ር.ሊ.ጳ ኣብ ሊትዋንያ ር.ሊ.ጳ ኣብ ሊትዋንያ 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሊትዋንያ ጒዕዞ ጀሚሮም ኣብ ቪልንዩስ ብሰላም ኣትዮም!

ሎሚ ንግሆ በቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 7.27 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ መበል 25 ዓለምሓቆፍ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ንሃገራት ቦልቲክ ጀሚሮም። እዚ ሓውጾተ ኖልዎ እዚ ብሃገረ ሊትዋንያ ይጅምር ቀጺሎም ናብ ሃገረ ለቶንያ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ሃገረ ኤስቶንያ ክዛዘም እዩ። በቆጻጽራ ሰዓት ሊትዋንያ ኣብ ቪልንዩስ ዝርከብ ዓለምሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ሰዓት 11.30 ኣትዮም። ካብ ሮማ ንቪልንዩስ ኣብ ዝገበርዎ በረራ ነተን ብልዕሊኤን ዝሓለፉ ሃገራት ማለት ሃገረ ጣልያን ክሮኣስያ ሃንጋሪ እስሎቫክያን ፖላንድን መራሕቲ ተለግራማት ጽሒሮም።

አባ መኰንን አማኑኤልን ኣቶ ስምዖን ተስፋሚካኤልን - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ወትሩ ቅድሚ መገሻ ብዝፍጽምዎ ልማድ ኣብታ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ሮማ እትርከብ ባዚሊካ  ቅድስት ድንግል ማርያም ዓቢይ ብምኻድ ረድኤትን ሓለዋን እኖና ድንግል ማርያም ተማሂሊሎም እዮም ነዚ ጉዕዞ እዚ ዝፈለሙ።

እዚ መበል 25 ዓለምለኸ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ቅዱስነቶም ነዘን ሠለስተ ሃገራት ወሲኽካ በትረ ሥልጣን ጒስነት መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ 39 ሃገራት ዓለምና ከምዝበጽሑ የመልክት። ኣብዘን ሃገራት ቦልካን ቅድሚ 25 ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዳርጋ ኣብ ግዜዚ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 20 መስከረም 1993 ዓም በጺሖመን ነሮም።

ካልእ ናይዘን ሃገራት ኣብያተ ክርስትያን ፍሉይ ዝገብረን ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ ናይ ሎሚ ሚእቲ ዓመት ይገብር ነጻነት ዝረኸባ ኮይነን ሎምዘመን መበል ሚእቲ ዓመት ነጻነት ክርስትና እውን ይዝክራ ኣለዋ።

እዛ ሎሚ ሓዋርያዊ ምብጻሖም ዝፍልሙላ ዘለው ሃገረ ሊትዋንያ ሽሕ’ኳ ብ1918 ዓም ነጻነት ክርስትና እንተተኣወጀላ ብ1940 ኣብ ትሕቲ ሶቭየት ሕብረት ካብ 1941-45 ኣብ ትሕቲ ናዚ ጀርመን እንደገና ብ1945 ኣብ ትሕቲ ሕብረት ሶብየት ብዙሕ መከራ ዝረኸበት እያ።

ብዝሒ ሕዝቢ ሃገረ ሊትዋንያ 3.243.000 ኮይኑ 80% ካቶሊካውያን 5%ኦርቶዲክስ ሩስያ 1% ሉተራውያን እዮም። ክልተ መንበረ ሊቀ ጵጵስናን 5 ሰበኻታትን ክልተ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንዝህቡ ዝሓልዩ ክፍልታትን እንክህልዋ ሓንቲ ካብተን መንበረ ሊቀጵጵስና እዛ ሎሚ ቅዱስነቶም ኣትዮማ ዘለው ዋና ከተማ ቪልንዩስ እያ።

