ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንመንእሰያት ጽን ዝብል ሲኖዶስ ምስ መንእሰያትን ንመንእሰያትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንመንእሰያት ጽን ዝብል ሲኖዶስ ምስ መንእሰያትን ንመንእሰያትን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንመንእሰያት ጽን ዝብል ሲኖዶስ ምስ መንእሰያትን ንመንእሰያትን

ቅዱስ ኣቦና እቲ ኩሉ ኣብ መንእሰይ ልብን ኣእምሮን ዘሎ በቲ መንእሰይ ዝግለጽ ሓሳብ ኵሉ ናቶም ገይሮም ንበጽሒ ወለዶን ንቤተ ክርስቲያንን ንመንእሰይ ወለዶ ቀረባ ክዀኑን ክድግፍን ቤተ ክርስቲያንን ብፁዓን ጳጳሳትን ብመንእሰይ ወለዶ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ዝብሎን ንታሪኽ ዝዛረቦም ጽን ክብሉን ጻውዒት የቅርቡ፡ ነዚ ጻውዒት’ዚ በቲ ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብዝካየድ ሲኖዶስ ተግባራዊ ክኸውን ወሰኑ፡

“ክቡር ጳጳስ -  መሕትት ሚእቲ መንእሰያት ንጳጳሳትን መልሲ ካብ ጳጳሳትን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መንጐ ሚእቲ መንእሰያት ጳጳሳት ዝተኻየደ ቃለ መሕትት መሰረት ገይሮም ማርኰ ፓፓላርዶ ዝደረስዎ ምጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ናብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ መንእሰያትን በጽሒ ወለዶን ዘሎ ዶብ ውሕስነት ክንየው ምባል ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ “ክቡር ጳጳስ -  መሕትት ሚእቲ መንእሰያት ንጳጳሳት መልሲ ካብ ጳጳሳትን” ዘርእስቱ ብጋዜጠይና ፕሮፈሰር ፓፓላርዶ ዝተደርሰ መጽሓፍ ዕለት 28 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንንባብ ንምብቃዕ ናብ ዝተኻየደ ዓውደ መመረቕታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ“መንእሰያት ጸገም ዘይኰኑስ ክህሎትን ሃብትን እያቶም” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን፡ መንእሰያት ኢጣሊያን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝተዋጽኡን ጠቕላላ ሓደ ሚእቲ መንእሰያት ንናይ ዝተፈላለያ ሰበኻታት ብፁዓን ጳጳሳት ዘቕረብዎ ቃለ መሕትት መሰረት ገይሩ ዝተደርሰ መጽሓፍ፥

ድምጺ መንእሰያት ምእንጋድ

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ዓውደ መመረቕታ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዙሕ ግዜ ነቲ ሃያስን ብዙሕ ዘተሓሳስቦም ነገር ከምዘሎ ዘመላኽትን ኩሉዓትን ዝዀኑ መንእሰያት ድምጾም ጽን ምባልን ምእንጋድን ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፡ እዚ ኸኣ እቲ ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንአያትን እምነት ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ኣብ ቫቲካን ንኽካየድ ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ማእከል እዩ፡ “ቤተ ክርስቲያን፡ ኣነ ብቐዳምነትን ብሓባር ምስ ብፁዓን ጳጳሳትን ሓነጽትን ኵሎም ይብሉ ቅዱስ ኣቦና - ብሓባር ኣብ ዝለዓለ ኣንጋዲ መንፈስ ርእይቶታትን ስንድዋት ኰይንና መንእሰይ ወለዶ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕይወትን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ወትሩ ቀንደይና ተዋሳኢ ንኽኸውን ንምንቕቓሕ እዩ” ኢሎም።

መንእሰይ ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን እግዚኣብሔር ሕሹኽ ዝብሎ ድምጺ እዩ

እቲ ንመንእሰያት ናይ መሕትት ሰነድ ብምቕራብ ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ምስ ዝተዋጽኦ 300 መንእሰያትን ምስ ዝተፈላለዩ ካልኦት ብማሕብራውያን መረብት ብቐጥታ ብምስታፍ ኣዛትዩን ቅዱስነቶም እውን ምስ መንእሰይ ብዘይ መዝፈፊ ብግልጺ ምዝራብ የድሊ ዝብል ሓሳብ ዘቕረብሉን ዝተወሃበ መልስን ኣአንጊዱን ብዛዕባኡ ከመክር ካብ 2016 ዓ.ም. ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዛዕባ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ዝዝትይ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ይብሉ ፓፓላድሮ ኣብ መጽሓፎም፡ እቲ ዝተኣከበ ምስክርነት፡ ናይ መንእሰያት ፍካሬን ርእዮትን ምዕዳዌኦምን ሕልምታቶም ድምጺ ሕይወቶምን እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ሕሹኽ ዝብሎ ድምጺ ምዃኑ ብሰፊሕ ይትንትንዎ።

