ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሲቺሊያ፥ ከተማ ፒያዛ ኣርመሪና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሲቺሊያ፥ ከተማ ፒያዛ ኣርመሪና 

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሲቺሊያ፥ ከተማ ፒያዛ ኣርመሪና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ኣሰር ብፁዕ ኣባ ፒኖ ፑሊሲ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሰማዕትነት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ኣብ ሲቺሊያ ዘካይድዎ ዘለዉ ካልኣይ ሓውጾተ ኖልዎ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ካብ ቻምፒኖ ምዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም እታ ዝተሳፈሩላ ሂሊኮፕተር ልክዕ ሰዓት 08.30 ኣብቲ ቀዳማይ ናይ ሲቺሊያ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዘበግስሉ ኣደባባይ ኣርመሪና ኣትዮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ኣሰር ብፁዕ ኣባ ፒኖ ፑሊሲ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሰማዕትነት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ኣብ ሲቺሊያ ዘካይድዎ ዘለዉ ካልኣይ ሓውጾተ ኖልዎ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ካብ ቻምፒኖ ምዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም እታ ዝተሳፈሩላ ሂሊኮፕተር ልክዕ ሰዓት 08.30 ኣብቲ ቀዳማይ ናይ ሲቺሊያ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዘበግስሉ ኣደባባይ ኣርመሪና ኣትዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ቅዱስ ኢፖሊቶ ናይ ስፖርት ሜዳ ካብ ዝተሳፈሪ።ኣ ሄሊኮፕተር ምስ ወረዱ ብናይ ሰበኻ ፒያዛ ኣርመሪና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮሳሪዮ ጂሳናን ናይ ዞባ ኤና ህየንተ መንግስቲ ማሪያ ኣንቶኔታ ከርሚሊያን ናይታ ከተማ ከንቲባ ኒኖ ካማራታን ኣስታት 17 ሺሕ ዝግመቱ ህሙማንን ኣረጋውያንን እሱራትን ