2018.09.07 ማሕበር ወለዲ ሃገረ ጣልያን 2018.09.07 ማሕበር ወለዲ ሃገረ ጣልያን  

ንደቅኹም ኣብ ምዂስኳስ ምስ ኣብያተትምህርቲ ክትዛተዩ እማነት ከኣ ክተሕድሩ የድሊ! ር.ሊ.ጳ ንወለዲ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ኣባላት ማሕበር ወለዲ ሃገረ ጣልያን ኣብ ከተማ ቫቲካን ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ንሕንጸት ደቆም ዘተን ምትእምማንን ምስ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዘድልዮም ድሕሪ ምግላጽ ስለእቲ ንሥድራቤት ኣጸኒዖም ንምኻድ ዝገብርዎ ቃልስን ንደቆም ኣብ ምዂስኳስ ንዘበርከትዎን ዓቢ ምስጋና ከምዝግቦኦም ገሊጾምሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ማሕበር ወለዲ ሃገረ ጣልያን ካብ ዝምሥረት 50 ዓመት ስለዝገበረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምክያድን ነቲ ከም መሠረት ዝተጠቅሙሉ መምርሒ ክርስትና ዝኾኑ መበቆሎምን ንምግምጋም ነበረ። ሓምሳ ዓመት ይገብር ንወለዲ ኣብ ኣተዓባብያ ምናዳ ከኣ ኣብ ኲስኰሳን ትምህርትን ሕንጸትን ንክተሓጋገዙ ብዝብል ዕላማ ነዚ ከኣ ኣብ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ሞራል ተመስሪቶም እዩ። ቅዱስነቶም ከኣ ነዚ ብምዝካር ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ወለዲ ነዚ ዓቢይ ትዕድልቲ ኲስኰሳ ውሉድ ከምዝግባእ ከካይዱ ብምዝኽኻርን ስለእቲ ኩሉ ዝገብርዎ ጻዕርን ተጋድሎን ብምምስጋን ከምዚ ክብሉ ኣተባብዕዎም።

“ኣብዚ ዘመንና ብዝስዕቡ ጸገማት ንናኣሽቱ ደቅኹም ካብ ኩሉ ሓደጋ ንምሕላው ከም ማሕበር እንክትቃለሱ ንመጻኢ ብዘይፍርሂ ንክትብድህዎን ናይዚ ዓለምዚ ሓደጋታት ከምዘየፍራህኩም እንክተረጋግጹ፣ ንደቅኹም ንሰብኣውን ምዕቡልን ክርስትያናውን መዕበያ ንክረኽቡ ብምሉእ ተኣማንነት እትመርጹሎም መዕበያን እንተመልክትዎም መንገድን ዝነኣድ እዩ። ስለዚ ሎሚ ከም ሎሚ ኣብዚ ተባዕ ጒዕዞኹም ንእሽቶ ምኽሪ ክህበኩም ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ መንጎ ወለድን ኣብያተ ትምህርትን ሓዲስ ናይ ኲስኰሳ ኪዳን ክትከል ኣለዎ።”

ሓዲስ ናይ ኲስኰሳ ኪዳን ኣብ መንጎ ወለድን ኣብያተ ትምህርትን!

ቅዱስነቶም ኣድላይነት ትምህርቲ ኣብ መዕበያን ኲስኰሳን ውሉድ ንምግላጽ ‘ቤትትምህርቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ኲስኰሳ ውሉድ ምስ ሥድራቤት ቀዳማይ ሽርክነት የቍውም። ሎሚ እውን እንተኾነ ሽሕ’ኳ እቲ ኣብ መንጎ ሥድራቤታትን ኣብያተትምህርትን ዝነበረ ዝልሕልሕ እንተመሰለን እቲ ቀደም ዳርጋ እዚ ክትብሎ ዘይከኣል ደሞዝ እናተቀበሉ ልዕሊ ወለዲ ዝግደሱን ዝኲስኲሱን ዝነበሩሉ ዘመን ሓሊፉ ኣብ መንጎ ሥድራቤታትን ኣብያተትምህርትን ዘሎ ርክብ ዝተዳኸመሉ ዘመን እኳ እንተሎና ልዕሊ ወለዲ ኮይኖም ዘይከውን ነገር ንከምህሩን ብዘይመንገዱ ንከይኲስኵሱን ዘተን ሓዲስ ኪዳን ምትካልን ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ስለዚኸስ ኣብያተትምህርትን ንመማህራንን ብምዝምልከት ሓዲስ ምትእምማን ክትሓንጹን ከመይ ብዘይ ናቶም ምትሕብባር ኣብ ኲስኰሳ ደቅኹም በይንኹም ትኾኑ ነቲ ዘመንና ዘቅርቦ ብደሆታት ማለት ካብ ዘመናዊ ባህልስ ይኹን ማሕበርሰብ ካብ መራኸቢ ብዙሓንስ ይኹን ካብ ሓደስቲ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለታት ንዝመጹ ብደሆታት በይንኹም ክትገጥምዎም ክትጽገሙ ስለዝከኣል ምስ ኣብያተትምህርትን መማህራንን ምዝታይን ምስምማዕን ከድልየኩም እዩ። ከመይ ሓደ ሕጻን ንክትኲስኵስ ሓደ ዓዲ የድሊ ዝብል ብሂል ኲስኰሳን መዕበያን ሓደ ሕጻን እኩብ ድምር ሥራሕ ናይ ምሉእ ዓዲ ንምዃኑ ንከመልክት እዩ።”

