ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ኮሎምቢያ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኮም ሎሚ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ሃገረ ኮሎምቢያ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ከምዝነበሩ እንክዝከር፡ ምልስ ቢልና ነቲ ኣብ ኮሎምያ ርእሰ ከተማ ቦጐታን ከተማታት ቪላቪሰንሲዮን መደሊንን ካርተገናን ዝፈጸምዎ ምብጻሕ ንመልከት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

“ኮሎምቢያ እቲ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ልብኺ ክፈትን ንዕርቂ ገዛእ ርእስኺ ፍቐድን” ዝብል ተልእዀ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኮሎምቢያ ኣብ ዝፈጸመዎ መበል 20 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ብሓደራ ከምዝሃቡ ይዝከር፡ ናይቲ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 11 መስከረም 2017 ዓ.ም. ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት መሰረት ናይ ኮሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም. ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ኮሎምቢያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ዝሃብዎ ቃለ ምዕዳንን ኣስተምህሮን ዝለገስዎ ስብከታት ዘስተንትን ዝተፈላለዩ መደባት ክካየድ ከምዝወሰነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ግርጭት በሰላ

ኮሎምቢያ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ መንጐ ናይ መንግስቲ ወትሃደራትን ዕጡቕ ሓይሊ ሶውራዊ ግንባር ኮሎምቢያን ካልኦት ናይ ኮሎምቢያ ሕዝባዊ ሓርነትን ዝርከብዎ ዝተፈላለዩ ነኣሽቱ ዕጡቓት ሓይልታት ዘዋስኤ ውግእ ዝተኻየደላ ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ቅድስ ኣቦና ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ኣብ ከተማ ቪላቪንቸንሲዮን መደብ ጸሎት ንክርስቶስ ዘቦኻቫን ዓውደ ጉባኤ ሓገራዊ ዕርቅን ክካየድ ምግባሮም ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፡ ኣብ ቦኻቫ መደብ ናይ ሰላም ጸሎት ንኽካየድ ዝተሓረየሉ ምኽንያት እውን እቲ ኣብቲ ስፍራ ኣብ 2002 ዓ.ም. ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ብምንባሩ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቦኻቫ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ናይቲ ናይ ዝተፈላለዩ በቲ ዝተኻየደ ውግእ ንዝተፈላለያ ናይ ኣካልን ንብረትን መጉዳእቲ ዝተዳርጉ ዜጋታት ዝሃብዎ ቃል ምስክርነት ሰሚዖምን ንኹላትኩም ኣብ ሕቝፎይ እንብረኩምን ምሳኹም ሓቢረ እውን እነብዕን ብሓባር ክንጽልን ይቕረ ክንበሃሃልን ናብ ናይ እምነን ተስፋን መጻኢ ሓቢርና ከነቕንዕ እምነይ፡ ናይ ኵሉ ፍጻኤ ጽልእ ኣይኰነን፡ ሓቂ መዳርግቲ ዘይብላ ናይ ፍትሕን ምሕረትን መሰነይታ እያ፡ ቢሎም እቲ በቲ ዝተኻየደ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ዝተሃሰየ ኵሉ ክፍወስ ድማ ኣብ ቅድሚ ስቑል ኢየሱስ ምእንቲ ሃገራዊ ዕርቂ ጸለዩ፡ እቲ ናይቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል ቀዳማይ ስጉምቲ ካባይ ዝብል ምንባሩ እንክዝከር፡ ገና ኣብ ርእሰ ከተማ ቦጎታ ምስ ኣተዉ ንሰበ ስልጣናትን መንግስትን ኮሎምቢያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረን ደሓር እውን ንመንእሰያት ድዩ ንብፁዓን ጳጳሳት ኰሎምቢያን ኣብ ቦሊቫር ኣደባባይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት እውን፥ ድላይን ድልያ ሰላምን ቀጻሊ ዕዮ እዩ፡ ደውታ ዘይፈጥ ጻዕሪ እዩ፡ ናይ ኵሉ ሕርኵት ጻዕርን ተሳታፍነትን ይሓትት እንክብሉ ተንቲኖም ኣብ ከይዲ ሰላም ስጉምቲ ካባይ ይበገስ ንበል ከምዝበሉን ንናይ ካሪቢያንን መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ፈጻሚ ኣካል ተቐቢሎም እውን ናይ ተስፋ ክዋኔታት ኩሉ ኣቃልቦ ክግበረሉ እውን ከምዘተሓሳሰቡ ይዝከር።

ፍቕርን ምሕረትን

ኣብ ቪላቪሰንሲዮ በቲ ገዛእ ርእሱ ሕዝባዊ ሓርነትን ኮሎምቢያ ዝጽዋዕ ኣብ 1989 ዓ.ም. ዝተቐትሉ ናይ ኣራዉካ ሰበኻ ጳጳስ ንኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኸሱስ ኤሚሊዮ ኻራሚሎ ሞንሳልቨን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ነጻውያንን ዓቃቢያንን ኣብ ዝተኻየደ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ፐድሮ ማሪያ ራሜዝ ራሞስን ብፅዕና ንምእዋጅ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ካብቲ ናይ ዓመጽን ቂምን ጨፈቓ ምውጻእ የድሊ ከምዝበሉን ኣብ ከተማ መደሊን እውን ኣብ ዘይጐነጻዊ ቃልስን ዕርቅን ኣብ ሰላምን ዝትርጐም ምንባር ፍቕሪ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ሆጋር ደ ሳን ኾሰ በቲ ናይታ ከተማ ርእሰ ሰበኻ ዝመሓደር መእለዪ ዘኽታማት ዝናበዩ በቲ ኣብታ ሃገር ብዝካየድ ዝነበረ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ወለዳቶም ዝሰኣኑ 300 ሕጻናት ከምእተራኸቡን ኣብ ካርታገና ተረኺቦም ከኣ ከይመሓርካን ንስኻ ይቕረ ከይበልካን ምሕረት ክትሓትትን ይቕረ በለለይ ክትብል ዘይከኣል እዩ እዚ እዩ ኸኣ እቲ ናይ ዓመጽ ሕልኽላዀ ዝበታትኽ ተጋር እዩ ከምዝበሉን ከይመሓርካን ከየፍቀርካን መሓረንን ፍቕርኻ ሃበንን ምባል ኣይከኣልን፡ ማንም ይዅን ማንም ቅርበትን ምሕረትን ዘይግብኦ የሎን ዝብል ሓሳብ ነቲ ዘነቓቕሕዎ ጻውዒት ሰላምን ዕርቅን ዝጸምር እዩ።

ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ኮሎምቢያ
07 September 2018, 10:08