ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም. 

ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም.

“ዋላ ኣብ ቤት ማሕቡስ እውን ሃሉ፡ ድኹምን ውሱንን እውን ኵን ፍቕሪ ናጻ የውጽእ፡ ካብ ኢየሱስ ዝተጸገወና ፍቕሪ ጥርሕ ኢዩ ነቲ ሰንሰለት ናይ ሓጢኣት ባርነት ዝበታትኽ፡ ብፍላይ ከኣ ካብቲ ናይ ኣንነት ጊሊያነት ናጻ የውጽእ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ዝተኣወጀን ደሓር እውን ኣብ ኦሪት ዘዳግም ብተቓራራቢ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ዝተደግመ ሳልሳይ ቃል፥ ዕረፍቲ ቅድም ክብል ቡራኬን ንፍጥረት ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ብምትሕሓዝ እውን ዕረፍቲ ከም ዝኽሪ መዓልቲ ምስግጋር ወይ ፋሲካ ካብ ጊሊያነት ናብ ናጽነት ምዃኑ የመላኽት

ሎሚ ረቡዕ ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኦሪት ዘዳግም ተመልኪቱ ዘሎ ዓስርቱ ቃላት ኣሞርኵይዞም ዘቕርብዎ ዘለዉ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶ ብምቕጻል፡ ሎሚ ኣብ ሳልሳይ ቃል ዓስርቱ ትእዛዛት ኣማእኪሎም ኣስተምህሮ ከምዝለገሱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማቫቲካን

“ዋላ ኣብ ቤት ማሕቡስ እውን ሃሉ፡ ድኹምን ውሱንን እውን ኵን ፍቕሪ ናጻ የውጽእ፡ ካብ ኢየሱስ ዝተጸገወና ፍቕሪ ጥርሕ ኢዩ ነቲ ሰንሰለት ናይ ሓጢኣት ባርነት ዝበታትኽ፡ ብፍላይ ከኣ ካብቲ ናይ ኣንነት ጊሊያነት ናጻ የውጽእ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ዝተኣወጀን ደሓር እውን ኣብ ኦሪት ዘዳግም ብተቓራራቢ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ዝተደግመ ሳልሳይ ቃል፥ ዕረፍቲ ቅድም ክብል ቡራኬን ንፍጥረት ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ብምትሕሓዝ እውን ዕረፍቲ ከም ዝኽሪ መዓልቲ ምስግጋር ወይ ፋሲካ ካብ ጊሊያነት  ናብ ናጽነት ምዃኑ የመላኽት፡ ስለዚህ እቲ ጊሊያ ልክዕ ከም ጐይቶቱ ናይ ናጽነት ፋሲካ በዓለ ተዘክሮ ዝገብረሉ መዓልቲ ምዃኑ የመልክት።

ናይ ጊሊያነት ጉራማይለኣዊ ሰባላቃ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በርጎሊዮ ዝተፈላለየ ዓይነት ጊሊያነት ከምዘሎ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ደጋውን ውሳጣውን ጊሊያነት ብዝብል ቃል ኣብሪሆም፡ ማለት ብዓመጽን ብኻልእ ዓይነት ኢፍትሓውነት ግብርታትን ዝተጨውየ ሕይወትን ጸቕጥን ጊሊያ ዝገብሩ ደጋውያን ኵነታትን ዝብሉ ምዃኖም ገሊጾም፡ ውሳጣዊ ጊሊያነት ከኣ መሰናኽላት ዝፈጥሩ ናይ ስነ ኣእምሮኣውን ናይ ግላዊ ጠባያት ዘመልክት እዩ፡ … ኣብዚ ዓይነት መቑሕ ናጻ ዝዀኑ ንኣብነት ከም ቅዱስ ማሲሚሊያኖ ኮልበን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ብፁዕ ካርዲናል ቫን ቷን ጠቑሶም፡ ታሪኽ ብዙሓት ካብ ዝተፈላዩ ጸቕጥታት ዓመጽን መዓልቲ ዕረፍትን መዓልቲ ምሕረትን ዝተቐበሉ ከምዘለዉ የመላኽት፡

ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ናጻ የውጽኣና፡ ምስ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ክትራኸብ እንኰለኻ ከተራኽቦን ከተመሓላልፎን ዝከኣለካ ዓቢይ ውሽጣዊ ናጽነት ከተስተማቕር የብቅዓካ።

