ድለ

2018.09.05 Udienza Generale 2018.09.05 Udienza Generale 

ሰንበት መዓልትስ ምስሕሉፍካ እትዕረቀላ መዓልቲ ሰላም እያ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ንትእዛዛት እግዚአብሔር ብዝምልከት ዝጀመርዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ሎሚ ሮቡዕ ረፍዲ እውን ‘ዕለተ ዕረፍትስ ካብ ሥራሕ በዂርካ ጠንቀላዕላዕ እትብለላን እተዕረፈላን ጥራሕ ዘይኮነስ ንነገራት እትባርኸላን እትቅድሰላን ዕለት እያ። ዕለተሰንበትከስ ምስ ነፍሳኻ ዕርቀ ሰላም እትገብረላ ዕለት እያ` እንክብሉ ነታ ሰንበት መዓልቲ ኣኽብር እትብል ሣልሰይቲ ትእዛዝ እግዚአብሔር ብሰፊሑ ተንቲኖም።

ቃል አምላኽ!

‘መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ። እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን።’ (ዘጸ 20.8-11)

ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ንዕሠርቱ ቃላት ዝምልከት ጒዕዞ ሎሚ ብዛዕባ ዕለተ ዕረፍቲ ክነስተንትን ይዕድመና። እዚ ትእዛዝ እዚ ንክትፍጽሞ ዝቀለለ ኮይኑ ይስመዓካ ኮይኑ ግን ግጉይ ስምዒት እዩ። ብሓቂ ዕረፍቲ ምግባር ቀሊል ኣይኮነን ከመይ ሓቀኛ ዕረፍትን ናይ ሓሶት ዕረፍትን ኣሎ። ነዚ ከመይ ገርና ክነለልዮ ንኽእል!

ዘሎናዮ ማሕበረሰብ ናይ ምዝንጋዕን ዕረፍትን ጽምኢ ዝልልዎ ይመስል። ንምዝንጋዕ ተባሂሉ ኣብ ፈቀዶ ዝካየድ ወፍሪ ሥራሕን ምውዕዋዕን ኩሎም ክዘናግዑሉ ዝኽእሉ ዝተፈላለየ ጸወታ ዝግበረሉ ዓቢይ ሜዳ ብምቅራብ የተሃራርፍ። ሎሚ ከም ሎሚ ትርጉም ሕይወት ኣብ ክንዲ እቲ ቊምነገራዊ ዝኾነ ተግባራትን ናይ ምፍጻም ሓላፍነቶምን ዝዕድመካ ካብኦም ክትሃድም ይደፋፍእ። ምሉእ ዓመት ሰሪሕካስ ንክትዘናጋዕ። ናይ ዘመንና ናይ ዓወት ምልክት ክሳብ ክንደይ ክትዘናጋዕን ዘይበጻሕካዮ ቦታት ክትበጽሕን ምኽኣል ኮይኑ ኣሎ። እዚ ግን ክንዲ ዕረፍቲ ብዘዘናግዑ ነገራት ደንዚዝካ ዓጊብካ ናይ ምኽኣል ሥነሓሳብ ሸተት የብለካ። እዚ ከኣ ካብቲ ዘሎ ሓቂ ክትርሕቅ ከምዘየሎ ገርካ ምግማት ካብ ኩነት ምህዳም እዩ።  እዚ ዕረፍቲ እንተኾይኑ ወዲሰብ ከምዚ ኣብ ዘመንና ገሩ ኣየዕረፈን ክንብል ንኽእል እዚ ግን ባዶሽ ዝኾነ እዩ። ንክትዘናጋዕ ንክትዛወር ዝተፈላለዩ መጓዓዚታት ዓበይቲ ጀላቡ ነፈርትን ካልእን ተጠቀም ኮይኑ ግን እዚ ኩሉ ንልብና ክመልኦ ኣይክእልን። ስለዝኾነ ከኣ ሰላም ኣይህቡንን ናይ ሕልና ዕርፍቲ ኣይህቡናን።

ትሕዝቶ ዓሠርቱ ቃላት ከስ ኣብ ልብና ሃሰስ ይብሉ እሞ እንታይ ጸገም ከምዘሎ ንክንርኢ የብርሁልና። እዚ ከኣ ዕረፍቲ እንታይ ማለት ምዃኑ የብርሁልና ማለት እዩ። እዚ ትእዛዝ እዚ ፍሉይ መተሓሳሰቢ የቅርበልና። ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ ‘እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን።’ እንክብል ምኽንያት ናይዛ ዕረፍቲ ይገልጸልና።

