ቃል ርእሰ ብሔር ሃገረ ኤስቶኒያ፡ ከርስቲ ካልዩላይድ ቃል ርእሰ ብሔር ሃገረ ኤስቶኒያ፡ ከርስቲ ካልዩላይድ 

ቃል ርእሰ ብሔር ሃገረ ኤስቶኒያ፡ ከርስቲ ካልዩላይድ

እዚ ዝምድና’ዚ ብዙሕ ጽንኵር እዋን ዝተጻወረ እዩ፡ ቅድስቲ መንበር ካብ ጥንቲ ጀሚራ ልኡላውነት ሃገረ ኤስቶኒያ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ኣይቦኸረትን፡ ኣብ እዋን ሶቪየታዊ መግዛእቲ እውን እንተዀነ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤስቶኒያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ መስተናብር ብምኽንያት ፖለቲካ ብዘይ ልኡኽ ከምዝተረፈ ደኣ እምበር ፈጺማ ኣየልዓለቶን ወይ ኣይሰረዘቶን።

ቅዱስነትኩም

ኣብዛ ርስቲ ማርያም ዝዀነትን ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ናጽነታ እተብዕል ሃገርና ሃገረ ኤስቶኒያ ኣብ ምጻሕኩም ክቕበለኩም ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓኒ!

ዕለት 24 ለካቲት 1918 ዓ.ም. ናይ ኤስቶኒያ ናጽነት ዝተኣወጀሉ ናይ መላእ ሕዝቢ ኤስቶኒያ ብዘይ ምንም ዓይነት ኣፋላላይ ብፖለቲካዊ ኣመለኻኽታን ዓሌትን ተኣምኖተ ሃማኖትን ዘይገማምዕ ምዕሩው ናጽነት ውሑስ ዝዀነሉ ዕለት እዩ። ናይ ሃገርና ስርዓት ዴሞክራሲያ ካብ ዘቖሙ ዓንድታት ሓደ ናይ ሃማኖት ናጽነት ብቐዳምነት ዝጥቀስ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ኤስቶኒያ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝካየደሉ ኣብ ዘነበረ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት፡ ኤስቶኒያ ከም ሃገር ተፈላጥነት ንኽትረክብ ኣብ ልዕሊ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝተፈላለየ ጐስጓስ ኣብ ምክያንድ እንከላ ኤስቶኒያዊ ናይ ስነ ርክብ መላ ልኡኽ ካረል ሮበርት ፑስታ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ጋስፓሪ ብምርኻብ ሃገረ ኤስቶኒያ ናይ ሃማኖት ናጽነት ዝኽበረላ ሃገር ከምእትኸውን ምስ ሓበሮም ብፁዕ ካርድናል ጋስፓሪኒ፥ ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዝምድና ክህልው እዩ እንክብሉ ከምዝመለሱሎም ናይ ኤስቶኒያን ቅድስቲ መንበርን ክሌኣዊ ርክብ ታሪኽ ዘንበሮ ሓሳብ ጠቒሰም ብምዝካር፥

እዚ ዝምድና’ዚ ብዙሕ ጽንኵር እዋን ዝተጻወረ እዩ፡ ቅድስቲ መንበር ካብ ጥንቲ ጀሚራ ልኡላውነት ሃገረ ኤስቶኒያ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ኣይቦኸረትን፡ ኣብ እዋን ሶቪየታዊ መግዛእቲ እውን እንተዀነ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤስቶኒያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ መስተናብር ብምኽንያት ፖለቲካ ብዘይ ልኡኽ ከምዝተረፈ ደኣ እምበር ፈጺማ ኣየልዓለቶን ወይ ኣይሰረዘቶን።

ቅድስቲ መንበር ብግብረ ገባውን ፖለቲካውን ስልጣና ነተን ናይ ዴስነት ስርዓት ጅሆ ንዝነበራ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ መንፈሳዊ ስልጣን ምንጪ ኰይና፡ ናጽነትን ክሳብ ዝዓትራ ኣስተንፍሶ ብምዃን ከምዝመርሔትን፥ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ብመንፈስ ክፍኣት ከይትስዓር፡ ንመንፈስ ክፍኣት ብሰናይ ምግባር ኣሰንፎ ኢለን።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ርብዒ ዘመን ኤስቶኒያ መሊሳ ዳግማይ ናጽነታ ዓተረት፡ ኣብዚ እዋን’ዚብዙሕ ነገር ተቐያይሩ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኤስቶኒያ ናጻ ሃገር ዝብል እምነታ ይጽናሓለይ ኢላ ኣይትፈልጥን፡ …. እዚ ክብል እንከለኹ ነዛ ሃገር ቅድሚ 25 ዓመት ዝበጽሕዋ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝስደረስዎ ግጥምታቶም”

