ቃል ቅዱስ ኣቦና ንሰበ ስልጣናትን በርገሳውያን ሕብረተሰብን ልኡካነ መንግስታትን ኣብ ላትቪያ ቃል ቅዱስ ኣቦና ንሰበ ስልጣናትን በርገሳውያን ሕብረተሰብን ልኡካነ መንግስታትን ኣብ ላትቪያ 

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንሰበ ስልጣናትን በርገሳውያን ሕብረተሰብን ልኡካነ መንግስታትን ኣብ ላትቪያ

ቅዱስ ኣቦና፥ ኣማዕዲኻ ክንየው ብምጥማት ውልቃዊ ረብሓ ናብ ምትሕብባርን ምርድዳእን ንናይ ሕድ ሕዳዊ ሕርኩት ጻዕርን ንቐይሮም። በዚ ጥራሕ እዩ ነቲ ሓድሽ ሕይወት ዘመንጨው ብዙህነት ኣብ ሓድነት ዝብል ታሪኽ ዝስራሕን ውጥረት ዝረግብን፡ … ።

ክቡር ርእሰ ብሔር

ናይ መንግስቲ ኣባላትን ሰበ ስልጣናትን

ልኡካነ መንግስታትን በርገሳውያን ማሕበራትን

ዝኸበርኵም ኣሕዋትን ኣሓትን!

ክቡር ራሰ ብሔር ስለ ውዙብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ቃሎም ምስጋናይ ኣቕርብ፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣብ ዘካየድኵምሉ እዋን ንሃገርኩም ክበጽሕ ስለ ዝዓደምኩምኒ እውን አመስግን። ንፈላማ ግዜ ኣብዛ ብምግምማዕን ብግጭትን ማሕብራውን ፖሊቲካውን ኤኮኖሚያውን መንፈሳውን ብርቱዕ ፈተና ስምባራት ዝሓደገላ ሎሚ ናይ ባህልን ፖሊቲካን ናይቲ ከባቢ በራዊት ባሕሪ ኣብ ዝዀነት ሃገረ ላትቪያን ኣብዛ ከተማ ምርኻበይ ሓጐስ ይስምዓኒ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣማዕዲኻ ክንየው ብምጥማት ውልቃዊ ረብሓ ናብ ምትሕብባርን ምርድዳእን ንናይ ሕድ ሕዳዊ ሕርኩት ጻዕርን ንቐይሮም። በዚ ጥራሕ እዩ ነቲ ሓድሽ ሕይወት ዘመንጨው ብዙህነት ኣብ ሓድነት ዝብል ታሪኽ ዝስራሕን ውጥረት ዝረግብን፡ … ።

ክንየው ማዕዶ ንምጥማት ናብ መንፈሳዊ ብቕዓት ምባል

ኣብታ ብዙሕ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ምግምማዕን ከምእዉ እውን ግርጭት ኣብ ዝሰገረት ብነእሽቱ ዕለታዊ ምልክታ ሕንጸት ኣብ ዝራኣየላ ሃገረ ላትቪያ  ምትሕብባርን ምርድዳእን ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍን ጭቡጥ ኣብ ዝገብር መንፈሳዊ ብቕዓት ወትሩ ምትጋህ የድሊ።

ላትቪያ መሬት ጥዑም ደርፊ ሰቖቓኣን ቃንዛኣን ናብ ደርፍን ትህሊትን ቀይራ ንቕድሚት ንምጥማት ኣብ ዝብል መገዲ ዘተን ርክብን ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራን ዘበለት ሃገር እያ።

በቶም ኣብ ሰማይ ኣብ ዘለዉ ዕሴታት ምስ እትስረት ናጽነት ክኡል ይኸውን

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ናጽነት ላትቪያ፡ እቲ ዝማርኽን ደጋግሙ እውን ዝማርኸካ  ናጽነት ዝከኣል ምዃኑ እቶም ዝረኣዩ ናይ ናጽነት ዝቖመሎም መትከላት ዝተረጋገጽሉ ምዃኑ ይምስክሮ፥

