣ ከም ሓለምቲ ነበርና። ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ፣ መልሓስናውን ብእልልታ መልኤ። ሽዑ ኣህዛብ፣ ነዚኣቶም እግዚኣብሔር ዓብዪ ግብሪ ገይሩሎም፣ ተባሃሀሉ። እግዚኣብሔር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና፣ ንሕናውን ተሐጐስና። ዎ እግዚኣብሔር፣ ከም ንወሓይዝ ደቡብ ጌርካ ንምሩኻትና ምለሶም። ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ። ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፣ እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።’ መዝ 126

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ዝሓለፋ ዕለታት ኣብ ሊትዋንያን ላቲቭያን ኤስቶንያን ብምኽንያት መበል ሚእቲ ዓመት ዝኽሪ ናጽነትን ሓዋርያዊ ጒዕዞ ፈጺመ። ኣብ`ዚ ሚእቲ ዓመት እዘን ሃገራት እዚ ፍርቁ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእታት ቅድም ናዚ ጀርመን ደሓር ከኣ ዕብለላ ሶቭየት ሕብረት ነበራ። ብዙሕ ዝተሳቀየ ሕዝቢ እዩ! በዚ ከኣ ጐይታ ብፍሉይ ሕርየት ይምልከቶም ነሩ፣ ብዛዕባ’ዚ ርግጸኛ እየ። ናይ ሠለስቲኤን ሃገራት ፕረሲደንቲታትን ሲቪላውያን ሰበሥልጣንን ስለ እቲ ዘቅረቡለይ ድሙቕ ኣቀባብላ ብልቢ አመስግኖም፣ እዚ ዓቢ ፍጻሜ ቤተክርስትያን ክውን ንክኸውን ዘሰናደው ጳጳሳትን ኩሎም ምሳኦም ዝተሓባበሩን እውን አመስግን።

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ናይቶም ቅድመይ ዝበጽሑ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ እንክነጻጸር ብዙሕ ፍልልይ ነርዎ፣ ከመይ ናተይ ተልእኮ ነቲ ሕዝቢ እቲ ዳግም ናይ ወንጌል ታሕጓስን ናይ ምሕረትን ርሕራሔር እግዚአብሔር ሱር ነቀል ለውጢ ንምብሳር እንክኸውን ነጻነት ጥራይ በይኑ  ብዘይፍቅሪ ብዘይ እቲ ወትሩ ካብ እግዚብሔር ዝመጽእ ፍቅሪ ምልኣት ሕይወት ክህብ ስለዘይክእል እዩ። እቲ ኣብ ግዜ ዓቢ ፈተነ ሕይወት ሓይሊ ዝህብን ንቃልሲ ነጻነት ዘበራብርን ወንጌል ኣብ ግዜ ነጻነት ኣብ ዕለታዊ ጒዕዞ ደቂሰባት ኣብ ሥድራቤታቶም ኣብ ማሕበረሰብን ወንጌል ንሕይወት ጣዕሚ ዝህብን ብላንጋላንጋነትን ንኣይ ይጥዓመንን ከይምረዙ ዝሕሉን እዩ።

ኣብ ሊትዋንያ ካቶሊካውያን ኣብዝሓ ኮይኖም ኣብ ላትቭያን ኤስቶንያን ግን ሉተራውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ይበዝሑ ኮይኑ ግን ብዙሓት ካብ ሕይወት እምነት ርሒቆም ይርከቡ። ስለዚኸስ ነቲ ድሮ ኣብ ግዜ ስደትን መከራን ጀሚሩ ዝነበረ ኣብ መንጎ ኩሎም ክርስትያን ንዘሎ ውህደት ምድንፋዕ እቲ ዝዓበየ ግድል እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ናይዚ ጒዕዞ እዚ ሕመረት ኤኩመኒካዊ ወይ ሓደነት ክርስትያናዊ ኣንፈት ነርዎ። ኣብ ከተማ ሪጋን ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ታሊን ኣብ ዝገበርናይ ናይ ሕብረት ክርስትያን ወይ ኢኩመኒካዊ ናይ ጸሎት ግዝያት እዚ ግድል እዚ ፍታሕ ረኺቡ ክንብል ንኽእል።

