ቫቲካን፡ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ሃገረ ኣልባኒያ ርእሰ ብሔር መታ ቫቲካን፡ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ሃገረ ኣልባኒያ ርእሰ ብሔር መታ 

ቫቲካን፡ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ሃገረ ኣልባኒያ ርእሰ ብሔር መታ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብኽብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ብዓበይቲ ናይ ሃገሮም ሰበ ስልጣናትን ተሰንዮም ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ ኣልባኒያ ርእሰ ብሔር ኢሊር መታ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር መታ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ካሚለሪ ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ራንቸስኮ ዕለት 17 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ኣልባኒያ ርእሰ ብሔር ኢሊር መታን ተቐቢሎም፡ ብዛዕባ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኣልባኒያን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣልባኒያን ብዛዕባ መንእሰያትን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ኣልባኒያ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባል ናብ ምዃን እተሳልጦ ዘላ ከይድታትን ብዛዕባ ከባቢ ባልካን ሃገራት ኣብ ዝብሉ ነጥባታት ከምእተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብኽብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ብዓበይቲ ናይ ሃገሮም ሰበ ስልጣናትን ተሰንዮም ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ ኣልባኒያ ርእሰ ብሔር ኢሊር መታ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር መታ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ካሚለሪ ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሓበረ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኣልባኒያን ዘሎ ርክብ እወታዊ ምዃኑን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣልባኒያ እተበርክቶ ዘላ ማሕበራውን ሰብኣውን ሕንጸት ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣበርክቶኣ ልዑል ምዃኑ ርእሰ ብሔር መታ ዓቢይ ኣፍልጦ ከምዝሃቡሉን፡ ነዚ ስዒቡ እውን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ባህልታትን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሳለጡ ዘለዉ ህርኩት ጻዕርታትን ዝብሉ ነጥብታት ዘጠቓለለን ኣብ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ናይ ሓባር ጥቕሚ ከምእተመያየጡን፡ ኣልባኒያ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምሉእ ኣባል ንምዃን እተሳልጦ ዘላ ከይድታትን ፍሉይ ኣተኵሮ ኣብ ኩነታት ዞባ ባልካንን ዓለም ለኻዊ ሕቶታትን ዘጠቓለለ ምይይጥ እውን ከምእተኻየደ ኣፍሊጡ።

ታሪኻዊ ኵነት

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ብሔር ኢሊር መታ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ንኣኦም ጥራሕ ዘይኰነስ ንመላ ስድራ ቤቶምን ንሃገሮምን ሕዝቦምን ታሪኻዊ ኵነት እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድክዎ ርክብ ልባዊ ምቅርራብ ዝተራእየሉን ምሕዝነት ዝዓሰሎን ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም። ቅዱስነቶም ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ኣልባኒያ ዘካየድዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ ወትሩ ዝዝከር ኩነት ምዃኑን ዓቢይ ምልክታ እውን ዝሓደገ እዩ፡ ቅዱስነቶም ንሃገረ ኣልባኒያ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ሓደ ጋዜጠይና ስለምታይ ኣልባኒያ መሪጽኩም እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ እንክምልሱ ምልክት ንምሃብ እዩ ዝብል መልሲ እዮም ሂቦም፡ እቲ ምልክታ ብሓቂ ክውን ገይሮምዎ እዮም፡ ነቲ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ንምዃን ዝደልይ ሕዝቢ ኣልባኒያ ዓቢይ ምልክታ እዩ፡ ኣልባኒያ ኣብቲ ሃገራት ኤውሮጳ ብሓባር ዝጥርንፉ ዕሴታት ንቕድሚት ክትስጉም ዝበልዎ ሓደራን ዝሃብዎ ምትብባዕን ኣብታ ሃገር ዓቢይ ተስፋ ዘንበረ እዩ ኢሎም።

ቆላሕታ ንመንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን

ቅዱስነቶም ንመንእሰያት ቆላሕታ ግበሩ እንክብሉ ብሓደራ መልክዕ ሓቲቶምና እዮም። መንእሰያት ካብ ስደት ንኽላቐቑ መታን ንናይ መንእሰያት መጻኢ መዋዕለ ንዋይ ምውፋር ከምዘድልን ነቲ ናይ ሕብረተሰብ ማእከል ዝዀነ ኣባይቲ ስድራ እውን ኣተኩሮ ክግበርን ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ኣብ ኣልባኒያ ዘሎ ውዕዉዕ ህብረ ሃይማኖታውን ባህልን ኣብ መንጐ ዝተፈላለይ ሃገራትን ዘተ ክቕጽል ከምዘለዎ ዘተሓሳብ ምዕዶ እውን ከምዝለገሱ የዘኻኽሩ።

ጽኑዕ ምትእስሳር ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ብወገነይ ይብሉ ናይ ረፓብሊካዊት ኣልባኒያ ርእሰ ብሔር፥ ቅዱስነቶም ንኣልባኒይ ዝገበርዎን ዝገብርዎ ዘለዉን ሰናይ ኩሉ ብቐረባ ከምዘመስገንዎምን፡ ወትሩ እውን ዝዝክርዎ ውዕለታ እዩ፡ ነታ ናይ ሰማዕታት ሃገር ብምልካዊ ስርዓተ ዴስነት ዝወረዳ ስቓይን መከራን  ዝተዳረገት ሃገረ ኣልባኒያ ትዕድልታ ብዙሕ ዘገድሶምን ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ተረዛን ናይ 38 ሰማዕታት ኣልባኒያ ኣዋጅ ብፅዕናን ስሜት ብፁዕ ካርዲናል ሲሞኒን ካልኦት ሓደስቲ ብፁዓን ጳጳሳትን፡ ኮሶቫ ናብ ሰበኻነት ክብ ምባልን እዚ ዅሉ ቅዱስ ኣቦና ዝገበርዎ ፍጻሜታት ኣልባኒያ ኣብ ልቦም ከምዘላ እዩ ዘረጋግጽ ኢሎም።

ናብ ኤውሮጳ፥ ናይ ስካንደርበግ ገምሪ

ኣልባኒያ ምስ ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ክሌኣዊ ርክብ ብርቱዕ ክኸውን ብመንግስቶም ዝግበር ኵሉ ጻዕሪ ኣዚዩ ከምዘሕጉሶምን እዚ ርክብን’ዚ ኣብ ብሉጽ ናይ ሓባር መጻኢ ሕንጸት ዘተኰረ እዩ፡ እቲ ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ዓቢይ ኣበው ኣልባኒያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጐርጐርዮ ካስትሪኦታ ስካንደርበርግ ዝነበሮ ገምሪ ሎሚ ኣልባኒያ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባል ንምዃን ንእተካይዶ ጻዕሪ መሰረት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ቫቲካን፡ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ሃገረ ኣልባኒያ ርእሰ ብሔር መታ
18 September 2018, 16:23