ድለ

2018.09.19 ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ! 2018.09.19 ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ! 

ንወለድና ከነኽብሮም ይግባእ! ፈጺምና ከይንዝልፎም ሓደራ! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ ‘ኣቱም ደቂ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ’ሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዙዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ኣብዚ ምድሪ እዚ ሕጉስ ኰይንካ መዋዕልካ ኪነውኅ እዩ፣ እዚ ተስፋ ዝኀዘ ቀዳማይ ትእዛዝ እዩ’ (ኤፌ 6.1-3)

ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ ዐሠርቱ ቃላት ኣብ እንገብሮ ዘሎና ጉዕዞ ሎሚ ኣብቲ ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር ዝብል ትእዛዝ በጺሕና ኣሎና። ብዛዕባ ንወለዲ ክነቅርቦ ዘሎና ክብሪ ይዛረብ። እዚ ‘ኣኽብር’ ዝብል ቃል ትርጉሙ እንታይ ኮን ይኸውን ቢልና እንተሓተትና ቃሉ ካብ ዕብራዊ ቋንቋ ዝመጸ ኮይኑ ንክብሪ ዋጋ ዘመልክት ኮይኑ ክብደት ናይ ሓደ ነገር ይገልጽ። ደጋዊ ቅርጺ ዝምልከት ዘይኮነ ውሳጣዊ ሓቂ ዝገልጽ እዩ። ንእግዚአብሔር ምኽባር ክንብል ከሎና መንነቱ ብሓቂ ምፍላጥ እዩ ቀጻሊ ህላዌኡ ኣብ መጎና ምርጋግጽ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለያ ሥርዓታት እንገብሮ ጥራይ ዘይኮነ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ክህልዎ ዘለዎ ሓቀኛ ቦታ ምሃብ እዩ። ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር ዝብል ትእዛዝከስ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ኣድላይነቶም ምፍላጥን ዝግብኦም ክብሪ ከኣ ፍቅርኻ ብምግላጽን ሓልዮትካ ብምውፋይን ዝግበር እዩ። ኮይኑ ግን ነዚ ጥራይ ኣይኮነን ዝምልከት።

እታ ራብዐይቲ ቃል ናታ ፍሉይ ባህርያት ኣለዋ! ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ክትብል ዝሓትት ትእዛዝ እዩ። ኣብ ኦሪት ዘዳግም ‘ኣብታ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር’ (5.16) ይብል። ኣቦኻን ኣደኻን ምኽባርከስ ነዊሕ ዕድመ ታሕጓስ ይህብ። ታሕጓስ ትብል ቃል ኣብ ዐሠርቱ ቃል ምስ ወለዲ ኣብ ዝተሓሓዘ ትእዛዝ ጥራይ ተኣሳሲሩ ንረኽቦ።

ነዚ ንሚልይኖኣት ዓመታት ዝተዓቚረ ጥበብ ሰብኣዊ ጥበብና ክርድኦን ክገልጾን ዝኸኣለ ቅድሚ ቊሩብ ዘመናት እዩ። እዚ ከኣ ማሕተም ሕጻንነት ንምሉእ መዋዕል ከምዝውስን እዩ። ሓደ ሕጻን ኣብ ጥዑይን ዝተመዛዘነን ኣከባቢ ምዕባዩ ንምርዳእ ብዙሕ ግዜ ቀሊል ይመስል። ኮይኑ ግን ብኩሉ ዝተጠንጠኑ እሞ ባዕሎም ዝዓበዩ ቆልዑ ወይውን ኣደዳ ዓመጽ ዝኾኑ ቆልዑት ምርዳእ ከቢድ እዩ። ሕጻንነትና ዳርጋ ዘይድምሰስ ቀለም እዩ ክንብሎ ንኽእል! ደስ ዝብሉናን ደስ ዘይብሉናን ነገራት ኣገባባት ኣነባብራ ከምኡ ክንሓብኦም ብእንደልዮም ቊስልታት መሠረትና ዝተዀሓሓለ እዩ።

ራብዓይ ትእዛዝ ግን ክንዮ እዚ ዝብለና ነገር አሎ። ብዛዕባ ሕያውነት ወለዲ ኣይዛረብን! ኣቦታትን ኣደታትን ፍጹማን ይኹኑ ኣይብልን። ብዛዕባ ሓደ መሠረታዊ ተባር ውሉድ ይዛረብ! ካብ ወላዲ ናይ ምዃን ጸጋ ዝምንጩ ፍሉይን ሓራ ዝገብርን ነገር ይእዝዝ። ወላውን ኩሎም ወለዲ ሕያዎት ኩሉ ሕጻንነት ከኣ ሰላማዊ እንተዘይኮነ ኩሎም ደቂ ሕጉሳት ክኾኑ ከምዝኽእሉ የመላኽት እዚ ከኣ ኣብ ደረጃ ሕጉስን ምሉእን ሕይወት ምብጻሕ ኣብ ቅኑዕ ኣፍልጦ ናይቶም ኣብዚ ዓለም እዚ ከም እንህሉ ዝገበሩና እዩ።

