ቅዱስነቶም ነቲ ናይታ ከተማ ውዕዉዕ ማሕበረሰብ የተባብዑ

ኣብ ከተማ ፒያዛ ኣርመሪና ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ., ፍራንቸስኮ ናይ ክፍለ ሃገር ሲችሊያ ስቓይን መሳቕልን ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ግብረ ድማዓዊ እትነብር ዘይኰነስ ናይ ወንጌላዊ ልኡክነት ፍቕሪ እትነብር ኣብ  ቤተ ክርስቲያን ክትነቓቕሓ ድሕሪ እቲ ብብፁዕ ሮዛሪዮ ጂሳና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣተባቢዖም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ነታ ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያንን ምእመንን ኣብ እምነት ንኸጽንዑ ስለ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝቐረበሎም ቃል ምስጋናን ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ኩነት ዝገልጽን፡ ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲትያን ናይቲ ከባቢ ርግኣት ብዝህውኹ ጸገማትዝተኸበት እውን እንተዀነት በቲ ጸገማት ከይተንበርከኸት ንድኻታትን ሕዙናትን ዝተናዕቁን ኣብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ዝርከቡ ሓለፋ እትብል ምዃና ዘረጋጽ ናይታ ከተማ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጂሳና ዘስምዕዎ ቃል ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ቢሎም ንዅሎም ኣብቲ ኣደባባይ ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥

ናይ መሬት ሲቺሊያ ስቅያት

ነቲ ናይቲ ከባቢ ውዕዉዕን ብሩህን ዝዀነ ሕዝቢ ኣጸናኒዕም፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚኡ ዝተፈላለየ ብዙሕ ስቓይ ዝተጋርዶ እውን እንተዀነ ሓደስቲ ኣገባብ ስብከተ ወንጌልን ንምስፋሕ ምሕረትን ተጸሚዱ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣገልግሎት ህያውን ነቢያውን ምዃኑ የረጋግጽ፡ ናይ ሰበኻ ኣደባባይ ኣርመሪና ምእመናን ንዝገበረሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ኣመስጊኖም፡ ካብቲ ናይታ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጂሳኒ ካብ ዘቕረቡሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም መልእኽቲ፡ ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ስእሊ ክምዝቐረበለሎምን፡ እዚ ኸኣ ድኻ ቤተ ክርስቲያን ምስ ድኻታት ብቓልን ሕይወትን እትነብር ከምዝዀነት ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ መሬት ሲቺሊያ ዝረኣይ ምኽንያት ስቓይ ኵሉ ብድብድቡ ዘይኰነስ ባህላውን ማሕበራውን ትሕቲ ምዕባለን ዘንጸባርቕን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተይናታ ዝፍጸም ምዝመዛን፡ መንእሰያት ሰብኣዊ ክብረት ዘለዎ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር ምጉዳሉን ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ስደትን ግብረ ሓራጣን ካልእቶ ዝተፈላለዩ ናብ ጽግዕተይናነት ዝዳርጉ፡ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ልምድታትን፡ ብዝተራቐ ዕደ ጥበብ ዝቐርቡ መጋበርያ መጣልዖን ጽግዕተይና መስተን ምብትታኽን ምብትታንን ኣባይቲ ስድራን ዝኣመሰሉ ጠቒሶም፥

እዚ ናይ ሕብረተሰብን ቤተ ክርስቲያንን ስቓይ እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ናይቲ ከባቢ ምኽንያት ስቓይ ምዝርዛሩ ነቲ ከባቢ ንምውራድን ጽልሙት እዩ ንምባል ዘይኮነስ፡ ነቲ ዘሎ ጸገም ኣለሊኻ ኣብ ምብዳሁ ብትኽክል ምትኳር ንኽከኣል እዩ፡ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይቲ ከባቢ ካብቲ ናይቲ ከባቢ መሳቕል ዝነቕል ኣብኡ ዝተማእከለን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ ኸኣ ሲኖዶሳውነት (ጉባእያውነ) ዝዀነት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቃል ኣምላኽ ዝዀነትን ናይ ፍቕሪ ልኡከ ወጌላውነት እትነብርን ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብን ቅዱስ ቅሩባናዊ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያንን ዝብል እዩ።

ናይ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን

ወትሩ ኣብ ወንጌል እምንትን ነቶም ብስጋን መንፈስን ዝሳቐዩን ወይ ከኣ ኣብ ሕድጋት ንዝተራሕርሑ ንምእንጋድ ክፍትቲ ዝዀነ ናይ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ተድሊ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ግደ፥ ንዝተፈላለየ ናይ ሕዝቢ ስቓይን መከራን ወንጌላዊ ቡቕባቔን ብተኻፋልነትን ብምንባር ናቱ ዝገብር ሓዋርያዊ ከይዲ ምሕረት ምናብር እዩ፡ ተልእኮ ናይ ፍቕሪ ወንጌላውነት ዝብል እዩ።

ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ተራ ግብረ ድማዕ ኣይኰነን

ቅዱስነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብሓባር ምጉዓዝ ዝብል ኣመለኻኽታን ብጭቡጥ ተግባር ዝንበር እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ብቤተ ክርስቲያን ብቓልን ሕይወትን ዝምስከር ፍቕሪ ተራ ግብረ ድማዕ ኣይከነን፡ ስለዚህ ደቀ መዝሙርን መላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ናብቲ ቀንዲ መንቀሊ ኵለ መደያዊ ጸገም ድኽነት ዝድረክ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