ኣብቶም ኣብ ነዛ ሃገር ካብ ዘቖምዋ መሰረታት ውሽጢ እቲ ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ምሉእ ምትሕብባርን እትገብር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትጥቀስ ብምዃና ሓሴት ይስሞኣኒ። እዚ ኸኣ ኣብ ስቓይ ሱታፌ ዝከኣል ምዃኑ ይምስክር። እዚ ሓቂ እዚ ከኣ ዝረኣይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከገራጭውን ከሰሓሕብን ካብ ዝኽእል ደጋዊ ኩነት ክንየው ኣብቲ ጥልቂ ዝኸነ ሰብኣዊ ክብሪ ምስ ዘብል እዩ።

ናጽነት ንናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ምትጋህ ማለት እዩ

ናጽነትን ሓርነትን ላትቪያ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ጸጋ እዩ፡ ሓሊፉ እውን ንኹሉ ዝምልከት ዓቢይ ሓላፍነት እውን እዩ፥ ናጽነት ማለት ንናይ ኵለንተናዊ ዕብየትን ናይ ሰብኣውን ማሕበረሰብ ኵለንተናዊ ዕብየትን ምትጋህ ማለት እዩ፡ ሎሚ ብዙሕ በዓላት ዝበዓል ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ብዙሓት ነዚ መገዲ’ዚ ከርህዉን ብርህ ናይ መጻኢ ፍኖት ከርህውን ንዝሓለፉ ምስጋና ይኹን። ንሳቶም መጻኢ ኣብ ምርሃው ዘውረስዎ ሓላፍነት ንሕይወትን ብሓፈሻኡ ንሕይወት ምግልጋል ዝብል እዩ።

ድሕሪ እዚ ርክብ’ዚ ምስ ርእሰ ብሔር ራኢሞንድስ ቨዮኒስ ሓቢሮም ኣብቲ ሕጻናትን መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ብሓባር ናብ ዝጽበይዎም ዘለዉ ናብቲ ናይ ሃገረ ላትቪያ ናይ ናጽነት ሓወልቲ ኣብ ዝቖመሉ ስፍራ ምብጻሕ ከምዘካይዱ እውን ጠቒሶም፡ እቶም ኣብቲ ናይ ናጽነት ሓወልቲ ስፍራ ዝጸበይዎም ሕጻናትን መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ኣረጋውያንን ኣብቲ ናይ ላትቪያ ኣደነት መንፈስ ዘሎ ኣክንዲ ኤኮኖሚ ናይ ኵሉ ማእከል ሕይወት ምዃኑ ዘረጋግጹ ከምዝዀኑ ሓቢሮም።

ኣደነት፡ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር ስለምንታይ ማንም ኣልቦ ሱር ኰይኑ ከይተርፍ

ኣደነት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ናይቲ ናይዚ ሓዋርያዊ መገሻኦም “ኣደ ምዃንኪ መስክሪ” ዝብል መርሕ ቃል ጠቒሶም፡ ኣደነት ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር እውን ይግለጽ፡ እዚ ኸኣ ከሉ መጻኢኡ ንምሕናጽ መታን ክኽእል ማንም ኣልቦ ሱር ከይኑ ንኸይተርፍ ዝድግፍ ናይ ዕበዩን ተባዝሑን ብቕዓት ናይ ዝዀነ ሰብኣዊ ዕበየት መቕድም እዩ።

እዚ ክኡል ዝኸውን ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ተሰራትነት ኣብ ህልው እዋን መሓዝነትን እማኔን ተስፋን ኣብ ጽባሕ ማዕቅኑ ምስ ዝገብር እዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ዝሓለፈ ትውልዲ ዝመስክሮ እዩ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ እቲ ዝሓለፈ ትውልዲ ዝሃቦ ምስክርነት ምንባር ናይ ተዓዋትነት ማዕቅን እዩ።

ክቡር ርእሰ ብሔርን ክቡራትን ክቡራንን ኣብዛ እግዚኣብሔር ክባርኻን ከሰንያን ምእንቲ እዛ ሃገር ዝዀነ እደ ተግባራትኩም ከሰስንን  ጸሎትይ ዝዀነላ ሃገር ሓዋርያዊ ዑደተይ እጅምር፡ እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም። 

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንሰበ ስልጣናትን በርገሳውያን ሕብረተሰብን ልኡካነ መንግስታትን ኣብ ላትቪያ
24 September 2018, 17:13