ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካቴድራል ቅ. ያዕቆብ፥ ናይ ሕዝቢ ሱር ኢኻትኩም፡ ተስፋን ለውሃትን ኣይተጥፍኡ

ናይ ሪጋ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዝቢኘቭ ስታንከቪየስ ንዘቕረቡሎም ናይ እንቋዕ ደሃን መጻእኵም ቃልን ብዛዕና ህልው ኩነታት ዘቕረብሎም ትንተና ኣመስጊቦም፡ …. ኣብዛ ካቴድራል ናይ ቅዱስ ያዕቆብ፥ ጥንታዊት ኣብ 13 ክፍለ ዘመን ዝተሃንጸትን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ውድብ ናይ መላእ ዘርእሲ ሰብ ሃብቲ እንክብል ከምዝኣወጀን ዝፈልጠ ኰይኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ሊቀ ጳጳሳት ስታንስከቪየስ ዘቅረብዎ ጸብጻብ ተበጊሶም ኣብ ሃገረ ላትቪያ ዝተኸፈለ መስዋዕትነት ዘኪሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ናጽነት ባቡር ብዘይ ዝክሪ ባዶ ምዃኑ ዘብርሁ ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብታ ሃገር ዝሓለፈ ውግእን ስደትን ፖለቲካዊ ጸቕጥን ዝተመስከረ ጽንዓት እምነትን፡ ካቴድራል ቅዱስ ያዕቆብ ንናይ ናዚ ስርዓት ብትብዓት ..  እምቢ ናይ ዝበለ ናይታ ሃገር ሕዝቢ ኣብ እምነት ጽንዓት ዝምስክር እዩ።

እቲ ከምዚ ኢሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበጽሔ ናጽነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣረጋውያንን ንበይኖም ኣብ ምሕዳግን ብዙሓት ካብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምውጋድን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ጸገማት ተጥንጢኖም ምርኣይ ነቲ ሓቀይና ናጽነት ዘይምንባር ዝወልድ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ንእግዚኣብሔር ክፉት ዝኸነ ልቢ ኣድላዪ እዩ፡ ስለዚህ ንኹሎም ኣብ እምነትን ክጸንዑን ካብ ትካዘ ብእምነት ገዛእ ርእሶም ክሕልዉን ርህራሄን ተስፋን ከይጥፋእኩም በታ ኣብ መፈለምታን መደምደምንታን ጽንዓት ኣብ እምነት ብዝተፈላለየ መገዲ እትትንትን መልእኽቲ ቅዱስ ያዕቆም ንዅሉ ብትዕግስቲ ብምጻር … ስለ እምነት እቲ ዝተሰግረ ኵሉ ዝሰገርኩም ሕዝብን ናይ መንእሰያትን ሱር ምዃንኩም ከይትርስዑ ሓደራ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካቴድራል ቅ. ያዕቆብ፥ ናይ ሕዝቢ ሱር ኢኻትኩም፡ ተስፋን ለውሃትን ኣይተጥፍኡ
24 September 2018, 18:19