እዛ ቃል እዚኣ ኣብቶም ዝተፈላለየ ቃንዛ ዝመልኦ ታሪክ ሕይወት ዘለዎምን ኣብ ንእስነቶም ዝተሳቀዩን መንእሰያት ሕይወት እተበርክቶ ሃናጺ ሓሳብ እስከ ንሕሰብ። ብዙሓት ቅዱሳን ካብዚኦም ብዙሓት ክርስትያን እዮም ድሕሪ ኣሰቃቂ ሕጻንነት ኣብ ብሩህ ሕይወት ከምዝመጹ ይገልጹ እዚ ዝኾነሉ ከኣ ሳላ ጸጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሕይወት ክዕረቁ ብምኽኣሎም እዩ። ከም ኣብነት ሎሚ ብፁዕ ኢልና እንዝክሮ ድሕሪ ወርሒ ግን ቅዱስ እንብሎ መንእሰይ ሱልፕሪዝዮ ኣንተሓሰብና እዚ መንእሰይ እዚ ኣብ 19 ዓመቱ ምስ ብዙሕ ስቃይን ቈጺርካ ምስ ዘይውድኡ ጸገማቱን ምስ ሕይወት ተዓሪቁ ከመይ ልቡ ቅሱን ነሩ ምስ ወለዱ ከኣ ፈጺሙ ተራጺሙ ወይ ረሲዕዎም ኣይፈልጥን፣ ቅዱስ ካሚሎ ዘለሊ እንተሓሰባን ዘይስሩዕ ሕጻንነት ኣሕሊፉ ኣብ መወዳእታ ሕይወት ፍቅርን ኣገልግሎትን ክሃንጽ ክኢሉ። ቅድስት ጁሰፒና ባኺታ እንተተመልከትና ኣብ ጽንኩን ባርነት ዓብያ ኣብ ቅድስና በጺሓ። ወይውን እቲ ዘኽታምን ድኻን ዝነበረ ብፁዕ ካርሎ ኞኪ ከምኡ እውን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ሕጻንነቱ ኣዲኡ ዝሰኣነ ክሕሰብ ይከኣል።

ወዲሰብከስ ካብ ዝኾነ ታሪኻዊ ድሕሪ ባይታ ይምጻእ ካብዚ ትእዛዝ እዚ ናብ ክርስቶስ ዘብጽሕ መምርሒ ይረክብ። ኣብቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝዕደለና ‘ካብ ላዕሊ ዳግም ምውላድ’ (ዮሓ 3.3) ከኣ ሓቀኛ ኣቦ ይግለጽ። ሕንቅልሕንቅሎተይ ሕይወትናኸስ እግዚአብሔር ካብ ጥንቲ ደቁ ክንከውን ከምዘሰናድወና ኣብ ምፍላጥን ነፍሲ ወከፍ ተግባር ከኣ ካብኡ ዝተቀበልናያ ተልእኮ ምዃኑ ይበርህ።

ኣብ ሕይወትና ዘጋጥሙና ጸገማት ካብቲ ንምንታይ ዝብል ሕቶ ናብ ንመን ኣብ ዝብል ርድኢት እንክሰግር ተኽእሎታት ምዃኖም ንግንዘብ። ስለምንታይ እዚ ረኸበኒ ዘይኮነስ ንመን እዩ እዚ ዝረኸበኒ ኣብ ዝብል ንሰጋገር። እግዚአብሔርሲ ንታሪኽ ሕይወተይ ብከምዚ ዚኲስኲሳ ንመን እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ንበጽሕ። ኣብዚ ኩሉ ይገማጠል እቲ ጥፍኣት ዝመስለና ዝነበረ ሕንጸት ኮይኑ ክብሪ ይለብስ። ሽሕ’ኳ ዘሕዝንን ሥቃይ ዝመልኦን እንተኾነ ተመኲሮ ሕይወተይ ብብርሃን ፍቅሪ ከመይ ኢሉ እዩ ንካልኦት ምንጪ ድሕነት ክኸውን ዝኽእል! ቢልካ ምሕታት የድሊ። ስለዚኸስ ንወለድና ብነጻነት ክንዲሰብ ዝበጽሑ ውሉድን ንድሩትነቶም ብዓይኒ ምሕረት ብምቅባልን ክነኽብሮም ንጅምር።

ወለድና ክነኽብሮም ኣሎና! ከመይ ሕይወት ሂቦምና! ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ወለድኻ ርሒቅካ ዘሎኻ ናብኦም ንክትምለስ ተጋደል ሸምጊሎም ይኾኑ ኮይኑ ግን ሕይወት ዝሃቡኻ ንሶም እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ መልሓስና ኣይእርኑብን እዩ ሕማቅ ዘረባ ንዛረብ! በጃኹም ኢለኩም ተጻይ ወለድና ዝኾነ ሕማቅ ዘረባ ከይንዛረብ። ከምኡ እውን ብዛዕባ ወለዲ ካልኦት። ንወላዲትስ ይኹን ንወላዲ ፈጺምካ ዘይምዝላፍ! ነዚ ኣብ ውሽጢ ልብኹም ሕሰብዎ እሞ ወስኑ! ካብ ሎሚ ንደሓር ንማንም ኣደ ንማንም ኣቦ ኣይዝልፍን ኢልኩም ቊርጺ ፍቃድ ግበሩ። ከመይ ሕይወት ዝሃቡና ክዝለፉ የብሎምን።

እዛ ኣደናቂት ሕይወትከስ ተዓዲላትና እምበር ከም ተጽዕኖ ኣይተዋህበትናን! ብክርስቶስ ዳግም ምውላድ ከኣ ብነጻ ክንቅበሎ ዘሎና ጸጋ እዩ (ዮሓ 1.11-13) እዚ ከኣ መዝገብ ጥምቀትና እዩ! ኣብዚ ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ እንኮ ሰማያዊ ኣቦ እዩ ኣቦና (ማቴ 23.9 1ቆሮ 8.6 ኤፈ 4.6) እግዚብሔር ይሃበለይ። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም። 

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
19 September 2018, 19:45