ድለ

ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ርእሰ ብሔር ሊትዋንያ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ርእሰ ብሔር ሊትዋንያ 

ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ርእሰ ብሔር ሊትዋንያ

ካብ ዝክረ በዓላት ኣዚዩ ዘገድስኵም ህዝቢ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ይዅን ደኣ እምበር እዚ ንዓና ንህዝቢ ሊትዋንያ ክቡር ዝኾነ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ናጽነት ቅድስቲ መንበር ካብ ጥንቲ ጀሚራ እትድግፎ ዝነበረት ጉዳይ ብምዃኑ ምሳኡ ምስቲ ነጻነት ሊትዋንያ ዘይብተኽ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ ንገዛእ ርእሱ ኣገዳሲ እዩ።

ቅዱስነትኩም፥ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ክቡር ሰላምታይ አቕርበልኩም

ቅዱስ ኣቦና

ብስም እታ ብመስዋዕትነትን ብተስፋን ህላዌኣ ዘረጋገጸት ሃገር ቅኑዕ ሰላታ አቕርበልኩም

ብቐዳምነት ናብቶም ኣብ መልክኣ ምድረ ዓለም እዚዮም ትሑታትን ናብ ዝዀነ እትብሉ ብምዃንኩም፡ እብዚ ምሳና ምህላውኩም የቐንየለይ ኢለን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ቅዋሜ ሃገር ምኽንያት ሃረር እንብሎ ዝነበርና ምብጻሕኩም ስለ ዝተዓደልና ንዓና ደስ ዘብል ዓቢይ ህያብ እዩ።

ካብ ዝክረ በዓላት ኣዚዩ ዘገድስኵም ህዝቢ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ይዅን ደኣ እምበር እዚ ንዓና ንህዝቢ ሊትዋንያ ክቡር ዝኾነ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ናጽነት ቅድስቲ መንበር ካብ ጥንቲ ጀሚራ እትድግፎ ዝነበረት ጉዳይ ብምዃኑ ምሳኡ ምስቲ ነጻነት ሊትዋንያ ዘይብተኽ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ ንገዛእ ርእሱ ኣገዳሲ እዩ።

ሊትዋንያ ዝኽሪ በዓል ናጽነት ክተብዕል ሓደ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ኣብቲ እዋን በነዲክቶስ መበል 16 መዓልቲ ልትዋንያ እንክብሉ ኣዋጅ ኣመሓላሊፎም መላእ ካቶሊክ ምእመናን ዓለም ብጸሎት ምስ ሊትዋኒያ ክሓብሩ ከምዝገበሩ እውን ዘኪረን፡ ቅድስቲ መንበር ካብቶም ናጽነት ሊትዋንያን ኣፍልጦ ብምሃብን ዝተባብዓን ብዙሓት ሃገራት ቀዳመይቲ እያ፡ … ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ሩሲያ ሓይሊ ምክልኻል ካብ ሊትዋኒያ ድሕሪ ዝወጻሉ ንሽዑ ኣብ ሃገረ ሊትዋንያ ምብጻሕ ኣካይዶም ናይታ ሃገር ኣስተንፍሶ ናጽነት ኣብ ኵሉ ሃገር ክቃላሕ ገይሮም እዮም …

ሊትዋንያ ኣብቲ ጽንኩር በዳሂ እዋን ብዙሓት ዜጋታታ ንስደትን ንምንጻልን ንቤት ማሕቡስን ብዙሓት ኣብ ገድሊ ዕርድታትን ጐዳጉድን ፋሕ ኢሎም ብዝኸፈልዎ መስዋዕትነት እምነቶም ከድሕኑ በቒዖም እዮም። ልዕሊ ን 17 ዓመት ህዝቢ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዜና መዋዕን ብሕቡእ ከሕተምን ክዝርጋሕን ገይሩ እዩ። ሊትዋንያ ስቓያታ ኣብ ምትራኽ ጥራሕ ከይተሓጽረት መጻኢ ብዓቢይ ተስፋ ዘማዕደወት ሃገር እያ፡ ኣብዚ ሕርኩት ትስፍው ጻዕር’ዚ ብፍላይ ንመንእሰያት ኣብ ጮራ ናጽነት ንዝተወልዱን ንዝዓበዩን ዝጠመተ እዩ ነሩ።

ብሓባር ምስቲ ብሩህ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ዓለም ንምርግጋጽ ዝብል ቃለ ምዕዳንኩም ምስ እነበርክቶ ኣስተዋጽዖ ኣጣሚርና ክሳብ እቲ ናይ ምሕረት በሪ ጋህ ኢሉ ዝኽፈት ከነእንግድ ቅሩባት ኢና።

ዕለት 23 መስከረም ዝኽሪ ሕልቂት ሊትዋናውያን ሰዓብቲ ሃይማኖቶ ኣይሁድ ዝበዓለሉ ዕለት እዩ፡ ስለዚህ እቲ ካብዞም ኣሕዋትና ዝተመሃርናዮ ጐዳና ምሕረት ክንዝክር ኢና። ግፍዒ ስርዓት ናዚን ስታሊናውን እንዝክረሉን ብዙሓት ከኣ ንብዙሓት ደቂ ሃገሮም ኣይሁዳውያን ንሰብኣውነት ዓቢይ ክብሪ ብምሃብ ካብ ሕልቂት ዘድሓኑሉ ሰናይ ተግባሮም እንዝክረሉ ዕለት እውን እዩ።

ስለዚህ እዚ ዅሉ ኣብ እንዝክረሉ እዋን ናትኩም ኣብዚ ምርኻብ ዓቢይ ትእምሪ እዩ። እምነትና ዘሕይልን ሓድሽ ውሽጣዊ ሓይሊ ዘበራብርን እዩ፡ ኣብ ውዕዉዕ ልብን ሞሳን ሊትዋናውያን ህልው ኢኹም።

ዓበይቲ ብድሆታት ንኽስገሩን ንቤተ ክርስቲያንን ንነፈሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጡር ቀረባ ንኽንከው ንዘበገስኩምዎ ሰውራ ነመስግነኩም።

ቃልኩም ኣብ ዝዀነ ይኹም ዓይነት መሬት ተስፋ ዘፍርይ ክኸው እምነይ።

ቅዱስነትኩም ኣብ ጉዕዞኹም ጽንዓትን ጥዕናን ብርታዔን እብል!

 

22 September 2018, 18:07