ንመራሕቲ ሠለስቲኤን ሃገራት ኣብ ዘመሓላለፍክዎ መልእኽታት እዘን ሃገራት እዚኤን ንማሕበረ ሃገራት ፍልይ ብዝበለ ከኣ ንኤውሮጳ ከበርክታኦ ኣብ ዝኽእላ ነገራት ኣተኲረ ነቲ ብብዙሕ ፈተነ ዝሓለፈ ሰብኣውን ማሕበረሰባውን ክብርታት ከበርክቱ ከምዝኽእላ ገሊጸ። ኣብ መንጎ ወለዶታት ናይተን ዓድታት ማለት ኣብ መንጎ መንእሰያትን ሽማግለታትን  ንዘሎ ዘተ ኣተባቢዔ ምኽንያቱ ከኣ መንእሰያት ነቲ ሱር መሠረቶም ዝሓዙ ሽማግለታት ብምውሳእ ነቲ ዘለውዎ ግዜን ንመጻኢኦምን ከልምዑን ከፍርዩን ይኽእሉ። ነቲ ዘለዎም ነጻነት ከኣ ኣብ ልማድ ናይተን ሃገራት ተመስሪቶም ምስ ምድግጋፍን ምቅብባልን ከወሃህድዎ ተማሕጺነ።

ምስ መንእሰያትን ምስ ሽማገለታትን ንምርኻብ ክልተ ፍሉያት ርክባት ኣካዪደ! ምስ መንእሰያት ኣብ ቪልንዩስ ሊታዋንያ እንክራኸብ ምስ ሽማግለታት ከኣ ኣብ ከተማ ሪጋ ላቲቭያ ኣካዪደ። ኣብታ ብመንእሰያት ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን መሊኣ ዝነበረት ቅርዓት ቪልንዩስ እታ ንሓውጾተ ኖልዎ ሊትዋንያ መሪሕ ቃል ክትከውን ዝመረጽናያ ‘ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና’ ዝብላ ቃላት ይጋዋሓ ነረን። እቲ ዘቅረብዎ ምስክርነታት ንጽባቄ ናይቲ ዝቀረበ ጸሎታትን መዛሙርን እንክገልጽ ጸሎትን መዝሙርን ከኣ ንነፍስና ንእግዚአብሔር ከምዝከፍት ርኢና። ንካልኦት ኣብ ምግልጋል ዘሎ ታሕጓስ ከኣ ካብቲ ንኣይ ኣነ ዝብል ኣምር ውጽእ ኢልካ ብሓባር ንክትጐዓዝን ድሕሪ ብዙሕ ውድቀት ክትንሥእ ምኽኣልን ይምስክር። ኣብ ላትቫይ ምስ ሽማግለታት ኣብ ዝገበርክዎ ርክብ ኣብ መንጎ ትዕግሥትን ተስፋን ንዘሎ ጥቡቅ ርክብ ብሰፊሑ ተንቲነ። እቶም ብብርቱዕ ፈተና ዝሰገሩ ሽማግለታት ናይ ሓደ ሕዝቢ ሱር መሠረት ኮይኖም ብጸጋ እግዚአብሔር ክንዕቅቦም ኣሎና ከመይ እቶም ሓደስቲ ፍርያት ወለዶ ካብኦም ብምቅላብ ክዕምብቡን ፍረ ክፍርዩን ይኽእሉ። ንናይ ሎሚ ሽማግለታት ዘጋጥም ግድልከስ ካብ ውሳጣዊ ደርቂ ርሒቅካ ልብኻን ኣእምሮኻን ክፉትን ብለውሃት ዝመልአን ምግባር እንክኾን ነዚ ከኣ በታ ኣብ ጸሎትን ኣብ ምስማዕ ቃል ኣምላኽን እትርከብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምንጪ ሕይወት ብምቅላሳ ሕያው ትገብራ።

ንካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ሊትዋንያ እንክራኸብ ብዛዕባ ተስፋን ጽንዓትን ንእግዚአብሔር ማእከል ሕይወትካ ምግባርን ኣብ ፍቅሪ ምምሥራትን ዝብላ ሓሳባት ካብ መሠረቱ ገሊጸ። ኣብዚ ዓዲ ብዙሓት ዝሸምገሉ ካህናት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ክንደ ዓቢይ ምስክርነታት ሂቦም እዮም። ብዙሕ ውርደት ተጻዊሮም ክንደይ ማእሰርትን ስደትን ምርኮን ኣሕሊፎም ኮይኑ ግን ወትሩ ኣብ እምነቶም ጸንዑ። ነዚ ከይርስዑ ሓደራ ኢለዮም፣ ንዝኽሪ ሰማዕታቶም ክዕቅቡን ኣብነታቶም ክስዕቡን ተማሕጺነዮም።

ብዛዕባ ዝኽሪ እንክንዛረብ ኣብ ቪልንዩስ ቅድሚ 75 ዓመት ዝተዓጽወ ኣብ ልዕሊ ዕብራውያን ኣብቲ ናይ ሕልቂት መዳጐኒ ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዕብራውያን ናይ ሞት ቦታ ዝነበረ ከይደ ስለኦም ጸሊየ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ነቲ ጎበጣን ዝተኻየድ ቃልሲ ነጻነትን ንምዝካር ዘቈሙዎ ቤተመዘክ ጐበጣን ቃልሲ ነጻነትን እውን ከይደ ጸልየ፣ ኣብቲ እቶም እሱራት ዝሳቀዩሉን ዝሞቱሉን ዝነበሩ ክፍልታት ኣትየ ጸልየ። ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ልዕሊ ኣርባዓ ዝኾኑ ሰባት ይቀትሉ ነሮም። ጭካኔ ወዲሰብ ክሳብ ክንደይ ክበጽሕ ከምዝኽእል ምርኣይ ብሓቂ ሕንቅንቅ ዘብል እዩ። ሕስብ እሞ ኣብልዎ! ኣይንረሰዓዮ።

ዓመታት ይሓልፍ ገዛእቲ ይሓልፉ ኣብ ኣፋፈት ከተማ ቪልንዩስ ግን ኮከበ ጽባሕ እመ ምሕረት ሕዝባ ወትሩ ትጓሲ ነዚ ከኣ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ቊ.68 ዝብሎ ‘ከም ጽንዕቲ ምልክት ተስፋን ምጽንናዕን` ኮይና ድንግል ማርያም ንሕዝቢ ሊትዋና ትሕሉ።

ሕያው ምልክት ወንጌል ጭቡጥ ምልክት ምግባረ ሠናይ እዩ። ኣብቲ ዓለማውነት ሳዕሪርሉ ዘሎ ቦታታት ከይተረፈ እውን እግዚአብሔር ብቋንቋ ፍቅሪ ብቋንቋ ሓልዮት ብቋንቋ ነጻ ኣገልግሎት ንጽጉማት ብምውፋይ ይዛረብ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ሠናይ ተግባር ልቢ ብዙሓት ይኽፈት ተኣምራት ይፍጸም ኣብ ምድረ በዳ ሓዲስ ሕይወት ይዕምብብ።

ኣብ ከተማ ካውናስ ሃገር ሊትዋንያ ኣብ ከተማ ኣግሎና ሃገር ላቲቫይ ኣብ ከተማ ታሊን ሃገረ ኤስቶንያ ኣብ ዘዕረግክወን መሥዋዕተ ቅዳሴታት  ቅዱስ ሕዝቢ እግዚአብሔር ብእግዚአብሔር ዝኣምን ሕዝቢ ነቲ ቀደም ቀደም ‘ኣሜን እሺ ሕራይ ንተስፋና ዝኾነ ክርስቶስ’ ክብል ዝኣተዎ ቃል እንደገና ምስ ድንግል ማርያም ኮይኑ ኣሓዲስዎ፣ እዛ ኣዲኦም ኮይና ወትሩ እትሕልዎም ኣደ ብፍላይ ኣብ ብርቱዕ ሥቃይ ንዝርከቡ ደቃ ከምቲ ሕሩይ ሕዝቢ ክህነታውን ቅዱስን ሕዝቢ እግዚአብሔር ብጸጋ ጥምቀት ንልቢ እግዚአብሔር ዳግም የበራብር። ስለ እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝኾኑ ኣብ ሊትዋንያን ላቲቭያን ኤስቶንያን ዝርከቡ ንጸሊ። እግዚብሔር ይሃበለይ። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
26 September 2018, 17:28