2018.09.08 ንቦታት ስብከተወንጌል ሎምዘመን ዝተሰየሙ ጳጳሳት 2018.09.08 ንቦታት ስብከተወንጌል ሎምዘመን ዝተሰየሙ ጳጳሳት  

ጐይቶት ወይውን መሳፍንቲ ዘይኮነስ ንመጓሰኹም ኣቦታት ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ንአቡናት

ኣብዚ ዓመትዚ ንኣገልግሎት ተልእኮ ዝተሰየሙ 75 ዝኾኑ ኣቡናት ኣብ ተልእኮኦም ንክሕግዞም ካብ ዝሓለፈ ሶኑይ ኣብ ሮማ ሰሚናር ክሳተፉ ተዓዲሞም ኣብ ዲቅ ዝበለ ኣስተምህሮታታ ንዝርከቡ ሓደስቲ ጳጳሳት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ከተማ ቫቲካን ኣብ ኣዳራሽ ክለመንቲና ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ ‘ጳጳስ ዝኸውን ሰብ ናይ ጸሎት ሰብ ኮይኑ ንዓለማውነትን ኣኽራሪ ክህነታዊ ኣተሓሳስባን ገዲፉ ናይ ስብከተ ወንጌልን ናይ ውህደትን ሰብ ክኸውን ኣለዎ’ እንክብሉ መንነት ጳጳስ ገሊጾም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዓመት መጸ ንሓደስቲ ጳጳሳት ኣብ ዝወሃብ ዓውደ መጽናዕትታት ንዝሳተፉ ሓደስቲ ኣቡናት ሓደራ ከምዝብልዎ ሎምዘመን እውን ነቶም 75 ዝኾኑ ኣብ ምሉእ ዓለም ከገልግሉ መዓርገ ጵጵስና ንዝተቀበሉ ኣቡናት መንፈስ ኣባትነት ክለብሱ እምበር ካብ ርሑቅ ቦታ ዘመሓድሩ ጐይቶት ክኾኑ ከምዘይብሎም ብምምሕጻን ኣሰር ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ኢየሱስ ብምስዓብ ኣብ መንጎ መጓሲኦም ብምምልላስ ንወንጌል ክሰብኩ ክሳብ ገዛእ ርእሶም ምሥዋዕ እውን ስንዱዋት ክኾኑ ኣዘኻኺሮም። ቅዱስነቶም ብንጹር ቃላት ዝገለጽዎ ነገር እንተሃልዩ ፍሉይ ኣተኲሮ ኣብቶም ዝተገለሉ ኣካል ሕብረተሰብ ክገብሩ እዩ።

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከምዘዘኻኽርዎ ሓደ ኣቡን ክኽተሎ ዘለዎ መስመር ወትሩ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ መስመር ኮይኑ ‘ሕያዋይ ጓሳ ንገዛእ ርእሱ ከምዘይነብር እኳ ደኣ ንሕይወቱ ምእንቲ እተን መጓሲኡ በጃ ክሳብ ምሃብ ስንድው ከምዝኾነ’ ክስቈሮም ከዘለዎ ኣዘኻኺሮም። ምናዳ ኣብዚ ዘመንና ነቶም ማንም ዘይዝክሮም ዝገደደ ከኣ ካብ ማሕበረሰብ ተጐሲዮም ዝኣልዮም ንዘይብሎም ፍሉይ ኣተኲሮ ክገብሮ ሓደራ ኢሎም። ሓደ ኣቡን ነዚ ንምግባር ዘኽእሎ ናይ ጸሎት ሰብ ምስ ዚኸውንን ወትሩ ምስ ጐይታ ሓድነቱ ዝዕቅብን ክኸውን ኣለዎ።

ጳጳስ ምስ ጐይታ ጸኒዑ ዝነብር ናይ ጸሎት ሰብ ይኹን!