ናይ ርእሰ ኣንነት ጊላዎት

ብፍላይ ከኣ ቅዱስነቶም ካብቲ ኣዚዩ ዝኸፍኤን ካብ ቤት ማእሰርቲ ንላዕሊ ምቝሕ ዝገብርን ካብ ቅልውላው ረዓድን ኣዚዩ ዝገደደ ናይ ርእሰ ኣንነት ጊሊያ ምዃን እዩ ኢሎም፡

ኣንነት ልክዕ ከም ልጓም ኣብ ኣብ ዝኸድካዮ ኪድ ዝስዕበካ ዓሚዩቕ ዝዀነ ከቢድ ጸቕጢ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ተራ ዝዀነ ይኹን ትእዛዝ ብምጥሓስ ካብ ዝኽሰት ሓጢኣት ንላዕሊ ናይ ህልውና ውድቀትን ኽስራን ወይ ውድቀት ከቢድ ኩነት ጊሊያነትን ዘስዕብ ማለት እዩ።

ቂመይና ልክዕ ከም ሕማም ወይቦ መንፈስ የበጭው

ሰብኣዊ ፍጥረት ከም ሰንሰለት ጊሊያነት ዝኣስሩ ብዙሓት ዓይነት ሓጢኣት ኣሎ፡ ሃርጓፍ ከስዕኻ መሊኡ እንከሎ ኣይበላዕካን ዝብልን እኹል እንከለካ ከምዘይብላ ብዶ ክስምዓካ ዝገብር፡ ስስዔ ኩሉ ንዓይ ዝብልን ዝቐትል ስስዔን ቁጣዔን ርክባት ዘዕንው ቅንእን ዝብሉ ብዙሓት ንሰብ ጊሊያ ዝገብሩ ሓጢኣት ዘርዚሮም፡

ቅንዒ ይብሉ ብዙሓት ጸሓፍቲ ኣካልን ነፍስን የበጭው ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ወይቦ ክሕዞ እንከሎ መላእ ኣካሉ ዝወሮ ዓይነት ሕብሪ እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ፡ ቂመይናን ቀናእን ብጫ መንፈስ ዘለዎ እዩ፡ ስለምንታይ መንፈሱ ናይ ጥዕና ምልክት ስለ ዘይብሉ፡ ቂመይና ምዃን ይቐትል።

ናይ ስቑል ኢየሱስ ፍቕሪ

እውነተይና ጊሊያ ምዃን ናይ ምፍቃር ብቕዓት ክህልወካ ይገብር፡ እቲ ሳልሳይ ቃል ወይ ትእዛዝ ንኽርስቲያን፥ እቲ ውሳጣዊ ሓጢኣት ዝፈትሕ ሰብ ናይ ምፍቃር ኣኽእሎት ክህልዎ ናይ ዝገብር ናይ ጐይታ ኢየሱስ ትንቢት እዩ፡

እውነተይና ፍቕሪ እውነተይና ናጽነት እዩ፡ ካብ ንኣይ ጥራይ በሃልነት ዘላቕቕ፡ ርክባት ዝሓንጽ ንብጻይካ ከተእንግድን ከተኽብርን ዘብቅዕ፡ ኩሉ ድኻም ናብ ጸጋ ዝቕይር፡ ንሱታፌ ብቑዕ ዝገብርን እዩ፡ ፍቕሪ ኣብ ቤት ማሕቡስ እውን እንተለኻ ድኹምን ውሱንን እውን እተዀንካ ናጻ ይገብር-ናጻ የውጽእ።

ናይ ማርያም ፍቕራዊ መልሲ

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ኣብቅዑ፡ ዕለት 12 መስከረም ዓመታዊ በዓል ናይ ማርያም ስም ምዃኑ ዘኪሮም፥

ኵላትና ክርስቲያን ኣብ ፍቕሪ ማርያም እቲ እግዚኣብሔር ነዛ ዓባይ ሰማያዊት ፍጥረት ዝዀነት ማርያም ዘለዎ ዓቢይ መደብ ክንቕበልን ከምኡ እውን እቲ ማርያንም ነቲ ፍቕሪ ዝሃበቶ ፍቕራዊ መልሲ፡ ገዛእ ርእሳ ከይበቐቐት ንናይ ወዳ ኢየሱስ ናይ ምድሓን ተግባሩን ዝሃበቶ ፍቕሪ ከነእንግድ ዝተዓደምና ኢና፡

እንክብሉ ንዅሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ተሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ ዝኸፍኤ ባርነት ናይ ኣንነት ግዙእ ምዃን እዩ ኢሎም
12 September 2018, 16:41