እቲ ኣብ መንጐ ትውልዲ ዘሎ ዶብ ውሕስነት ምእላይ

ፓፓላርዶ ካብ መንእሰያት ዝተመሓላለፉ መልእኽታትን መልእክተ ጦማርን ኩሉ እቲ ኣብ መንጐ ትውልዲ፡ መንእሰይን በጽሒ ወለዶን መንጐ ዘሎ ፈላላይ ናይ ውሕስነት ዶብ ክውገድ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብን፡ ኣብቲ መልእኽቶም ታሪዀምን ወጅህታቶምን ሕልምታቶምን ውጥናቶምን ተስፋታቶምን ዘጋጥሞም ምትላላትን ኩሉ ብረቒቕ ኣገባብ ዘይኰነስ ጭቡጥ ብዝኰነ ኣገላልጻ ከምዘመላኽቱን፡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኩሉ ኣብ መንእሰይ ልብን ኣእምሮን ዘሎ በቲ መንእሰይ ዝግለጽ ሓሳብ ኵሉ ናቶም ገይሮም ንበጽሒ ወለዶን ንቤተ ክርስቲያንን ንመንእሰይ ወለዶ ቀረባ ክዀኑን ክድግፍን ቤተ ክርስቲያንን ብፁዓን ጳጳሳትን ብመንእሰይ ወለዶ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ዝብሎን ንታሪኽ ዝዛረቦም ጽን ክብሉን  ጻውዒት የቅርቡ፡ ነዚ ጻውዒት’ዚ በቲ ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብዝካየድ ሲኖዶስ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝወሰኑ ፓፓላርዶ ኣብ መጽሓፎም ይሕብሩ።

ግልጽነትን (ቅንዕናን) ድፍረትን

ኣብ መንጐ መንእሰያትን ቤተ ክርስቲያንን (ጳጳሳትን) ብሕቶን መልስን ዝተተንተነ ሓሳብ ልክዕ ከምኡ ግልጽን ብዘይ ፍርሒ ብደፍረት፡ ከይፈራሕካ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ፡ ሓላፍነት ወይ ስልጣን ናይ ኣገልግሎት ብምዃኑ ከይፈራሕካ ሕቶ ምቕራብን እቲ እተቕርቦ ሕቶን ዝተወሃቦን መልሲ ልክእዕ ከምቲ ኣብቲ መጽሓፍ ዘሎ ኣገባብ፡ ኣብ ቅዱስ ኣቦና ኣስተንፍሶ ዝገበረ ምዃኑ ፓፓላርዶ እንክገልጹ፡ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ዓውደ መምረቕታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ናብቲ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ምባልን እቲ ወሰናንስን ህልውና ዓቢይ ኣተኩሮ ክትገብረሉን ሕዳግ ማእከል ክኸውን ምትጋህ  ከምዘድሊ የተሓሳስቡ ፡ ወንጌል ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ቃልን ምንባርን ሕይወት ኢየሱስ እዩ (ናይ ኢየሱስ ናይ ሕይወት ተመክሮ እዩ)፡ እዚ ከኣ ናይቲ እወነተይና ጓሳን መላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንሓድሽ ትውልዲ ንዘቕርቦ ምክንኻን መሰረት ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ ማለት ከኣ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ገዛእ ርእስኻ ምስዋእን ግዜኻን ዓቕምኻን ንዋይ ኵሉ ምውፋርን ዝብል እዩ፡ እዚ ግና ብሓቀይና ቃልን ሕይወትን ዝተሰነየ ምስክርነት ዝድገፍ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።

ብሓባር ሓደ ሕልሚ ንምክፋል

ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሓደ ንኡስ ጉጅለ ብፁዓን ጳጳሳት፡ በቶም ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት ሕቶ ንኽቀረብሎምን መልሲ ንኽህቡ ዘርኣይዎ ስንድውናን፡ ከይፈረሑ ገዛእ ርእሶም ንሕቶ ናይቶም መንእሰያት ብምቕራብ፡ ብሓባር ብትብዓትን ብግልጽነትን ዝዝትን ማሕበረሰብ ንምሕናጽ ኣገዳሲ ዝዀነ መገዲ ከምዝሓበሩ ጠቒሶም፡ እዚ ኸኣ ከምቶም ክልተ ደቀ መዝሙር ኣብ ጐዳና ኤማኡስ ብኢየሱስ ተሰንዮም ብሓባር ሓደ ሕልምን ጉዕዞን ዝተቛደሱ ልክዕ ከምኡ ንኢየሱስ ኣብነት ገይሮም ኣብ ሓደ ሕልምን ኣብ ሓደ ጉዕዞን ንኽካፈሉ ስለ ዝደለዩ እያቶም እንክብሉ መልእኽቶም ኣጠቓሊሎም።

 

 

 

29 September 2018, 16:33