እዘን ቃላት እዚአን ኣብተን መጀመርያ መጽሓፍ ዘፍጥረት ዘሎ እግዚብሔር ንኩሉ ምስ ፈጠረ ኣብ መጨረሻ ንዝገበሮ የዘኻኽረና። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረ 1.31 ከኣ ‘እግዚአብሔር ኩሉ ዝፈጠሮ ተመልከተ ኩሉ ከኣ ብጣዕሚ ጽቡቅ ነበር’ ይብል። በዚ ከኣ እታ ዕለተ ዕረፍቲ ትጅምር እዚ ማለት ከኣ እትዚአብሔር በቲ ዝገበሮ ክሳብ ክንደይ ባህ ከምዝበሎ የመልክት። ስለዚኸስ እዚ ዕለት እዚ ዕለተ ኣስተንትኖን ዕለተ ምስጋናን እዩ።

በዚ ትእዛእዝ እግዚአብሔር ዝብሎ መሠረት ዕረፍቲ እንታይ ኢልና ክንሓትት ንግደድ! ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተመልከትናዮ ዕረፍቲ ማለት ናይ ኣስተንትኖ ግዜ እዩ! ናይ ምስግናን ክብርን ምቅራብ ግዜ እምበር ናይ ምህዳም ግዜ ኣይኮነን። ንኩነታትና ንነገራትን ከምዘለው ክንምልከቶምን ሕይወት ክንደይ ጥዑም እዩ! ኩሉ ፍጥረት ክንደይ ሠናይ እዩ እናበልና ክነደነቅን ክነመስግንን እምበር ክንሃድም ኣይኮነን! ስለዚኸስ ዓሠርቱ ቃላት ነዚ ሃዳምነት ነጺጉ ስለኩሉ ክነመስግንን ክንባርኽን ይጽዋዓና። ንዓና ንክርስትያን ከኣ ሕልፍ ብዝበለ ዕለተ ሰንበት ዕለተ ጐይታ እውን ብምዃና ማእከል ናይ ኩሉ ኮይና ዕለተ ቅዱስ ቊርባን እያ። ቅዱስ ቊርባን ማለት ከኣ ምስጋና ምቅራብ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ንእግዚአብሔር ‘ኦ ጐይታ ሕይወት ስለዝሃብካና ተመስከገን ስለምሕረትካ ተመስገን ስለኩሉ ጸጋታት ተመስገን እንብለሉ ዕለት እዩ። ዕለተሰንበትከስ ንካልኦት ዕለታት ሓኺኽና ካብ ዝኽርና ክንኣሊ ዘይኮነስ ንክንዝክርነን ኣብአን ንዝተቀበልናዮ ጸጋ ብምዝካር ንእግዚአብሔር ክነመስግንን ዝጐደልናዮ እንተልዩ ሕልናና ብምምርማር ምስ ሕይወትና ሰላም ንክንገብር ንጽወዓሉ ዕለት እዩ። እስከ ንሕሰብ ክንደይ ሰባት እዮም ንዕለተ ሰንበት ንምዝንጋዕ ዝጥቀሙሉ ኮይኑ ግን ኣብ ሕይወቶም ሰላም ዘየሎ። ሰላም ምስ ገዛእ ርእሶም የብሎም ሰላም ምስ እግዚአብሔር የብሎም! ምስ ብጾቶም ሰላም የብሎም! ትርጉም ሰንበት ትርጉም ዕረፍቲኸስ እዚ እዩ ሰላም ምስ ሕይወትካ ሰላም ምስ እግዚብሔር ሰላም ምስ ብጾትካ ናይ ምግባር ዕለት እዩ። ሕይወት ክብርቲ እያ ምባል ቀሊል ኣይኮነን ኮይኑ ግን እወ ሕይወት ክብርቲ እያ ግን ሓንሳእ ሓንሳእ ኣቀንዛዊት እውን እያ።

ሓቀኛ ዕረፍቲ ምግባርከስ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሌና ዝፍጽሞ ተግባር እዩ። ነዚ ከኣ ካብ መርገምን ሳዕቤኑን ክንርሕቅ ብምዕዳም ኢና ክንገብሮ ዘሎና (ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ቊ.83 ዝብሎ ከኣ ካብቶ ንልብና ዘይሐጒስ ነገራት ዘውርብሉና ክንባድምን ነቶም ናይ ዘይምህጉሳና ምስምስ ዝኾኑ ቀለልቲ ነገራት ክንወገድ የድሊ። ነቲ ናይ ዓቢ ልቢ እንቅስቃሴ ዝኾነ በረኸትን ታህጓስን ክብቡና ኣብ ዝኽእሉ ነገራት ንዘንብል። ጽቡቅ ነገር ደስ ዝብል ስለዝኾነ ከም ትእዛዝ ክጸዓነካ ዘይኮነስ ክትመርጾ እዩ ዘሎካ።

