ንደቅኹም ኣብ ምዂስኳስ ምስ ኣብያተትምህርቲ ክትዛተዩ እማነት ከኣ ክተሕድሩ የድሊ! ር.ሊ.ጳ ንወለዲ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ማሕበር ወለዲ ሃገረ ጣልያን ካብ ዝምሥረት 50 ዓመት ስለዝገበረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምክያድን ነቲ ከም መሠረት ዝተጠቅሙሉ መምርሒ ክርስትና ዝኾኑ መበቆሎምን ንምግምጋም ነበረ። ሓምሳ ዓመት ይገብር ንወለዲ ኣብ ኣተዓባብያ ምናዳ ከኣ ኣብ ኲስኰሳን ትምህርትን ሕንጸትን ንክተሓጋገዙ ብዝብል ዕላማ ነዚ ከኣ ኣብ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ሞራል ተመስሪቶም እዩ። ቅዱስነቶም ከኣ ነዚ ብምዝካር ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ወለዲ ነዚ ዓቢይ ትዕድልቲ ኲስኰሳ ውሉድ ከምዝግባእ ከካይዱ ብምዝኽኻርን ስለእቲ ኩሉ ዝገብርዎ ጻዕርን ተጋድሎን ብምምስጋን ከምዚ ክብሉ ኣተባብዕዎም።
ሓዲስ ናይ ኲስኰሳ ኪዳን ኣብ መንጎ ወለድን ኣብያተ ትምህርትን!
ቅዱስነቶም ኣድላይነት ትምህርቲ ኣብ መዕበያን ኲስኰሳን ውሉድ ንምግላጽ ‘ቤትትምህርቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ኲስኰሳ ውሉድ ምስ ሥድራቤት ቀዳማይ ሽርክነት የቍውም። ሎሚ እውን እንተኾነ ሽሕ’ኳ እቲ ኣብ መንጎ ሥድራቤታትን ኣብያተትምህርትን ዝነበረ ዝልሕልሕ እንተመሰለን እቲ ቀደም ዳርጋ እዚ ክትብሎ ዘይከኣል ደሞዝ እናተቀበሉ ልዕሊ ወለዲ ዝግደሱን ዝኲስኲሱን ዝነበሩሉ ዘመን ሓሊፉ ኣብ መንጎ ሥድራቤታትን ኣብያተትምህርትን ዘሎ ርክብ ዝተዳኸመሉ ዘመን እኳ እንተሎና ልዕሊ ወለዲ ኮይኖም ዘይከውን ነገር ንከምህሩን ብዘይመንገዱ ንከይኲስኵሱን ዘተን ሓዲስ ኪዳን ምትካልን ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ሓደ ሕጻን ንክትኲስኵስ ሓደ ዓዲ የድሊ!
ቅዱስነቶም ኣብ ህልው ኩነታት ትምህርትን ኩነታቱን ምልስ ይብሉ እሞ ብርግጽ ብሓደ ወገን ውስንነት ናይ ዘመንና ኣብያተትምህርትን መማህራንን እንተሎ በቲ ሓደ ወገን ግን ኣብ ሥነመዕበያ ደቅና ንዘበርክትዎ ዓቢ ነገር ክነተባብዖም ኣሎና። ነዚ ንምግባር ከኣ ከምቲ ዓቢ ጥበብ ዘለዎ ኣፍሪቃዊ ምሳሌ ዝብሎ ሓደ ሕጻን ንክትኲስኵስ ሓደ ዓዲ የድሊ እዩ እቲ ነገሩ ኢሎም።
ርክብን እሂምሂንን እንተዘየሎ ከምኡ እውን ምትእምማን ሓድሕድ እንተዘየሎ ማሕበረሰብ ክተቁውም ኣይከኣልን ብዘይማሕበረሰብ ከኣ ክትኲስኲስ ኣይከኣልን። ስለዚ ማሕበረሰባትና በዚ መሠረት እዚ ክሠርሓ እላቦ። ከመይ ሓደ ማሕበረሰብ ማዕረ ወለዲ ኮይኑ ነቶም ውሉድ ኣብ ምኲስኳስን ትምህርትን ሥነመዕበያን ኣበርክቶ እንተዘይገሩ ሓባራዊ ዕብየት ክርከብ ኣይከኣልን።
ኣብ ላዕሊ ከምዝገለጽናዮ ማሕበር ወለዲ ሃገረ ጣልያን ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ብ1968 ዓም ሥድራቤትን ቤትትምህርትን ኲስኰሳን ንከዋሃህድ ዝቆመ ማሕበር ኮይኑ ኣብ ኩሉ ዞባታት ሃገረጣልያን ልዕሊ 200 ዞባዊ ማሕበራት ዝሓቘፈ ማሕበር እዩ። ቀንዲ ዕላማኡ ከኣ ወለዲ ንደቆም ዘድሊ ኲስኰሳ ንክገብሩ ዝምህር ዝኲስኵስ እዩ። ምስ ፖሎቲካዊ ትካላት እውን ከይተረፈ ብምውሳእ ንሠናይ ኲስኰሳ ውሉድ ኣብ ማሕበራውስ ይኹን ኣብ ባህላዊ ኣብ ሞራላውስ ይኹን ኤቲካዊ ኣብ ኣካላውስ ይኹን ሥነኣእምሮኣዊ ጥዑይ ሕንጸት ንክርከቡ ይጽዕር።