ቃል ቅድስ ኣቦና ንመንእሰያት ሊትዋንያ ቃል ቅድስ ኣቦና ንመንእሰያት ሊትዋንያ 

ቃል ቅድስ ኣቦና ንመንእሰያት ሊትዋንያ

ብመጋበርያ እምነት…. ብሰብ … እግዚኣብሔር ናይ ሓደ ሕዝቢ ኣካል ንኽንከውን ጸጋኡ ኣውሓዘልና። ማንም ኣነ ብገዛእ ርእሰይ እየ ዝድሕን ክብል ዝኽእል የሎን፡ ኩላትና ውስጥ ርክባት ዘሎና ኢና፡ …. ንፈተናታት ኣይትንበርከኹ፡ ናይ ካልእ ስቓይ ናትኩም ግበሩ

ስለ ምስክርነትኩም የቐንየለይ! ልክዕ ከም ሓደ ብጻይ ብሓደ ኣብ ሓደ ምእንገዲ ቤት ብዛዕና ናይ ሕይወትን ካልእ ነገራትን እነዕልለሉ ገለ እናወሰድና ብሓባር ኮፍ ኢልና ዝሰማክኹም ዘለኹ ኰይኑ ይስምዓኒ፡ …

ግና ሕይወትኵም ምሕዞ ትያትራዊ ተዋስኦ ኣይኰነን፡ ጭቡጥ ኩነት እዩ … እዚ ኹሉ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጽባቔ ኣብ ታሪኽኩም ብጽሖት እግዚኣብሔር ምልስ ቢልኩም ንኸተንብቡ ዘኽእለና እንተዀነ መን ይፈልጥ … እግዚኣብሔር ወትሩ ኣብ ሕይወትና ዝሓልፍ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ልክዕ ክምዛ ካቴድራል እዚኣ ኣብ ሕይወትኵም መሊስኩም ከተተኻክልዎ ዘይከኣለኩም ዝመስል ክንደይ ዕንወት ኣጋጢምኵም ክኸውን ዝከኣል  እዩ። ኰይኑ ግና ብዙሓት በቲ ዘጋም ዕንወት ተስፋ ከይቆረጹ ዳግም ንኽሓንጽዋ ዝተለዓዓሉ ከምዘለዉ ዅሉ፡ ልክዕ ከምኡ እውን እቲ ናይ ሃገርኵም ናጽነት በቶም ከምኦም ዝኣመሰሉ መስዋዕትነት ብዝከፍሉ ዝተሓንጸ እዩ፡ … ብዓይነ እምነት ብእግዚኣብሔር ንኽንርከብ ዝገበርናሉ ጉዞና ዳግም ኣሕዲስና ንክንጓዓዞ ምጽዋርን ካብ ምውዳቕ ዝተሳእናሉ  ተመክሮታትኩም ከተካፍሉ ኣብዚ ትርከቡ።

ኣብ ሕይወትኵም እቲ ጸጋ ኣግዚኣብሔር ከመይ ቢሉ እዩ ዝበጽሓኵም?

ብመጋበርያ እምነት…. ብሰብ … እግዚኣብሔር ናይ ሓደ ሕዝቢ ኣካል ንኽንከውን ጸጋኡ ኣውሓዘልና። ማንም ኣነ ብገዛእ ርእሰይ እየ ዝድሕን ክብል ዝኽእል የሎን፡ ኩላትና ውስጥ ርክባት ዘሎና ኢና፡ …. ንፈተናታት ኣይትንበርከኹ፡ ናይ ካልእ ስቓይ ናትኩም ግበሩ  እቲ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዝኽሰት ኣባይ እውን ክኽሰት ከምዝክእል ምስትውዓል የድሊ፡ ክንየው ንኣይነትን ኢጐነትን በሉ።

ካብ ምስ ካልኦት ምርኻብን ናይ ካልኦት ጸገም ካብ ምግባር ናብ ዝነቅል ቅድስና ኣማዕድዉ፡ … ኣብ ሃሴትን ድኻምን ዘሎ ጽባቔ ምስትውዓል። ብዙሕ እዋን ክፍሊናይ ሓደ ሕዝቢ ምዃን ምኽንያት ስቓይ ክኸውን ዝክእል እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣናስር ዘይብሎም ኣይኰናን፡ ንሱ እዩ መለለይና።

ናብ ኣግዚኣብሔር ምባል፡ ህልዎተ እግዚኣብሔር ብዝፈላለየ መገዲ ተመክሮና ንግበር፡ ኣብ ስድራ ቤት ኣብ ጸሎት ኣብ መዝሙር፡ ብማህሌት ኣቢልኩም ውሳጤዅም ጽን ትብሉ ካብኡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ወንጌል ንምብሳር ዝድርኸኩም ሓይሊ ትረኽቡ።

ተመክሮታትኩም ንኻልኦት ንኽትድግፉን ዘብቅዓኵም እዩ ክኸውን ዘለዎ። ናይ ካልእ ጸገም ብድኻምነቱ ብዝብል መነጽር ካብ ምንባብ ዘለሉ ባይታን ታሪኹን ምፍላጥ የድሊ፡ ሳእኑ ናትካ ገርና ምጉዓዝ የድሊ።

ኢየሱስ ንምስዓብ ትብዓት ይሃልዅም፡ ንሱ ናይ ሕይወት ምልኣት ትርጉም እዩ። … ሕይወት ናይ ትያትር ተዋስኦ ወይ ከኣ ናይ መጻወቲ ኣቕሓ ነሩ እንተዝኸውን ዝተሓጽረን ካብ ናብ ኰይኑ ምስ ተረፈን፡ ሕይወት ግና ናብ ሕይወት እዩ፡ ክንየው ካብ ናብን እዩ፡ ጉዕዞ እዩ፡ ንኢየሱስ ክትብሉ ኣይትፍርሑ፡ ኢየሱስ ዝህበና ጊዜ ምውዳቕን ምትንሳእን ዘለዎ፡ ማንም ዘይንጸለሉ ብዙሓት መሰናኽል ክፈጥሩ ዝከኣል እዩ ይኹን ደኣ እምበር ሰናይ ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ወትሩ ተዓዋቲ እዩ።

ኢሎም

22 September 2018, 18:48