ር.ሊ.ጳ.፥ ምስ ቻይና ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝደለዩን፡ እንኰ መገዲ ዘተ ጥራሕ እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ምስ ቻይና ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝደለዩን፡ እንኰ መገዲ ዘተ ጥራሕ እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ምስ ቻይና ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝደለዩን፡ እንኰ መገዲ ዘተ ጥራሕ እዩ

ናይ ሊትዋኒያን ላትቪያን ኤስቶኒያን ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ናብ ሮማ ንኽምለሱ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ንዘቕረቡሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ኣቶም ልኡካን ጋዜጠይናታት ካብ ሓተቲ ናብ ሰማዕቲ ተቐይሮም ዝረአይ ኰይኑ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ መገሻ ዘሎ ካልእ መገሻ ክኸውን ከምዝገበሮ ይንገር፡ ኣብተን ሰለስተ ኣሕዋት ሃገራት ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን መንፈሳውን ኩነት ካብ ዝሓለፈ ናብ ተስፋን ዕርቅን ዘተን ናብ መጻእነትን ዝብል ተመክሮ ርክባቶም ከዘንተዉ እንከለዉ፥

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገራት ቦልቲክ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ናብ ሮማ ንኽምለሱ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ናይ ኣባዕተ መዓልቲ ጽዑቕ ዝክረ ነገር ዝተነብሮ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም ምስ ዘሰነይዎም ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ናይ ዜና ማዕከናትን ሕትመትን ልኡካን ጋዜጠይናታት ንዘቕረቡሎም ሕቶ መልሲ ከምዝሃቡን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዝተበድሔ ስምምዕ እውን ከምዘብርሁ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ውሽጢ ካልእ ጉዕዞ ኣሎ፡ ኣብ ጉዕዞ ውሽጢ ጉዕዞ፡ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ከከም ማዕቅፍ ዘካይድዎ ርክብ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ኣስተምህሮታትን ምዕዶታትን የቕርቡ፡ ኣብቲ ዘቕርብዎ ቃለ ምዕዳንን ስብከትን ኣስተህሮታን ኩሉ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ ኣስተምህሮታቶም ኣተኵሮታቲ ተስተውዕል፡ እዚ ኸኣ ናይቲ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኣገልግሎቶም ኣናባቢ ትሕዝቶ እውን እዩ።

ናይ ሊትዋኒያን ላትቪያን ኤስቶኒያን ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ናብ ሮማ ንኽምለሱ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ንዘቕረቡሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ኣቶም ልኡካን ጋዜጠይናታት ካብ ሓተቲ ናብ ሰማዕቲ ተቐይሮም ዝረአይ ኰይኑ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ መገሻ ዘሎ ካልእ መገሻ ክኸውን ከምዝገበሮ ይንገር፡ ኣብተን ሰለስተ ኣሕዋት ሃገራት ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን መንፈሳውን ኩነት ካብ ዝሓለፈ ናብ ተስፋን ዕርቅን ዘተን ናብ መጻእነትን ዝብል ተመክሮ ርክባቶም ከዘንተዉ እንከለዉ፥

ዝዕቀብ መንነት

ሃገራት ከባቢ ቦልቲክ ብዘይ ምቁራጽ ዝዓቀበኦ መንነተን ነቲ ዅሉ መግዛእትን ጸቕጥን ዓፈናን መሓውሮን ፈንጺጉ ክወጻ ገይርወን እዩ፡ እቲ ክፍንጽግ ዝገበሮ ከኣ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝመሓላለፍ ናይ ባህልን እምነትን ስነ ጥበብን ውርሻታተን እዩ፡ ኣብ ቨልኒዩስ ዝርከብ ብርቱዕ ቤት ማሕብስ ዝነበረ ብዙሓት መስዋዕተ ዝኸፈሉሉ ሎሚ ቤተ መዘክር ኰይኑ ህዝቢ ዘሕለፎ ስቓይ ዘዘንትው ብቐረባ በጺሖም፡ ምክልኻል መሰል ግቡእን እዩ፡ ብዘይ ጐነጻዊ ዓመጽን ዘተን ግና ቢሎም፡ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ሃገራት ቦልቲክ ኣብ ምእንጋድ ዘሎ ክቡሪ ናይ ቀረባ ተመክሮታቶም ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብ ምእንጋድ ምርኻብ ከምዘሉ ይገልጹ።

