ድለ

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሰበ ስልጣናትን በርገሳዊ ሕብረተሰብን ልኡካነ መንግስታትን ኣብ ሊትዋንያ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሰበ ስልጣናትን በርገሳዊ ሕብረተሰብን ልኡካነ መንግስታትን ኣብ ሊትዋንያ 

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሰበ ስልጣናትን በርገሳዊ ሕብረተሰብን ልኡካነ መንግስታትን ኣብ ሊትዋንያ

ነፍሲ ወከፍ ትውልዲ ናይቲ ዝሓለፈ ቃልስን ክዋኔታቱን ኩሉ ናቱ ገይሩ ክጓዓዝን ተዘክሮ ኣበው ከኽብር ዝተጸውዐ እዩ። … እዚ ኸኣ እቲ ሎሚ ዝንበር ዘሎ ኩነት ዘፍረየ ናይ ስቓይን ኢፍትሓውነትን ኩነት ዝቐረጾ መንፈስ ምዕቃብ የድሊ። ከምቲ ኣብ ሃገራዊ መዝሙርኩም ደቃትኪ ካብ ዝሓለፈ ሓይሊ ክረኽቡ ዝብል ቃል እዚ ሕዝቢ’ዚ ክጸንዕን ክሓንጽን ዘብቀዖ ጽኑዕ መንፈስ ዘለዎ እዩ።

ክብርነትክን ርእሰ ብሔር

ኣባላት መንግስትን ልኡካነ መንግስታትን

ዝተፈላለኹም ሰበ ስልጣናትን

ክቡራትን ክቡራንን

ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 4 መስከረም 1993 ዓ.ም. ኣብ ቪልኒዩስ ተረኺቦም፥ ነቲ ብጽሞና ስለ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምኽባር ውዕዉዕ ምስክርነት ተመክሮ ዝገበረ እክብሉ ናብ ዝገለጽዋ ኣካል ናይ ዞባ ቦልቲክ ሃገረ ሊትዋንያ ክበጽሕ ንዓብይ ሓጎስን ተስፋን ምኽንያት ይዀነኒ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ክብርነትክን ርእሰ ብሔር ስለ እቲ ሰናይን ልባውን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብስምክንን ብስም ሕዝብኽን ዘስማዕኽኖኦ ቃል የቐንየለይ። ብኣኽን ነቲ በራት ኣባይቱኡን ሃገሩን ንዘርሃወለይ ሕዝቢ ሊትዋንያ ከመስግን እፈቱ፡ ፍቕራውን ቅኑዕን ምስጋናይ አቕርብ።

ነቲ ዘካይዶ ዘለኹ ምብጻሕ ሃገርኩም ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ናጽነት ኣብ እተብዕለሉ እዋን ብምዃኑ ፍልዩን ኣገዳስን ይገብሮ።

እቲ ማእለያ ዘይብሉ ፈተናን ስቓይን (ስደትን ምስጓግን ክሳብ ሰማዕትነትን እውን ዘብጸሓኩም) ስምብራት ዝተሰከመ እተብዕልዎ ዘለዅም ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ናጽነትም ኣብ ግዜ ቆም ቢልና ነቲ ሎሚ ከም ሃገር ዘቖመኩም ተመክሮ ከነስተውዕልን እሞ ንቕድሚት ንኽትብሉ ንእዋናዊ ብድሆታት ክትገጥሙን ማንም ንጹል ዘይገብር ዘተን ሓድነትን ክትነብሩ ዘብቅዓኩም መፍትሕ ምርካብ ማለት እዩ፡ … ነፍሲ ወከፍ ትውልዲ ናይቲ ዝሓለፈ ቃልስን ክዋኔታቱን ኩሉ ናቱ ገይሩ ክጓዓዝን ተዘክሮ ኣበው ከኽብር ዝተጸውዐ እዩ። … እዚ ኸኣ እቲ ሎሚ ዝንበር ዘሎ ኩነት ዘፍረየ ናይ ስቓይን ኢፍትሓውነትን ኩነት ዝቐረጾ መንፈስ ምዕቃብ የድሊ። ከምቲ ኣብ ሃገራዊ መዝሙርኩም ደቃትኪ ካብ ዝሓለፈ ሓይሊ ክረኽቡ ዝብል ቃል እዚ ሕዝቢ’ዚ ክጸንዕን ክሓንጽን ዘብቀዖ ጽኑዕ መንፈስ ዘለዎ እዩ።