ሰላም ይምረጽ እምበር ከም ተጽዕኖ ኣብ ካልኦት ተንብሮ ወይ በገጣሚ ዝኸውን ነገር ኣይኮነን። ካብዚ ምኽኒታት እዚ ብምህዳም ብልብና እናኣፈቅረኸስ ወዲሰብ ምስቲ ካብኡ ዝሃድሞ ነገር ሰላም ክገብር ኣለዎ ኣለዎ። ምስ ታሪኽ ነፍሲወከፍና ክንዕረቅ ግድን እዩ። ምስተን ዘይተቀብልናየን ኩነታትን ኣብ ናብራና ዘጸግሙናን ነገራት ዕርቀ ሰላም ክንገብር ኣሎና። እስኪ ክሓተኩም ‘ነፍሲወከፍ ምስ ገዛእ ሕይወትኩም ዕርቀ ሰላም ገርኩምዶ! ስለዚ ክተስተንትንዎ ዘሎኩም ሕቶ ኣነ ምስ ታሪኸይ ተዓሪቀዶ ዝብል ይኹን። ሓቀና ሰላምከስ ነቲ ሓቀኛ ታሪኽካ ምቅያር ዘይኮነስ ክትቅበሎን ዋጋ ክትህቦን ከምዘለዎ ክትቅበሎን ማለት እዩ።

ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና ክንደይ ግዜ ኣብ ሕማም ዝርከቡ ክርስትያን ኣሕዋትና ሰላምን ህድኣትን ብዝመልኦ ኣገባባት ልዕሊ እቶም ኣብ ደስታን ፈንጠዝያን ዝነብሩ ዘየጸናንዑና። ክንደይ ትሑታትን ድኻታትን ሰባት ብናኣሽቱ ጸጋታት ሕይወት ዘለዓለም ከምዘለዎም ብምፍላጥ ሓጐስ ዘይኣርኣዩና።

በዚኸስ እግዚብሔር ኣብ ኦሪት ዘዳግም 30.19 ‘ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ሕይወትን  ሞትን በረኸትን መርገምን ኣቀሚጠልካ ኣሎኹ! ሃየኸስ ንስኻን ዘርእኻን ምእንቲ ክትነብሩ ሕይወት ምርጽ’ ይብለና። እዚ ምርጫ እዚ ምስታ ‘ይኩነኒ በከመ ትቤለኒ’ ኢላ ፍቃድ ጐይታ ዝመረጸት ድንግል ማርያም ምርጫ ኮይኑ በዚ ከኣ ነቲ ኣብ ኣሰር ክርስቶስ ዘቊመና መንፈስ ቅዱስ ልብና ንኸፍት ንሱ ከኣ ኣብቲ ሕሱም ግዜ ናብ እግዚብሔር የማሕጽነና በዚ ከኣ ናብ ትንሣኤ ሕይወት ናብ እትወስድ ማዕጾ የብጽሓና።

ሕይወት መኣስ እያ ጥዕምቲ ትኸውን! ኢልና እንተሓተትና ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ሠሠናዩ ክትሓስብ ምስ ጀመረትን ንኩሉ ታሪኻ በዚ ክትጥምቶ ምስ ጀመረትን እዩ። ነቲ ኩሉ ብጸጋ ዝተዋህበና ጒዕዞ ሕይወት ካብ ብምጥርጣር ብተኣማንነት ክንጐዓዞ ከሎና እዚ ቅዱስ ሓሳብ እዚ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝስምዓና ዘይምዕጋብ መንደቅ ኣፍሪሱ ናብ ሓቀኛ ዕረፍቲ የብጽሓና። ከምቲ ዘማራይ ዝብሎ ‘ነፍሰይ ኣብ እግዚብሔር ጥራሕ እያ እተዕርፍ’ ንዝብል ተኣንጊብና ንልብና ምሉእ ብምሉኡ ናብ ሓልዮት ኣምላኽ ጋህ ኣቢልና ምስ እንኸፍቶ ሽዑ እያ ሕይወት ጥዕምትን ጽብቅትን እትኸውን፣ እዛ ጠቅሲ እዚኣ ጥዕምቲ እያ ነፍሰይ ኣብ እግዚአብሔር ጥራሕ እያ እተዕርፍ’ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
05 September 2018, 18:11