ዘይብሉ ክህብ ስለዘይክእል ሓደ ኣቡን ሃብቱን ጸጋኡን በረኸቱን ካብ ኣምላኽ ስለዝኾነን እዚኤን ክህልዋኦ ከኣ ብጸሎት ወትሩ ምስ ጐይታ ክወሃሃድን ፍቃድ ጐይታኡ ክፈልጥን ኣለዎ ይብሉ እሞ ናብ ተግባራዊ ነገር ምልስ ኢሎም ንነፍሲ ወከፍ ኣቡን ‘ኣብ መዓልቲ ክንደይ ሰዓት ኣብ ጸሎት ተሕልፍ?’ ኢሎ ክሓትት ደስ ምበለኒ ይብሉ። እዚ ከኣ ጸሎት ኣብ ሕይወትን ተልእኮን ሓደ ኣቡን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። ኮይኑ ግን እዚ እውን ክንድዚ ሰዓታት እጽሊ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ስለመጓሲኡ ክሳብ ክንደይ ምስ ጐይታ ይማጐት ይምህለል ማለት ከምቲ ሙሴ ስለሕዝቢ እስራኤል ምስ እግዚአብሔር ዝማጐቶን ዘማልዶን ዝነበረ ዓይነት ጸሎት ኮይኑ ብንጹሕ ልቢ ዝግበር ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣጽኒዖም ተማሕጺኖም። ብድሕሪዚ ዚስዕብ ናይ ምምሕዳርን ስብከተወንጌልን ጉዳይ ስለዝኾነ ቅዱስነቶም ሓደ ጳጳስ ከም ማንም ኣመሓዳሪ ናይ ሓደ ትካል ገባርን ሓዳግን ዘይኮነስ ሰባኬ ወንጌል ሠናይ ዜና ወንጌል ዘበሥር ክኸውን ከምዘለዎ እውን ገሊጾም።

ጳጳስ ኣመሓዳሪ ትካል ዘይኮነስ ናይ ብሥራት ሰብ እዩ!

ቀንዲ መለለይ ሓደ ኣቡን ‘ናይ ስብከተወንጌል ሰብ’ ዝብል ኮይኑ እዚ ከኣ ሓንሳእ ገርካ ጥራይ ጠጠው ዝብል ዘይኮነስ ቀጻሊ ኣብ ጒዕዞ ዝርከብ ሥራህ እዩ። ተመቻቺኡካ ኣጠጢሕካ እትነብረሉ ሕይወት ዘይኮነስ ሕይወት ገድሊ እዩ! ሕይወት መስፍንነት ወይ ጐይትነት ዘይኮንስ ሕይወት ኣገልግሎት እዩ።

ኣቡን ከም ሓደ ኣመሓዳሪ ትካል ኣብ ቤትጽሕፈት ዝቅመጥ ዘይኮነስ ከም ኢየሱስ ኣብ ጐደናታት ዓለም ምስ ሕዝቡ ዝነብር እዩ። ነቲ መምህሩን ጐይታኡን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ዘይተፈልጠሉ ከባቢታት የብጽሕ ኣብቲ ዘይመልክዑ ዝለበሰሉን ኣብ ትሕቲ ስደት ዝርከበሉን የብጽሖ። ካብ ገዛእ ርእሱ ብምውጻእ ንገዛእ ርእሱ ዳግም ምስቲ መጓሲኡን ምስ ጐይታን ይረኽቦ። ኣብዚ ሓደ ሓደጋ ኣሎአ ሓደጋ ሥልጣንን ዓለማውነትን ከአ ይበሃል። እዚ ከኣ ብዘይ መስቀልን ትንሣኤን ንኢየሱስ ጥራይ ተቀበል ዝብል ኮይኑ ነቲ ንስብከተወንጌል ሕይወትካ ክሳብ ምኽፋል ስንድው ክትከውን ኣሎካ ንዝብል መምርሒ ስብከተወንጌል የምክኖ። ብሓጺሩ ሓደ ኣቡን ምስ እግዚአብሔርን ምስ መጓሲኡን ውህደት ክህልዎን ወትሩ ካብ ሰበኻኡ ንከይርሕቅ ዝተኻእሎ ክገብር ከምዝለዎን ካብ ሓደጋ ጐይትነትን ኣኽራርነት ቤተክህነትን ክሕሎ ብምዝኽኻር ቃሎም ሂቦም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
08 September 2018, 17:48