ድለ

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ካቶሊክ ምእመናን ቻይና መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ካቶሊክ ምእመናን ቻይና 

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ካቶሊክ ምእመናን ቻይና

እቲ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊክ ቻይናን ምእንቲ ናይ ምእመናን ካቶሊክ ቻይና ረብሓን ንመላእ ማሕበረሰብ ቻይናን ስኒት ዝድግፍ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ቻይናን እወታዊ ምትሕብባር ዘተባብዕ ምዃኑ ይግለጽ።

እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊክ ቻይናን ዝተበጽሔ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣሰር ዝገበረ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቻይና እቲ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝፈጠሮ ኣቝሳል ንምፍዋስ ዝሕግዝ ንመላእ ካቶሊክውያን ቻይና ዘዋህድን ብስራተ ወንጌል ዳግም ዘበግስ ሓድሽ ምዕርፋ ዝኸፍት ክኸውን ዝብል ተስፋ ዝተነብሮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ሕውነታዊ ትብዓት ዝብል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊክ ቻይና ዝተበጽሔ ግዚያዊ ናይ ሓባር ስምምዕ መሰረት ገይሮም ንካቶሊካውያን ቻይናን ንመላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መልእኽቲ ከመሓላልፉ ምዃኖም ዕለት 26 መስከረም 2018 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ባዕሎም ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክፍለጥ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ብዛዕባ ስያሜን ስሜትን ብፁዓን ጳጳሳት ዝምልከት ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ፐኪንግ ብኽልቴኣተን ሃገራት ዝተኸተመ እቲ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣማእኪሎም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ዕለት 26 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔን፡ እቲ ስምምዕ ምእንቲ ናይ ምእመናን ካቶሊክ ቻይና ረብሓን ንመላእ ማሕበረሰብ ቻይናን ስኒት ዝድግፍ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ቻይናን እወታዊ ምትሕብባር ዘተባብዕ ምዃኑ ይግለጽ። በዚ መሰረት’ዚ ቅዱስነቶም ኣብ ቻይና እቲ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝፈጠሮ ኣቝሳል ንምፍዋስን ናይ ኵሎም ካቶሊካውያን ቻይና ሱታፌ ዳግም ንምርግጋጽን ኣብ ካቶሊካውያን ቻይና ምሉእ ሱታፌ ክዕቀብን ዝሕግዝን ዳግማይ ብስራተ ወንጌል ብዝተሓደሰ ህርኩት ጻዕሪ ዘበግስ ሓድሽ ምዕርፋ ዝኸፍት ክኸውን ዝብል ለበዋ ዘንበርሉ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ክቡራት ኣሓተይን ኣሓተይን፡ ዓቢይ ዕዮ እዩ ዝጽበየና! እዚ ዕዮ’ዚ ኸኣ ነሕዋትናብ ኣሓትናን ቻይናውያን ብውዕዉዕ ጸሎትን ብሕውነታዊ ምሕዝነትን ከነሰንዮም ጽዉዓት ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡ በይኖም ከምዘይኰኑ ይፈልጡ እያቶም፡ መላእ ቤተ ክርስቲያን ስሌኦምን ምእንታኦምን ትጽልይ፡ ንመላእ ሕዝቢ ቻይና ጸጋ ብልጽግናን ሰላምን ካብ እግዚኣብሔርን እናተማሕጸንና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ተስፋን ጸግዒ ክርስቲያንን ንመላእ ካቶሊካውያን ቻይና ክትባርኽን ክትዕቅብን ልመናና ነቕርብ ኢሎም።

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ካቶሊክ ምእመናን ቻይና
27 September 2018, 16:25