ሓደ ሕጻን ንክትኲስኵስ ሓደ ዓዲ የድሊ!

ቅዱስነቶም ኣብ ህልው ኩነታት ትምህርትን ኩነታቱን ምልስ ይብሉ እሞ ብርግጽ ብሓደ ወገን ውስንነት ናይ ዘመንና ኣብያተትምህርትን መማህራንን እንተሎ በቲ ሓደ ወገን ግን ኣብ ሥነመዕበያ ደቅና ንዘበርክትዎ ዓቢ ነገር ክነተባብዖም ኣሎና። ነዚ ንምግባር ከኣ ከምቲ ዓቢ ጥበብ ዘለዎ ኣፍሪቃዊ ምሳሌ ዝብሎ ሓደ ሕጻን ንክትኲስኵስ ሓደ ዓዲ የድሊ እዩ እቲ ነገሩ ኢሎም።

ርክብን እሂምሂንን እንተዘየሎ ከምኡ እውን ምትእምማን ሓድሕድ እንተዘየሎ ማሕበረሰብ ክተቁውም ኣይከኣልን ብዘይማሕበረሰብ ከኣ ክትኲስኲስ ኣይከኣልን። ስለዚ ማሕበረሰባትና በዚ መሠረት እዚ ክሠርሓ እላቦ። ከመይ ሓደ ማሕበረሰብ ማዕረ ወለዲ ኮይኑ ነቶም ውሉድ ኣብ ምኲስኳስን ትምህርትን ሥነመዕበያን ኣበርክቶ እንተዘይገሩ ሓባራዊ ዕብየት ክርከብ ኣይከኣልን።

“ዝተፈቶኹም ወለዲ ውሉድ ካብ እዝጊ ዝተቀበልክምዎም ዝኸበሩ ውህበት እዮም። ነዚ ውህበት እዚ ብሓላፍነትን ብልግስን ምዕቃቡ ተመሃሩ። እዚ ክቡር ውህበት ዝኾኑ ውሉድ ከም ደቂሰባት ብእኹል ነጻነት ክዓብዩን ክበስሉን ሕደግዎም ንሶም ከኣ ሓደ መዓልቲ ብግዲኦም ነዚ ክቡር ውህበት ሕይወት ክፉታት ክኾኑ እዮም። ኣብ ሞራላውን ኤቲካውን ሕይወት ንሠናይን ዘይሠናይን ነገራት ኣለልዮም ክኽእሉ መሃርዎም። እንክብሉ ተሰናበትዎም።”

ኣብ ላዕሊ ከምዝገለጽናዮ ማሕበር ወለዲ ሃገረ ጣልያን ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ብ1968 ዓም ሥድራቤትን ቤትትምህርትን ኲስኰሳን ንከዋሃህድ ዝቆመ ማሕበር ኮይኑ ኣብ ኩሉ ዞባታት ሃገረጣልያን ልዕሊ 200 ዞባዊ ማሕበራት ዝሓቘፈ ማሕበር እዩ። ቀንዲ ዕላማኡ ከኣ ወለዲ ንደቆም ዘድሊ ኲስኰሳ ንክገብሩ ዝምህር ዝኲስኵስ እዩ። ምስ ፖሎቲካዊ ትካላት እውን ከይተረፈ ብምውሳእ ንሠናይ ኲስኰሳ ውሉድ ኣብ ማሕበራውስ ይኹን ኣብ ባህላዊ ኣብ ሞራላውስ ይኹን ኤቲካዊ ኣብ ኣካላውስ ይኹን ሥነኣእምሮኣዊ ጥዑይ ሕንጸት ንክርከቡ ይጽዕር።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
07 September 2018, 18:44