ቃል ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሪጋ ኣብ ዝርከብ ሉተራናዊ ካቴድራል

ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ዘረባ ምስማዖም ሊቀ ጳጳሳት ያኒስ ቫናግስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሃገሮም ኣብ ትሕቲ ኢእግዚኣብሔራዊ ሶቪየታዊ ኣርዑት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ዝነበረቶ ዝጠቐስዎ ከቢድ ናይ ስቓይ ዘመን እናሓሰቡ፡

ቅዱስቦና ኣብ ወንጌላዊት ሉተራን ካተድራል ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ርክብ፥ ናይ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ብእምነቶም ምኽንያት ስደትን ካብኡ ሓሊፉ እውን ሰማዕትነት ኣብ ዝቕበሉ ኣሕዋትና ምስክርነት ጐይታ ወንጌል ብሓሴትን ምስጋናን ብጽንዓትን ንኽንበሮ ዝጽውዓና ምዃና ነስተውዕል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ናይ ወንጌላዊት ሉተራናዊት ቅዱስ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ኣብ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ዘስምዕዎ ቃል፡ ነተን ኣብ ላትቪያ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክስቲያን ኣብ እነንብረሉ ዓለም ናይ ጐይታ ልኡካነ ወንጌል ምዃን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም። ካብ ጠቕላላ ሕዝቢ  ላትቪያ እቲ 80 ሚእታዊ ዝሽፍን ክርስቲያን ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ነቶም ኣብታ ካቴድራል ንዝተረኽቡ ዓሰርተ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ሰላምታኦም ኣቕሪቢምን … ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ምትሕብባርን ምክብባርን ምሕዝነትን ጉዕዞ ክህሉ ሓደራ ቢሎም፡ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስያን ዝንበር ናብ ሓድነት ዝኣመተ ህያው ጉዕዞ ምኽንያት ተስፋን ኣመስግኖን እዩ ኢሎም።

እንኰ መገዲ ሓድነት

ቅድሚ ስቓዩን መስዋዕቱን እታ ናይ ኢየሱስ ጸሎት ናብ ኣቦ፡ መስቀሉን ናይ ብዙሓት ኣሕዋት መስቀል እናማዕደወ ዘቕረቦ ጸሎት፡ ኣሰርን ክንስዕቦ ዝግብኣና መገዲ ሓባሪ እዩ፥

ኣብኡ ጸሎቱን ኣብኡን ኣብ ቤተ ክርስቲያኑን ዘሎና እምነት ወሲጥና፡ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዘለዓለምማዊ ጸጋ ሓድነት እናተመነና እቲ እንኰ ዝዀነ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ተኻኣልነቱ ኣብኡ ኢና እንረኽቦ፡ ኣብ ናይ ብዙሓት መንእሰያትን ኣረጋውያንን መስቀልን ኣብቶም ብዙሕ ግዜ ንምዝመዛን ንትርጉም ኣልቦ ሕይወት ዝቃልዑን ዕድላት ዝተፍነፈጐምን ኣብ ዝተነጸሉን መስቀል ኢና እንረኽቦ። ኢየሱስ ንኣቡኡን ንኣና ኣሕዋቱን እናጠመተ ሓደ ምእንቲ ክዀኑ እንክብል ዘቕርቦ ጸሎት ካብ ምድጋም ኣየቋረጸን።

ጉዕዞ ንሓድነት ናይ ዕለት ዕለት ጻዕሪ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ዘረባ ምስማዖም ሊቀ ጳጳሳት ያኒስ ቫናግስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሃገሮም ኣብ ትሕቲ ኢእግዚኣብሔራዊ ሶቪየታዊ ኣርዑት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ዝነበረቶ ዝጠቐስዎ ከቢድ ናይ ስቓይ ዘመን እናሓሰቡ፡ እታ ኩሎም ዝርከቡላ ካቴድራል እተቑጽሮ ናይ 800 ዓመት ታሪኽ ዘዘንትዎ ታሪኽ ናይ ብዙሓት ክርስቲያን ሕይወት ታሪኽን ናይ ብዙሓት ኣሕዋት ምስክርነት እምነት ዝምስክር እዩ፡ ጸሎትን ኣምልዀን ስግደትን ኣብ ጽንክር ኣዋን ተስፋ ምዕቃብን ነቲ ዘጋጥም ዝነበረ ጾር ኢፍትሓውነትን ስቓይን ኵሉ ንምብዳህ ዘኽኣለኩም ሓይሊ ንምንባር ብዙሕ መስዋዕትነት ዝኸፈለኩም ምዃኑ የነጽር።

እዛ ካቴድራል ንኹልና ብሓባር ጠርኒፋ እቲ ዘሎና ምትእስሳር ክቕጽል ዘኽእል መንፈስ ቅዱስ ጽን እንበሉን ቅዱስ ስፍራ እያ፡ ብዙህነት ምግምማዕ ማለት ኣይኰነን፡ መንፈስ ቅዱስ ብናይ ዘተን ምርድዳእን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ብሕውነታውን ኣጽዋሩ ይኽደነና።