ኣብ መዓፎ ነፈርቲ ሊትዋንያ ምስ በጽሑ ፕረሲደንት ሃገረ ሊትዋንያ ወይዘሮ ዳልያ ግሪቦስካይት ተቀቢላቶም። ኣብ ነፋሪት እንክጐዓዙ ወትሩ ከምዝገብርዎ ነቶም ዘሰንይዎም ጋዜጠኛታት ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታ ‘ሽሕ[ኳ ሠለስቲኤን ሃገራት ባልቲክ ዝመሳሰላ እንተኾና ነናተን መንነት ዘለወን ዝተፈላለያ ሃገራት እየን’ እንክብሉ ገሊጾም።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተመልኪቱ ዘሎ ንመራሕቲ ናይተን ብልዕሊኤን ዝሓለፉ ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ተለግራማት ከኣ ሰላምን ቅሳነትን ምዕብልናን ተመንዮም።

ቅዱስነቶም ኣብ ሠለስተ ሪፓብሊካውያን ሃገራት ባልቲክ ንዝገብርዎ ጉዕዞ ብሊትዋንያ ፈሊሞሞ። ካብ ሮማ ሒዛቶም ዝነቀለት ነፋሪት 9 ደቂቅ ኣቀዲማ ሰዓት 10.21 ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ዋና ከተማ ሊትዋንያ ቪልንዩስ ዓሊባ። ካብ ነፋሪት ምስ ወረዱ ሓጺር ናይ ተቅባል ሥርዓት እንክግበር ብፕረሲደንት ሪፓብሊካዊት ሊታውያና ወይዘሮ ዳልያ ግሪቦስካይት ተቅባል ተገሩሎም።

ቃል ሰላምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናብ ቪልኒዩስ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ ንዘሰነይዎም ጋዜጠይናታት

እዚ ጉዕዞ ሰናይን ጽቡቕን ከምዝኸውን ተስፋይ እዩ፡ ብዙሕ የቐንየለይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሊትዋንያ ንኽጓዓዙ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ንዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ዜና ማዕከናት ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታኦም ቅድሚ ምቕራቦም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ነቶም ጋዜጠይናታት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኸላልዩ፡

ቅዱስ ኣቦና ሓደርኩም፡ እዚ ናብ ሊትዋንያ እተካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ መበል 25 ምዃኑ  ኣዘኻኺሮም፡ ካብቶም ዘሰንይይዎም ልኡካን ጋዜጠይናታት መብዛሕቲኦም ኣብ ካልኦት ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ዘሰንይዎም ምንባሮም እውን ሓቢሮም ቅዱስ ኣቦና ነቶም ጋዜጠይናታት ሓጺር ናይ ሰላምታ ቃል ከምስዑ እዮም ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ብተራኦም፡ ነቶም ልኡካን ጋዜጠይናታት ሓደርኩም ቢሎም ምስኦም ሓቢሮም ኣብቲ ኣብ ልትዋኒያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ስለ ዘሰንይዎም ከኣ ክብረት ይሃበለይ ምስ በሉ፡ ነቲ ዘካይዶዎ ጉዕዞ ብምክትታል ብዘለዎም ሙያ ንሕዝቢ ክሕብሩን ነቶም ፍልዩ ድላይ እውን ንዘለዎም ዘቕርብዎ ሓበሬታ ኵሉ በገልግሎት መንፈስ ከምእትፍጽምዎ እምነተይ እዩ የቐንየለይ፡ እዚ ጉዕዞ ሰናይን ጽቡቕን ከምዝኸውን ተስፋይ እዩ፡ ብዙሕ የቐንየለይ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ካብ ነፋሪት ኣብ ዝወረዱሉ ግዜ ክልተ ሕጻናት ሕቋፍ ዕንባባ እንከበርክቱሎም ፕረሲደትን ሃገረ ሊትዋንያ ወይዘሮ ዳልያ ግሪቦስካይት ዝርከብዎም ሰበሥልጣን መንግስትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተቀቢሎምዎም። ሃገራውያን መዛሙር ናይ ቅድስት መንበርን ሃገረ ሊትዋንያን ምስ ተዘመረ ናይ ክብሪ ሰላምታን ክብሪ ባንደራታትን ተገሩ። ብድሕር’ዚ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ልኡኻትን ወከልትን በብሓደ ሰላም ምስ በሉ ብፕረሲደንት ተሰንዮም ኣብ መቀበል ዓበይቲ ኣጋይሽ ኣትዮም።

