ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሃገራት ቦልቲክ፡ ነተን ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፋ ኣቢያተ ክርስቲያን ንምጽናዕ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 22 መስከረም ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገራት ቦልቲክ፥ ሊትዋኒያን ለቶኒያን ኤስቶኒያን ዘካይድዎ መበል 25 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ቅድም ቀዳድም ነታ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ስቓይን መከራን ዘሕለፈት ቤተ ክርስቲያንን ነቶም ብእምነቶም ምኽንያት ከቢድ ስቓይ ንዘሕለፉን ክብርን ምስጋናን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 19 መስከረም 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገራት ቦልቲክ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብሪ ኣሞርኵይዞም ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 22 መስከረም ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገራት ቦልቲክ፥ ሊትዋኒያን ለቶኒያን ኤስቶኒያን ዘካይድዎ መበል 25 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ቅድም ቀዳድም ነታ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ስቓይን መከራን ዘሕለፈት ቤተ ክርስቲያንን ነቶም ብእምነቶም ምኽንያት ከቢድ ስቓይ ንዘሕለፉን ክብርን ምስጋናን ንዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሃገራት ቦልቲክን ምዃኑ ግብረ ቡርከ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣው መግለጺ ሓቢሮም።

ፍልልይ ኣብ ሃገራት ቦልቲክ

ብዙሕ ጊዜ ከምእሓስቦ ሃገራት ቦልቲክ ሓደ ዓይነት ዘይኰናስ ብዙሕ ፍልልይ ዘለወን ሃገራት እያተን፡ ኣሕዋት ሓገራት ክበሃላ ዝከኣል እውን እንተዀነ ኣብ መንጐ ኣሕዋት ዘሎ ፍልልይ ዝንበረን እያተን፡ ሊትዋኒያ ካብ ጠቕላላ ሕዝባ እቲ 80 ሚእታዊ ናይ ካቶሊክ እምነት ሰዓቢ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ለቶኒያ ግና እቲ ዝበዝሐ ህዝባ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ሰዓቢ ክኸውን እንከሎ፡ ሕዝባ ሕንፉጽ ለቶናውን ሩሲያውን እዩ። ኤስቶኒያ 75 ሚእታዊ ሕዝባ ኢሃይማኖተይና እየ ዝብል ኰይኑ፡ እዚ ኤስቶኒያዊ ብድሆ’ዚ ንናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ መገሻ ንዓቢይ ንጽጽር ዘተባብዕ እዩ ምስ በሉ ኣብታ ሃገር 5 ሺሕ ካቶሊክ ምእመን ከምዘሎን እዚ ኸኣ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ናብ ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን ከተብል ከየቋረጹ ንዘቕርብዎ ጻውዒት ዘቃልሕ ምዃኑ ቡርከ ገሊጾም።

ጉዕዞ ኣብ ታሪኽ

ዕለት 23 መስከረም 2018 ዓ.ም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሊቱዋኒያ ኣብ ከተማ ቪልኒዩስ ኣብ ዝርከብ ናይ መግዛእትን ቃልሲ ምእንቲ ነጻነትን ታሪኽ ኣብ ዘዘንትው ቤተ መዘክር ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብኡ ስለ እቶም ንበይኖም ኣብ ዞባ ድኻታት ብዝብል መጸውዕ ተነጺሎም ዝነብሩን ኣደዳ ዝዀኑ ዜታት ጸሎት ከዕርጉ ምዃኖም ቡርከ ገሊጾም፡ እዚ ምብጻሕ’ዚ ኸኣ እቲ ፈላላይ መንደቕ ዝዓነወሉ ምስ ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ዝተተሓሓዘ ምብጻሕ እውን እዩ፡ እቲ ቤተ መዘክር ናይታ ሃገር ሕዝቢ ዝኸፈሎ መስዋዕትነት ዘዘንትው እዩ ምስ በሉ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ቦልቲክ ሃገራት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብተን ሃገራት ዝተፈላለዩ ኢሰብኣዊ በደላት ዝተፈጸመሉ ኣባይቲ ማእሰርቲ እውን ክበጽሑ ከምዝዀኑ ኣፍሊጦም።

ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሃገራት ቦልቲክ፡ ነተን ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፋ ኣቢያተ ክርስቲያን ንምጽንናዕ
21 September 2018, 11:48