ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ርእሰ ብሔር ላትቪያ ንቅዱስ ኣቦና ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ርእሰ ብሔር ላትቪያ ንቅዱስ ኣቦና 

ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ርእሰ ብሔር ላትቪያ ንቅዱስ ኣቦና

ሓደ ብርቱዕ ሃገር ብዘይ ብርቱዕ ኣባይት ስድራ ክሕሰብ ዘይከኣል እዩ። እምነትን ተስፋን ፍቕርን ስድራ ቤት እትህነጸሉ መሰረት እያቶም። ወለድኻ ኣኽብርን ደቕኻ ብፍቕሪ ኣዕብይን ዝብል መንፈስ፡ ኣባይቲ ስድራ ዝምህሮን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝመሓላልፎ ዕሴት እምበር ሓይሊ ሕጊ ዝእዝዞ ኣይኰነን። ፍቕርን ምኽባር እንነብረሉ መሬትን ካብ ስድራ ቤት ኢኻ እትመሃሮ። ስለዚህ እዩ ኸኣ ሕጻናት ብፍቕርን ብመንፈስ ስድራ ቤት ክህነጹ ኣገዳሲ ዝበሃል። ተስፋ ንገብር ኣብ ዝሓጸረ እዋን ላትቪያ መዕበዪ ዘኽታማት ዘይብላ ሃገር ከይና ክንርእያ።

ቅዱስነትኩም

ክቡርነትኩም

ክቡራትን ክቡራንን

ቅዱስነትኩም ነዛ ርስቲ ማርያም ዝዀነት መበል 100 ዓመት ናጽነታ ተብዕል ዘላ ሃገረ ላትቪያ ኣኽቢርኩም ክትበጽሑና ብምምጻእኩም ብትሕትና ምስጋናይ ተቐብሉ እብል። እቲ ኣብ ናይ ሃገረ ላትቪያ ሃገራዊ መዝሙር “እግዚኣብሔር ንላትቪያ ይባርኽ” ዝብል ቃል ሎሚ ተፈጺሙ እብል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ራይሞንድ ቨዮኒስ ቅድሚ 25 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሃገራት ቦልቲክ ዘካይድዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ ናጽነት ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ኣብሪሆም፡ ሕዝቢ ላትቪያ ኣብ ጉዕዞ ደሞክራስን ናብቲ ናይ ሓባር ባይታ ዝዀነ ኤውሮጳ ዳግም ክምለስ ከምዘተባብዑ ጠቒሶም… ሎሚ ቅዱስነትኩም ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ነጻነትን ፍትሕን ንዝብሉ ዕሴታት ክንስዕብ ምብጻሕኩም ንኣባይቲ ስድራን ሕብረተሰብን መንግስትን ኣስተንፍሶን ብርታዔን እዩ ኢሎም።

ሓደ ብርቱዕ ሃገር ብዘይ ብርቱዕ ኣባይት ስድራ ክሕሰብ ዘይከኣል እዩ። እምነትን ተስፋን ፍቕርን ስድራ ቤት እትህነጸሉ መሰረት እያቶም። ወለድኻ ኣኽብርን ደቕኻ ብፍቕሪ ኣዕብይን ዝብል መንፈስ፡ ኣባይቲ ስድራ ዝምህሮን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝመሓላልፎ ዕሴት እምበር ሓይሊ ሕጊ ዝእዝዞ ኣይኰነን። ፍቕርን ምኽባር እንነብረሉ መሬትን ካብ ስድራ ቤት ኢኻ እትመሃሮ። ስለዚህ እዩ ኸኣ ሕጻናት ብፍቕርን ብመንፈስ ስድራ ቤት ክህነጹ ኣገዳሲ ዝበሃል። ተስፋ ንገብር ኣብ ዝሓጸረ እዋን ላትቪያ መዕበዪ ዘኽታማት ዘይብላ ሃገር ከይና ክንርእያ።

ላትቪያ ኣብ ቅልጡፍ ምዕባለ እትርከብ ሃገር እያ፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ምዕባለ’ዚ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ ዘይስምዖ ምዕባለ ክኸውን ዝክኣል እዩ፡ ብዙሓት ብድኽነት ዝሳቐዩ ዜጋታት ኣለዉ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ ብዙሓት ናብ ስደት የቕንዑን ርክባት ምስ ሃገሮም ይበትኩን፡ ኣብ መላእ ዓለም ማሕበራዊ ዘይማዕርነት ክብ ይብል ኣሎ፡ እዚ ንኽንክይን ንኸይህሉን ከኣ ቅኑዕ ማሕበረሰብ ምቕዋም ጥራሕ ዘይኰነስ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝኽተሎ ዘሎ ዕሴታት ብሓፈሻኡ ምልስ ቢሉ ክምርምር ይግብኦ።

ቅዱስነትኩም

እቲ ብጽንዓት እትምስክርዎ ዘለዅም ጐዳና ዘተ ኤውሮጳ ኣብ ብዙህነት ሓድነታውነት ንኽትከውን መሰረት እዩ፡ ናይ ኤውሮጳ ምግምማዕ ስቓይ ጥራሕ ዘስዓበ ምዃኑ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ታሪኽ ዞባ ቦልቲክ የረጋግጾ። … መጻኢና ኣክንዲ ኣብ ውልቃዊ ረብሓን ኢጐነትን፡ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዴሞክራስን ምድግጋፍን ዝጸንዔ ሓድነት እዩ፡ እምነት ናይ ሃገራት ብሔራዊ ፍልልያት የዋህድ። ብሓባር ጥራሕ እዩ ብርቱዓት ኰይና እዋናዊ ዕድላት ንምእንጋድን ብድሆታት ንምስናፍ እንኽእል።

እቲ ቀዳማይን ዓብይንን ብድሆ፥ እቲ ንመላእ ዓለምን ንናይ ሰብ ደጋውን ውስጣውን ኩነት ዕንወት ዘስዕብ ናይ ምልኪ ኣህላኽነት እዩ፡ እዚ ኸኣ ሓፈሻዊ ምርሕሓቕ የስዕብ። ሰብ ኣብ ተፈጥሮ ዘለዎ ማሕታ ብዓውታ ዝስምዓሉን ዝረኣየሉ እዋን እዩ፡ ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ምቅይያራት ዘስዕቦ መጉዳእቲ ብቐረባ ኣብ ባሕረ ቦልቲክ እነስተውዕሎ ዘሎና ዓቢይ ጸገም እዩ። ማሕብራዊ ፍትሒ ዝምልከት ዓቢይ ጸገም ምስ ምቅይያር ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ርግጸይና እየ።

ናይዚ ኵሉ ጸገም መልሱ ከኣ ኣብ ልቢ ሰብኣዊ ፍጥረት ህልው እዩ። ስለዚህ እቲ ናትኩም ምብጻሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍን ንመላ ዓለምን ንእወታዊ ለውጢ ዘበራብር ናይ ብዙሓት ልቢ ዝትንክፍ ከምዝኸውን ርግጸይና እየ! ኢሎም።

ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ርእሰ ብሔር ላትቪያ ንቅዱስ ኣቦና

24 September 2018, 17:09