ቅዱስ ኣቦና፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ኣገልግሎት ሕዝበ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ኣገልግሎት ሕዝበ እግዚኣብሔር 

ቅዱስ ኣቦና፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ኣገልግሎት ሕዝበ እግዚኣብሔር

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Episcopalis communio – ኤጲስ ቆጶሳዊ ሱታፌ ብዝብል ኣርእስቲ ዘጽደቕዎ ሓዋርያዊ ቅዋም ሲኖዶስ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ተሓቢሩ።

እቲ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣተኵይሩ ንኽመያየጥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ዝጅመረሉ ቅድሚ ክልተ ሰሙን እቲ ብር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዘቖምዎ ስሩዕ ሓዋርያዊ ቅዋም ሲኖዶሳውነት ትርጉምን ፍጻሜን ዝስዕብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Episcopalis communio – ኤጲስ ቆጶሳዊ ሱታፌ ብዝብል ኣርእስቲ ዘጽደቕዎ ሓዋርያዊ ቅዋም ሲኖዶስ  ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንሕዝበ እግዚኣብሔር ጽን ምባልን ምምኻርን ከምኡ እውን ሓንቲ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝያዳ ነገራት ብሰፊሕን ብዝተፈላለዩ ኵርናዓት ክርእዩ ዝሕግዞም ምዃኑ ብሰፊሕ ዝትንትን ኤጲስ ቆጶሳዊ ሱታፊ ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ቅዋሜ ጳጳሳት ሲኖዶስ ነቲ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝጅመር መበል 15 መደበይና ሲኖዶስ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጠቕላሊ ጉባኤ ንኽጅመር ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ብኽታሞም ኣብ ዘውጽእዎ ሓዋርያዊ ቅዋም፡ ልክዕ ቅድሚ 53 ዓመት ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 15 መስከረም 1965 ዓ.ም. ዘመላኸትዎ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውርሻ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣዚዮም ጥንቃቔን ስነ ምርምራዊ ፍልጠትን ዝሓቱ ሕቶታት ምእንቲ ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ጥቕሚ ብብቕዓት ንምምልካት ዘብቅዖ ኣብ መንጐ ናይ ሮማ ጳጳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብፁዓን ጳጳሳትን ሲኖዶስ  ንውጽኢታውን ስሉጥ ምትሕብባር ዝድግፍ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ እዚ ቤተ ክርስቲያን ንሓድሽ ኣገባብ ኣስፍሆተ ወንጌል ብሓደ ቀጻሊ ናይ ተልእኾ ኩነት ኣብ ዝብል ኣገልግሎት እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ እዋናዊ ዓለም ብቑዕ ናይ ኣስፍትሆተ ወንጌል መትረብ ክኸውን ዝተጸውዐ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ።

ናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት

ብዓንተዉኡ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳ ሲኖዶስ ስሩዕ ቅዋሜ ቤተ ክርስቲያን ግዚኡ ምስ ዝሓቶ ኵነት ክትስጉምን ናይ ገዛእ ርእሱ ምምሕያሽ ኣብ ሲኖዶስን ቤተ ክርስቲያንን ክህልዎ ግድን ዝብል ምዃኑ ኣብቲ እዋን ሓቢሮም ከምዝነበሩን፡ በዚ መሰረት’ዚ ከኣ ኣብ 2006 ዓ.ም ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 Ordo Synodi - ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መምርሒ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ስሩዕ ቅዋሜኡ ዝሕድስን ዘእውንን ዘውጽእዎ ሰነድ ይምስክሮ፡ ብፍላይ ነቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብሓደ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍን ብፍሉይ ኣማኸርቲ ብፁዓን ጳጳሳት ክቐውም ከምዝገበሩን እዚ ኸኣ ናይ ብፁዓ ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣገልግሎት ዘደልድል እዩ።

ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ካብ ብፁዓን ጳጳሳት ዝቐርብ ሓሳብን ለበዋን

 ኣብ ቅድሚ እቲ እዋኑ ዝጠልቦን ዝተፈላለዩ ሕቶታት ህጹጽን ሕቡር ናይ ቤተ ክርስትያን መልሲ ዘድልዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቀረባ ዓመታት ዝተራእየ ሓቂ ክኸውን እንከሎ እዚ ኵነት’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሲኖዶስ ድላይ ክብ ከብል ገይሩ እዩ፡ … ሲኖዶስ መላእ ጓሶት ነቲ ንሳቶም እውን ብጸጋ ምስጢረ ጥምቀት ዝሓብርዎ ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንኸገልግሉ ዝተጸውዑ ምዃኖምን፡ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ንእዋናዊ ሕቶታት ስሉጥን ብቑዕን ኵላዊ መልሲ ክወህብሉ ዝግብኦም ሕቶታት ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተመሪሖም ክእንግዱን ግብእ መልሲ ክህብሉ ዘኽእል ኵነት እዩ።

ምስማዕ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝኣወጅዎ ኤጲስ ቆጶሳዊ ሱታፌ ዘርእስቱ ሰነድ መምህርን ተመሃራይን ማለት መምህርን ደቀ መዝሙርን ነቲ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ዝዛረብ ድምጺ ክርስቶስ ክሰምዑን ናይቲ ድምጺ ልኡኻት ንኽዀኑ ብሓባር ናይቲ ኣብ ዝእመን እምነት ዘሎ ዘይምጋገይ  ኣገባብ የቕርቡ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ሲኖዶስ ድምጺ ሕዝበ እግዚኣብሔር ጽን ዝበሃለሉ  ንምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘማኽር ንሱ ኸኣ እውነተይና ኤጲስ ቆጶኣዊ ዝዀነ ኣገዳሲ ኣካል ምስ ዝኸውን ፍልዩን ሓለፋን ዘለዎ ኩነት ይኸውን፡ ስለዚህ ሲኖዶስ ካብ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ዝተነጸለ ኣይክኸውንን እዩ፡ ሲኖዶስ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ድምጺ ንናይ ብፁዓን ጳጳሳት መጋበርያ እዩ፡ ስለዚህ እዩ ድማ ጉባእያውነት ወይ ውን ሲኖዶሳውነት ዝንበሮን ኣብ መንጐ ጓሶትን ምእመናንን ጳጳሳትን ር.ሊ.ጳጳሳትን ጥልቂ ሱታፌ ዝምስከረሉ ዝኸውን።

ናይ መላእ ክርስቲያን ሕብረት

ካብቶም ናይ ሲኖዶስ ንጥፈታት ሓደ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ነቲ ፍቓድ ጐይታ ዝዀነ ሓድነት ምጽናዕ ዝብል እዩ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ ንቤተ ክርስቲያን ዓብይ ድጋፍ ይኸውን (ሓደ መታን ክዀኑ ዝብል ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዓዋዲት ተመልከት)።

ቅዱስ ኣቦና፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ኣገልግሎት ሕዝበ እግዚኣብሔር
19 September 2018, 16:29