ከይዲ ታሪኽ ሊትዋንያ ዝተፈላለየ ዓሌትን ሃይማኖት ዘለዎ ህዝቢ ከምእንግድን ክምትቕበልን የረጋግልጸልና ፡ ኵሎም ሊትዋናውያንን ታርታርን ፖላንዳውያንን ሩሲያውያንን በይሎሩሲያን ኡክራይናውያንን ኣርመንን ጀርመናውያንን ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክስውያንን ፕትሮተስታንትን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ኣይሁዳውያን ክኣ ኣብዛ መሬት እዚኣ ዝነብርሉ ባይታ ረኺቦም እዮም። ኵሎም ብሓባር ናይቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ስቓይን መከራን ተቛዲሶም እዮም። … ካብቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ንቕድሚት ዝድርኸኵም ሓይሊ ኣውጽኡ … እዚ ኸኣ እቲ ምዕባይኵም ከም ሃገር ጸቕጢ ንምዃን ዘይኰነስ ምክብባርን እንገዳን ምትሕብባርን ዝብሉ ዕሴታት ዘመንጭወ ሓቀይናን ኣናስር እትነብሩ ዝብቅዕ እዩ።

እንነብረሉ ምክፍፋልን ተጻብኦነትን ዝዘርእ ዘይምርግጋእን ዓመጽን ናይ ካልትኦት ባህሊ ዘጥፍእ ዕዮ ዘተባብዕ ድምጺ ዝስምዓሉ ዓለም ሓቆፍ ኩነት ንስኹም ሊትዋናውያን ብዙሕነት ምእንጋድ ዝብል ቃል ዘለኩም ሃገር ኢኻትኩም። ብዘተን ገዛእ ርእስኻ ብምኽፋትን ቦቕባቕነትን ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን ኤውሮጳ ናይ ሓድነት ድልድል ንኸተቑሙ ዘኽእለኩም ሓይሊ እዩ። … እቲ ኣድልዎን ሰብኣዊ ክብሪ ምኽባር ንውሑዳት ዝብል ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘይጥምት ኩነት ናይ ዝፈጠሮ ስቓይ ዘሕለፈ ሕዝቢ ኢኹም፡ … በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ  ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ፍቕዲ 7. ድልያ ናይ ሓባር ጥቕሚ ስሌኡ ምዕያይ ፍትሕን ፍቕርን ይሓትት [… ] መጠን ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምስ እትተግህ ነቲ ክውን ድላይ ኣብ ኣብ ንምላስ መጠኑ ንዝበለጸ ናይ ሓባር መጻኢ ትዓዪ” … ኵሉ ዓይነት ግጭት ነባሪ መፍትሒ ንኽረክብ ዝግበር ጻዕሪ ጭቡጥ ሰብ ብፍላይ ነቶም ትሑታት ቆላሕታ ክግበር ዝድርኽ እዩ፡ ስለዚህ “ናብቲ ንኹሉ ጻማ ዘውህብ ዓቢይ ዝዀነ ናብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣማዕድዉ” (ወንጌላዊ ሓሴት, ቍ 235 ረኣ)፡

በዚ ምኽንያት’ዚ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ሓይሊ ምግላል ማለት ብፍላይ ንመንእሰያት ቆላሕታ ምግባር ማለት እዩ። ንመጻኢ ጥራሕ ዘይኰነ ንህልው ኩነት እውን። … እዚ እቲ መንእሰይ ክዓብይን ክሰርሕን ማሕበራውነት ኣብ ምህናጽ ዝግበር ከይዲ ቀንዲ ተዋሳኢ ክኸውን ኣብ ህልው ኵነት እናነበረ ንትስፍው መጻኢ ዘማዕድው ክኸውን ዘብቅዖ እዩ። … ብዘይ ጥርጥር እዚ ናይ ተስፋ ፍረ ዘርኢ ከምዝኸውን ኣእምን። …. ናይዚ ሕዝቢ’ዚ መንፈስ እንገዳን ንመጻእተይና ምእንጋድን ንመእሰይን ምእንጋድን ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡን ምእንጋድን ድኻታትን፡ ብሰፊሑ መጻኢ ምእንጋድ ዝብል እዩ።

እዛ ሃገር እዚኣ እቲ ናይ ሱታፌን ተስፋን ድልድላዊት መሬት ናይ ምዃን ጸዋዕታኣ ምሉእ ብምሉእ ክትነበር ሎሚ ከም ቀደም ካብዛ ሰዓት’ዚኣ ኣትሒዘ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕርኵት ጻዕርን ድጋፍን እማኔኽን ከተንብራ አረጋግጸልክን።

ኢሎም።

 

22 September 2018, 18:14