         ናጽነት በቢ ዕለቱ ዝዕተር እምበር፡ ከም በዓል ቤት እትውንኖ ኣይኰነን

         ጸጋ ኰይኑ እዩ ናባይ ዝመጽእ፡ ብምግዳል ጥራሕ ከኣ ትዕቅቦ

ዝበልዎ ጠቒሰን ምእንቲ’ዚ ናጽነትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ወትሩ ተጊህና ክንዕቅቦም ይግብኣና፡ እዚ እንተድኣ ዘይንገርብ ኰይንና ዘሰክፍ መጻኢ ጐፍ ንጐፍ ክራኸበና እዩ።

ርእሰ ብሔር ኤስቶኒያ ኣስዒበን ኣብ ቅድሚ ጸገማት ዓለም ገዝእ ርእስኻ ከዋዊልካ ብምንባር ሓጐስ ኰነ ብርታዔ ኣዕተርን፡ ስለምንታይ ድሕሪ ዝዀነ ይኹን ዕጹው ማዕጾ ውሑስን መሃዚ መጻኢ ዘይኰነ ፍርሒ እዩ ዝህልው፡ … ናይ ዓለም ጸገም፡ ድኽነት ድዩ ውግእ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ምዝባዕ  ድዩ ስደት ዘስዕቦ ስቓይ ብሓባር እዩ ዝፍታሕ፡ … ኵለ መደያዊ ከይዲ ዓለም ነቶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ድኻታን ጉድኣትን መንእሰያትን ኣረጋውያንን ዝሕርግ ክኸውን የብሉን። ከምቲ ንስኹም፥ ሕጻናትን ኣረጋውያንን ዘይከናኸን ሕዝቢ ኣልቦ ተስፋ እዩ ቢልኩም ከምዝገለጽክምዎ እዩ።

ቅዱስነትኩም

ምሉእነት ምዕባለ እቲ ሓቀይና ምዕባለ እዩ፡ እዚ ኸኣ ዕደ ጥበባው ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ዓለም ዝርኣይ ሰብ ሰርሖ ድዩ  ተፈጥሮ ኣምጽኦ ጸገም ብምልኣት ምሉእ መፍትሒ ምርካብ ጥራሕ እዩ ኵለንተናዊ ምዕባለ ከምጽእ ዝኽእል፡ … ነዚ ከም ኣብነት ኣብ ኤስቶኒያ ዝካየድ ዘሎ ብሓባር ንዕየይ ዝብል ጐስጓስን ዓለም ለኻዊ ንኽኸውን ኤስቶኒያ ብዙሕ ምንቕቓሓት ተሳልጥ ከምዘላ ገሊጸን፡ እዚ ከኣ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ኩሉ ግደ ከምዘለዎ ዘረጋጽ ምዃኑ የመላኽት፡ ንመጻኢ ትውልዲ ከመይ ዓይነት እንሓድጐ ዓለም ካባና እዩ፡ ኤስቶኒያዊ ደራሲ ያን ካፕሊንስኪ፥ ኣብ ዓለም ንዝፍጸም ግብረ ምብኻን ንምጥፋእ ናይ ዝዓይን ምንቅስቓስን ትእምርቲ ከኣ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ልብሲ ክኸውን ሓሳብ ከምዘቕረበ ዘኪረን፡ እታ ናይ ቅዱስ ፍራቸስኮ ጸሎት…. ጽልኢ ኣብ ዘለሉ ፍቕሪ፡ ጸልማት ኣብ ዘለሉ ብርሃን ሓዘን ኣብ ዝርከበሉ ታሕጓስ ዝዘርእ ግበረኒ” ቢለን፥

ቅዱስነትኩም

የቐንየለት፡ ምሕዝነትና ከምዝቕጽል ርግጸይና እየ፡ ቃልኩም ከተስምዑ እዕድመም እንክብላ ዘስምዐኦ ዘረባ ዛዚመን።

ቃል ርእሰ ብሔር ሃገረ ኤስቶኒያ፡ ከርስቲ ካልዩላይድ
25 September 2018, 17:13