ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሓዳር ጽባቔ ምምስካርን ኣብ ቅልውላው ንዝርከቡ ሰብ ሓዳር ቀረባ ምዃንን ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሓዳር ጽባቔ ምምስካርን ኣብ ቅልውላው ንዝርከቡ ሰብ ሓዳር ቀረባ ምዃንን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሓዳር ጽባቔ ምምስካርን ኣብ ቅልውላው ንዝርከቡ ሰብ ሓዳር ቀረባ ምዃንን

ከይዲ መሰናደዊ ኣዚዩ ዓሚዩቕን ሰፊሕን ኰይኑ ቅድመን ድሕረ መርዓን ዝቕጽል ምስ ዝኸውን መንእሰያት መራዑ ወይ ሰብ ቃል ኪዳን ምስ ጸጋን ሓይሊ እግዚኣብሔርን ዝሰማምዑን ተዛማድነት እውን ይህልዎም፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ከም ሰብ ቃል ኪዳን ኣብ ብሓደ ምንባር ንዘጓንፎም ጸገም ድኻም ሕይወትን ድኻም ሕይወት ሓዳርን ንዝጠልቦም መሰናኽላት ዝብድህ ጸረ ኣካል ከማዕብሉ ይገብር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ባዚሊካ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘሰናደዎ ኣብ ዙሪያ መርዓን ስድራ ቤትን ዝዝትይ ጉባኤ ሕንጸት ምስ ዝሳተፉ ዘለዉ ተጋባእያ ተራኺቦም፥ ንሰብ ሓዳር ብፍሉይ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ቀጻሊ መደብ ኣቕርቦ ትምህርተ ክርስቶስ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘተሓሳስብን፡ ኣብ ቅልውላው ንዝርከቡ ሰብ ቃል ኪዳን ንዳግማይ ርኽበት ጸጋ ምስጢረ ተክሊል ዘሰንዮም ድጋፍን ኣብ ገለ ገለ ኣዋን እውን እቲ ዝተኣሰረ ምስጢረ ተክሊል ናብ ከይዲ ይፈታሕ ምስናይ ግድን ኣድላዪ ይኸውን ዝብል ቅውሙ ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ምስንዳው ናብ ምስጢረ ተክሊልን ኣብ ምኽባሩን ደሓር እውን ኣብ ዝስዕቡ ቀዳሞት ዓመታት፡ ሰብ ሓዳር ዘሰንዮም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገዳሲ እዩ፡ ቅድም ኣብ ምብዓልን ደሓር እውን ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዘማእከለን ነዚ ምስጢር’ዚ ብምልኣት ዝምልከት መደብ ሕንጸት ዘለዎ ኣድላይነት ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም 850 ተጋባእያን ኣተሓሳሲቦም፡ ስለዚህ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስጢረ ተክሊል ዘገልግሉ ካህናትን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎ ከዋንያን ኣካላትን ክርስቲያን ሰብ ሓዳርን ናይ ሓባር ከይዲ ክህሉ ተላብዮም።

ዝተስተውዓለ ምርጫ

እቲ ዝካየድ ዘሎ መደብ ሕንጸት ኣብ ዙሪያ ስድራ ቤት ዝቐርብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆታቱን ሸቶኡን ኣማእኪሉ ዘስተንትንን ብዛዕባኡ ሕንጸት ዝቐበሉ ምዃኑ ቅዱነቶም ኣዘኻኺሮም ስድራ ቤት ከም ዘቤታዊት ቁምስናን ናይ ሕይወት ቤተ መቕደስን ምዃኑ ብምስትውዓል ንናይ ኣሕዛብ ናይ ሓባር ጥቕምን መተካእታ ዘይብሉን ወሳንን እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ስንኩፍን ዓውዲ ከምቲ ኣብ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ብሰፊሕ ዝተንተንዎ፡ ነዚ ኹሉ ዝለዓለ ግምት ዝህብ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍልዩ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዕምቆት ተለልዩ ክቐርብ ከምዘለዎ ቅዱስነቶም የተሓሳስቡ።

ተክሊላዊ መብጽዓ በቶም ሰብ መብጽዓ መብጽ ዝተስተውዓለን ዓሚይቕ ኣፍልጦ ዘለዎም ከይኖም ፍቓድን ድላይን ብሓባር ናብ ዝብል ሸቶ ኣሚቶም ዘበገስዎ ካብ ክልተ ሓዳኣውነት ከይከሓድን ክይጥንጠንን ናይ ዝኣትውዎን ዝኣተዉዎን መብጽዓ ዝለዓለ ግንዛቤ ክህልዎም ይግባእ።

