ድለ

Pope Francis Pope Francis  

ቃል ሰላምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናብ ቪልኒዩስ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ ንዘሰነይዎም ጋዜጠይናታት

እዚ ጉዕዞ ሰናይን ጽቡቕን ከምዝኸውን ተስፋይ እዩ፡ ብዙሕ የቐንየለይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሊትዋንያ ንኽጓዓዙ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ንዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ዜና ማዕከናት ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታኦም ቅድሚ ምቕራቦም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ነቶም ጋዜጠይናታት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኸላልዩ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ሓደርኩም፡ እዚ ናብ ሊትዋንያ እተካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ መበል 25 ምዃኑ  ኣዘኻኺሮም፡ ካብቶም ዘሰንይይዎም ልኡካን ጋዜጠይናታት መብዛሕቲኦም ኣብ ካልኦት ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ዘሰንይዎም ምንባሮም እውን ሓቢሮም ቅዱስ ኣቦና ነቶም ጋዜጠይናታት ሓጺር ናይ ሰላምታ ቃል ከምስዑ እዮም ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ብተራኦም፡ ነቶም ልኡካን ጋዜጠይናታት ሓደርኩም ቢሎም ምስኦም ሓቢሮም ኣብቲ ኣብ ልትዋኒያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ስለ ዘሰንይዎም ከኣ ክብረት ይሃበለይ ምስ በሉ፡ ነቲ ዘካይዶዎ ጉዕዞ ብምክትታል ብዘለዎም ሙያ ንሕዝቢ ክሕብሩን ነቶም ፍልዩ ድላይ እውን ንዘለዎም ዘቕርብዎ ሓበሬታ ኵሉ በገልግሎት መንፈስ ከምእትፍጽምዎ እምነተይ እዩ የቐንየለይ፡ እዚ ጉዕዞ ሰናይን ጽቡቕን ከምዝኸውን ተስፋይ እዩ፡ ብዙሕ የቐንየለይ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

22 September 2018, 11:18