ብምስማዐ-ርእየት ዝተሰነየ ዕዙዝ ጸብጻብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኤስቶኒያ

ኣብ ሓደ ደቂቓ ውሽጢ መላእ ትሕዝቶ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ኤስቶኒያ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ኤስቶኒያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየድሉ ዕለት ብጠቕላላ ካብቲ ርእሰ ብሔር ሃገረ ኤስቶኒያ፡ ክብርቲ ካልጁላኢድ ዝገበራሎም ወግዓዊ ኣቀባብላ ጀሚሩን ኣብ ርእሰ ከተማ ታሊን ኣብ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስተማርያም ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንእሰያት ዘካየድዎ ርክብን ዝለገስዎ ቃለ ዕዳንን ኣብ ታሊን ቅዱስ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ካቴድራል ምስቶም ብናይካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ዝእለዩ ድኻታት ዘካየድዎ ርክብን፡ እቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዘዛዘምሉ ኣብ ኣደባባይ ሓኣርነት ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ኣብ ሓንቲ ደቒቓ ውሽጢ ዝድህስስ ማራኺ ምስማዐ-ርእየት ጸብጻብ።

26 September 2018, 10:04