ካብዚ ብምቅጻል 7,5 ኪሜ ርሒቁ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ቤተመንግሥቲ ቪልንዩስ ብምኻድ ወግዓዊ ምብጻሕ ቤተመንግሥቲ ገሮም ሓባራዊ ስእሊ ተላዒሎም ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ቤተመንግሥቲ ክታሞም ኣንቢሮም ህያባት ተለዋዊጦም።

ብድሕሪዚ ካብ ኣደራሽ ቤተመንግሥቲ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ ምስቶም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ሥበሥልትእን መንግስትን ሲቪላውያን ማሕበረሰባትን ኣካላት ዲፕሎማስን ርክብ ኣካዪዶ።

ፕረሲደንት ሃገረ ሊትዋያና ወይዘሮ ዳልያ ግሪቦስካይት ከምዚ ክብላ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ኣስምዓ።

ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም ስለኩሉ ብምምስጋን ነዚ ዚስዕብ ቃል ሂቦም።

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ካብ ቤተመንግሥቲ ሓደ ኪሎሜትርን ፈረቃን ርሒቁ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይ እንደራሴኦም ማለት ኑንስዮ ኣፖስቶሊኮ ብምኻድ ብግሊ ምሳኦም በሊዖም ኣዕሪፎም።

ኣማስያኡ በቆጻጽራ ሰዓት ቪልንዩስ 16,20 ናብ መካነ ንግደት እመ ምሕረት 4 ኪሌሜትር ኣቢሉ ዝምርሓቑ ከይዶም መንፈሳዊ ንግደት ኣካዪዶም።

ኣብ መካነ ንግደት እመ ምሕረት ፕረሲደንት ሃገረ ሊትዋንያን ኣምባሳደር ቅድስት መንበርን ምስ ር.ሊ.ጳ ሓቢሮም ዝተጓዕዙን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ተረኺቦም። ናይ መባእታ መዝሙር ምስ ተዘመረ ሳልሳይ ናይ ደስታ ምሥጢር ብሓባር ደጊሞም ቅዱስነቶም ነዚ ኣስተምህሮ እዚ ሂቦም።

ኣብኡ ዝተረኽቡ ሕጻናትን ሥድራቤታትን ሓንቲ ክፍሊ መቚጸርያ ብቋንቋ ሊትዋንያ ምስ ጸለዩ ቅዱስነቶም ንቅድስት ድንግል ማርያም ናይ መቁጸርያ ህያብ ገሮም ብመስኮት ተቀልቂሎም ነቶም ኣብ ቅርዓት ዝንበሩ ሕዝቢ ባሪኾም።

ብድሕሪዚ ካብቲ መካነ ንግደት 3 ኪሎሜትር ኣቢሉ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ካተድራል ናይ ቪልንዩስ ብምኻድ ምስ መንእሰያት ተራኺቦም። ናይ መባእታ ጸሎትን ባህላዊ መዛሙርን ምስክርነታት መንእሰያትን ምስ ተዋህበ ቅዱስነቶም ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦ።

ኣብ ፍጻሜ ናይ ቪልይኑስ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ ጂንታራስ ግሩሻስ ንር.ሊ.ጳ ኣመስግኖም ህያብ ምስ ኣቅረቡ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ነቲ ካትደራል ተዘዋዊሮም ብምዕዝብን ንጠበቃታታ ዝኾኑ ቅዱስ እስታኒስላኦን ቅድሱስ ላዲስላኦን ምስ ጸለዩን ናብ ቤተ እንደራሴኦም ብምኻድ ውራይ ድራሮምን ዕርፍቶምን ገበሩ።

መርሓ ግብሮም ከምዘመልክቶ ጽባሕ ንግሆ ናብ ካውናስ እትብሃል ብምኻድ ኣብ ቅርዓት ሳንታኮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ከኣ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልኣከ እግዚብሔር ክገብሩ እዮም። ብድሕሪኡ ኣብ ቤተኩርያ ናይ ካውናስ ምስ ኣቡናት ብሓባር ክምስኡን ኣማስያኡ ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማያትን ተማሃሮ ዘርኣ ክህነትን ክራኸቡ ትጽቢት ይግበር።

22 September 2018, 18:40