ታሪኽ ክርስትና ናይ ዝሓለፈ ከይኑ ከይተርፍ

… እቲ ኣብዛ ካቴድራል ዝርከብ መንፍሳዊ መጋበርያ ኩሉ ሓደ ካብቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ክርስትና መንነት መግለጺ ከምዝዀነን፡ ናይ ሕዝቢ ላትቪያ ሕይወትን ባህል መንነትን መግለጺ እዩ፡ እቲ ዓብይ ፈተና እምበኣርከስ ክርስትናዊ መንነት ተቐማጢ ወይ ከኣ በጻሒ ክርስቲያን ብምዃን ብዝንበር ሕይወት ከይግለጽ ሓደራ፡ ናይ ቅብእን ኣሳእልን መዘክር ከይኑ ከይተርፍ።

ኣብ መኽፈቲ እዚ መንፈሳዊ ጉባኤና ዝተነበ ወንጌል ከምዝሕብሮ፡ እምነትና ዝኽዘን ዘይኰነስ ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት ሕብረተሰብ ክቃላሕን ክስማዕን እዩ፡ ስለምንታይ ካልኦት ሰሚዖም ጽባቔ እምነት ከስተንትኑን ብብርሃን ክኹልዑን መታን።

ሰለ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብሪ ምግዳል

ወንጌላዊ ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ኰይኑ ዝተርፍን ኣብ ሕይወትና ምስ ዘይዝየም ጥራሕ እዩ፡ እሞ እቲ ከይስማዕን ከይዋዕዋዕን ዝእግዶ ተስፋ ኣልቦ ዝዀነ ኵሉ ዓይነት ጻዕሪ፡ እቲ ናይ ወንጌል ሓሴት እንተድኣ ዘየቃላሕናዮ እቲ ካብ ናይ ወንጌል ሓሴት ዝምጭነው ብቕዓት ምትሕልላይን ምትሕስሳብ ምትእምማንን ምትዕራቕ ዘይብልና ንኸውን ይገብረና።

በይናውነት ደሴታውነት ናይ እዋንና ዓበይቲ ሕማማት

ከምኡ እውን እቲ ሕይወትና ናብ ላዕለዋይ ሰማይ ዘቕንዖ መሰረት ብበይናውነትን ብደሴታውነት ሕይወት ብምንባር ነጥፍኦ፡ እዚ ናይ እዋንና ሕማም፡ እምነት ኣብ ዘይ ምንባርና ንብዙሓት ኣረጋውያንን ኣብ ገዛእ ርእሶም ብምሕዳግን ንበይናውነት ሕማም ነቃልዖምን መንሰያት ብዘይ ዝውከስዎ ዕሴት ነትርፎምን ናይ መጻኢ ዕድላት ነጥፍኣሎም።

ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ውህደት ኣብ ደም

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እንነብረሉ ዘሎና እዋን ቀሊል ከምዘይኰ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብእምነቶም ምኽንያት ንብዙሕ ሓደጋ ተቓሊዖም ከምዝርከቡን፡ እዚ ናይዞም ኣሕዋት ናይ ደም ሰማዕትነት እቲ ክርስቶስ ብዘይ ምቁራጽ ወንጌል ብሓሴትን ብምልኣት ንኽንነብሮ ዘቕረበልና ጻዋዒት ንኽነብሮ ዝዕድምን ናብ ሓድነት ዝወስድ ደመ ሰማዕታት እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ህሞትን ግዜን ኩነትን ምስ ኣቦን ኣሕዋትን ብፍላይ ከኣ ምስቶም ዝተናዕቁን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ናይ ሱታፌን ዕርቅን ዕድሎት ገይርና ንኽንበሮ ጐይታ ሓይሊ ክህበና እዩ።

ናብቲ ድህረ እዋናውነት ሕብረተሰብ ምባል

ሓድነት ኣብ ጐይታ፥ ብወንጌላዊ ልኡክነት መንፈስ እናስተውዓሉ ኣስዒቦም፡ ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ናብ ናይ ኣሕዛብን ባህልታትን ናብ ናይ ድሕረ እዋናውነት ሕብረተሰብ ንኽትብል ዝድርኽ እዩ፡ እዚ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ተልእኾ ዝኽወን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ምስ ዝነበር ጥራሕ እዩ።

እቲ ተልእኾ ከም ቅድም ኩነት ሱታፈን ሓድነትን እዩ ዘንብረልና፡ ናብ ናይ ዝሓለፈ ኣቝሳል ምጥማትን ገዛእ ርእሳዊ ውከሳ ኣቋሪጽና ኣብ ናይ ጐይታ ጸሎት ነትኵር። ኣብ ጐደናታትና ናይ ወንጌል ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ክቃላሕ ናይ ተልእኾ ወንጌል ሕቶ እዩ።

እቲ ኣብ ካተድራል ቅድስተ ማርያም ዝተኻየደ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ርክብ፥ ብቋንቋ ላትቪያ ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ጸሎት ብናይ ሊተራናዊትን ብናይ ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ባፕቲስታዊት ቤተ ርክስቲያን ሊቃነ ጳጳሳት ብሁባሬ ዓሪጉ፡ ሕጻናት ብዝተወልዔ ሽምዓ ተሰንዮም ብዘቕረብዎ ዑደት ተዛዙሙ፡

ቃል ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሪጋ ኣብ ዝርከብ ሉተራናዊ ካተድራል

Photogallery

ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ዘረባ ምስማዖም ሊቀ ጳጳሳት ያኒስ ቫናግስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሃገሮም ኣብ ትሕቲ ኢእግዚኣብሔራዊ ሶቪየታዊ ኣርዑት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ዝነበረቶ ዝጠቐስዎ ከቢድ ናይ ስቓይ ዘመን እናሓሰቡ፡
24 September 2018, 17:57