ቻይና፡ ናቲ ዝተበጽሒ ስምምዕ ጥበብ

ቅዱነቶም ኣብ ቦልቲክ ሃገራት ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ምክያድ ንከለዉ እቲ መራኸቢ ብዙሃንን ናይ ስነ ቫቲካን ሊቃውንትን ኣዚዩ ዝሰሓበ ብዙሕ ርእይቶእውን ዝወሃበሉ ዘሎ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ቻይናን ዝተብጽሔ ስምምዕ ጠቒሶም፡ ቅድስቲ መንበር ካብ ርሑቕ 10 ዓመታት ኣትሒዛ ኣብዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ንኽብጻሕ ትጽዕር ከምዝነበረት ፍሉጥ ከይኑ፡ ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ንፐኪንግ ይሸይጥ ዝብሉ እውን ዝብል እውን ርእይቶ ይወሀብሉ ከምዘሎ እውን ገልጾም፡ እቲ ስምምዕ ኣነ እየ ክታመይ ዘንበርኩሉ ስለዚህ ናተይ ሓላፍነት እዩ ዝኸውን፡ ጸሎት እዩ ዘድሊ፡ ኣብ ሓደ ናይ ሰላም ስምምዕ ንኽብጻሕ ተዛተይቲ ሃገራት ዝገብርኦ ሕድገታት ከዘሎ ፍሉጥ እዩ፡ ኰይኑ ግና ጳጳሳት ዝሰምይ ኣብ ቻይና እውን እንተዀነ ናይ ሮማ ጳጳስ ስልጣን እዩ፡ ትዕግስትን ጥበብን ዝዓሰሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪላት ዘተ ዋና ጻሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ብፁዕ ኣቡነ ቸሊን ኣባ ሮታ ግራዚዮሲን አመስግን ኢሎም።

ዓብይ ናይ ምእመናን ቻይና እምነት

እቶም ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፉ ካቶሊካውያን ምእመናን ቻይና ዓቢይን ጽኑዕን እምነት ዘለዎም  እያቶም፡ ስምምዕ ዋጋ ዘኽፍል እዩ፡ ቅድሚ እቲ ስምምዕ ድዩ ደሓር እውን ኣብ ዝዀነ ኩሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ውሳኔታት ንዝተዋስኡ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ከመስግን እደሊ፡ ብዙሓት ቻይናውያን ምእመናን እቶም ናይ ቻይና ብሄራዊት ቤተ ክርስቲያን ኰኑ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ምእመናን ኵሎም ሎሚ ብሓባር ከይኖም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዘመሓላለፍዎ ናይ ሓባር ኣኽብሮት ምስጋን ብምቕራብ እዚ ብሓቂ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ምልክት ጥልቂ ርክብ እዩ ኢሎም።

ዓመጽ፥ ብሓቂ መዳርግቲ ዘይብሉ ግብረ ክፍኣት እዩ

መወዳእታ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣመልኪቱ ሓደ ጀርመናዊ ልኡኽ ጋዜጠይና ቅዱስነቶም ኣብ ኤስቶኒያ ንመንስአያት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሱ ንዘቕረበሎም ሕቶ ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ እንክምልሱ፡ ብዝሓት ዝምልከት ድዩ ዋላ ውን ብሓደ ካህን ይፈጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ከቢድን ዓብይን ገበን እዩ፡ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸመ ካህን ዘመሓላልፎ ፍርዲ፡ ድሕሪ ብዙሕ እዋን እውን እንተዀነ ምሕረት ክወሃቦ ዝሓትት ሰነድ እንተዝቐርበለይ ይመሓር ቢለ ኣይምፈረምኩን፡ ካህን ሕጻናት ናብ እግዚኣብሔር እዩ ክመርሕ ዝተጸውዔ፡ ስለዚህ እዚ ኣብ ሕቶ ዝኣትው ጉዳይ ኣይኰነን፡ ቀደም እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፍጽሙ ዝነበሩ ካህን ከዋዊልካ ምሕላፍ ይረአይ ከምዝነበረ ፍሉጥ እዩ፡ ሎሚ ግን ከምኡ ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ውሳኔ እያ ተመሓላልፍ እዚ ኸኣ ዝረኣይ ዘሎ ሓቂ እዩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ምስ ቻይና ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝደለዩን፡ እንኰ መገዲ ዘተ ጥራሕ እዩ
26 September 2018, 17:03