ሓደስቲ መናእሰይ መራዑ ኣብ በይናውነት ከይሕደጉ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ሰበኻታት፡ ንስድራ ቤት ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ልዑል ቆላሕታ ይግበረሉ ከምዘሎ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ እዚ ኸኣ ንሓደስቲ መራዑ (ሰብ ሓዳር) ብፍሉይ ዝወሃብ መደብ ሕንጸትን ዓውደ መጽናዕትን ዓውደ መፈሳዊ መደብን መደብ ጸሎትን ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ስነ ስድራ ቤት ጉዳይ ዝለቀኑን ናይ ስነ ኣእምሮ ምሁራትን ኣስተምህሮ ዘቕርብ ቆላሕታ እዩ።

ቅድመ መርዓን ድህረ መርዓን መደብ ስንዮታ

ከይዲ መሰናደዊ ኣዚዩ ዓሚዩቕን ሰፊሕን ኰይኑ ቅድመን ድሕረ መርዓን ዝቕጽል ምስ ዝኸውን መንእሰያት መራዑ ወይ ሰብ ቃል ኪዳን ምስ ጸጋን ሓይሊ እግዚኣብሔርን ዝሰማምዑን ተዛማድነት እውን ይህልዎም፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ከም ሰብ ቃል ኪዳን ኣብ ብሓደ ምንባር ንዘጓንፎም ጸገም ድኻም ሕይወትን ድኻም ሕይወት ሓዳርን ንዝጠልቦም መሰናኽላት ዝብድህ ጸረ ኣካል ከማዕብሉ ይገብር። እዚ ግና ንበይኑ እዅል ኣይኰነ፡ ምስ ሓደስቲ መራዑ ብውልቂ ድዩ ሓደስቲ መራዑ ብሓባርን ርክብ ዘተን ዘካይድሉ መደብ ክህሉን እዚ ኹሉ ግና ናይቶም ሰብ ሓዳር ኣብ እምነት ንኽዓብዩ ካብ ዝግበር ከይዲ ወጻኢ ክኸውን የብሉን” ኢሎም።

ኵነታት ቅልውላውን ሓድሽ ናይ መርዓ ከይድን

እቶም ኣብቲ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክባቶም ከቢድ ጸገምን ቅልውላውን ዘሕልፉ ዘለዉ ሰብ ሓዳር ምድጋፍን እምነት ዳግም ኣብኦም ክበራበርን ንዳማይ ርክበት ጸጋ ምስጢረ ተክሊል ክሕገዙ ኣለዎም፡ ኰይኑ ግና ኣብ ገለ ገለ እዋን ነቶም ኣብ ከቢድ ቅልውላው ንዝርከቡ ሰብ ሓዳር ናብቲ ይፈታሕ ዝብል ውሳኤ ከብጽሖም ዝክእል ከይዲ ብሓባር ክበጽሑ ብቕንዕናን ብውሽጣዊ ነጻነትን ድጋፍ ክረኽቡ ይግባእ … እዚ ኸኣ እቲ ብዛዕባ ሓዳርን ፍትሕን ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ብትኽክል ከምዘመክቶ ይኸውን እንክብሉ ኣብሪሆም።

ነቶም ብዘይ ቃል ኪዳን ከም ሰብኣይን ሰበይትን ዝነብሩ እውን ምእንጋድ

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን፥ ዘለዓለም ድሕነት ነፍሳት ዝብል ተኣምኖታዊ ሓቂ ዘኪሮም፡ እቲ ናይ ስድራ ቤት ዝምልከት ሰበኻዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ደረት ትርኢት፡ ነቶም ምስጢረ ተክሊል ከይኣሰሩ ብዘይ መርዓ ከም ሰብ ሓዳር ዝነብሩ ምርኻብን ምእንጋድን ዝብል ወንጌላዊ ኣገባብ ክኸውን ኣለዎ፡ ንኣኣቶም ናይ ቃል ኪዳን(መርዓ-ምስጢረ ተክሎል) ጽባቔኡን ውህበቱን ምስምካር ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ኣጠቓሊሎም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሓዳር ጽባቔ ምምስካርን ኣብ ቅልውላው ንዝርከቡ ሰብ ሓዳር ቀረባ ምዃንን
28 September 2018, 16:04