መንእሰያት ናይ መጻኢ ዕድሎም ቀንደይና ሕጉሳት ተዋሳእቲ ይኹኑ

እቲ ሓደ ናይ ፍቕሪ ወንጌላዊ ልኡክነት ገጽ ንመንእሰያን ነቲ ናይ መንእሰያት ጸገም ኣተኵሮ ምግባርን ዝብል እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብቲ ኣደባባይ ንዝተረኽቡ መንእሰያት እናሓሰቡ፡  ሕጉሳት ቀንደይና ተዋሰእቲ ዕድላቶም ክዀኑ ኣተሓሳሲቦም፡ ኢየሱስ ከምዘፍቅረኩም ወትሩ ዘክሩ ንሱ ቅንዕን ሓቀይና እሙንን ዓርኪ እዩ፡ ዘይክሕድ እዩ፡ ኣብኡ እምነትኩም ኣንብሩ ኢሎም፡

ንካህናት፡ ኣብ ስርዓት ቅዳሴ ካብ ሸሞንተ ደቓይቕ ንላዕሊ ኣይትስበኹ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርእሰ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ልስ ኢሎም፡ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ቅዱስ ቁርባን እያ እንክብሉ ገሊጾም። ካብ ቅዱስ ቁርባን፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ናብ ጐደናታት ዓለም ንምብጻሕ ምስኡን ኣብኡን ምስ ኣሕዋት ንምርኻብ ዘብቅዕ ሓይል ንረክብ ቢሎም ካህናት፥ ኣብ ስርዓት ቅዳሴ ዝሳተፍ መእመን ብዝሒ ትሑት ምዃኑ ገሊጾም ሓደራኹም ስብከት ብፅዕና እቲ ብፁዓን እያቶም ዝብል ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብናእሽቱ ነገራት ንበርዎን ልክዕ ከምታ ንእሽተይ ፍረ ኣድሪን ንኡሽስመጓሰን፡ ዑማዀ መባዅዕትን ብርሃን እትዝርግሕ ሽምዓ ፈትልን ንጣር ጨውን ኰይንኩም ንበሩ  ሓደራ እንክብሉ ምዒዶም፡

… ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዘይመጽእ መሊሱ ዘድክግ ኣሰራርዓ ስርዓት ቅዳሴን ዘሰልክይ ኣይትግበርዎ፡ ኣርብዓ ደቓይቕ ዘይኰነስ ብትኽክል ናይ ሸሞንተ ደቓይቕ ስብከት እዩ ዘድሊ፡ ዕለታዊ ናብራኻ ደኺምካን ርሂጽካን ክትፍጽም ከንደይ ባህ የብል፡ ክርስቶስ ብንኣሽቱ ነገራት ኣብ ምንባር ሕርኩት ምዃን የድሊ።

ካህናትን ጳጳሳትን፥ ንሁባሬ ዝተጸውዑ እያቶም

ቅዱስ ቁርባንን ክህነታዊ ኣገልግሎትን ፈጺሙ ዘይፈላለይይን ሕይወት እውን ምኳኑ ኣዘኻኺሮም ካህናት ኣብ ዙሪያ ጳጳሶም ክሓብሩ ከምዝግብኦምን ከተሓሳስቡ እንከለዉ፥ ዝተፈላልዩ ሓጹራትን ቅድመ ፍርድታትን ዘሰንፉን ቀዳሞት ኣብ ትሕትና ኣብ ቅድሚ ናይዚ ዓለም ስቓይን መከራን ትሑት ኣስተንትኖ ዝገብሩ ካህናት ምዃን።

ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ ዘረባ፥ እቲ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝበዓል ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሰማዕትነት ኣባ ፒኖ ፑለዚ እናሓሰቡ፡ ቅድሚ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምእመናን ሰላማታኦም ኣቕሪቦም፡ ንካህን ሰማዕት ኣባ ፑሊዚ ወሬታ ዘለኩም ኩኑ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ቅድሚ 25 ዓመት ኣባ ፑሊዚ ሰማዕትነት ቅድሚ ምቕባሎም ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምዃኑ እዩ ኣብ ከተማ ኣደባባይ ኣርመሪና ከምዘሕለፉ ሰሚዔ፡ እዚ ኸኣ ንካህናት ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንናይ ኣደባባይ ኣርመሪና ስለ ፍቕሪ ንኽርስቶስን ነሕዋትን ክሳብ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝዓበየ ፍቕሪ ከምዘየለ ዝሃብዎ ነቢያዊ ምክርነት ሓደራ ዘክሩ፡ መዚ ፍቕሪ እዚ እዮም ዝመስከር!  ምስ በሉ፥ ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ነታ ናይ ዓወት ማርያም እወክፈኩም፡ ብጽሞና ሰላም ንዓኺ ጸሎት ንድገም ቢሎም ድሕሪ  ናይ ቁሩብ ደቓይቕ ጽሞና ቀጺሎም፡ ንሳ ኣብ መንፈሳዊ ቃልሲ ትደግፍኩም ናብቲ ናይ ትንሳኤ ዓወት ትምራሕኩም ንኹላትኩም ሓደራ ስለይ ምጽላይ ኣይትረስዑ፡ ሰናይ መዓልቲ ይኹነልኵም፡ ነፍሲ ወከፍኵም ንፍቑራቱን ነቶም ዝጸልእዎን ነቶም ዝጸልኦምን  ነቶስ ብጽቡቑ ንዘይሓስቡ ኮሎም እናሓሰበ ሓዋርያዊ ቡራኬይ ምስብ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይብጻሕኩም ቢሎም ኣጠቓሊሎም።

ቅዱስነቶም ነቲ ናይታ ከተማ ውዕዉዕ ማሕበረሰብ የተባብዑ
15 September 2018, 17:34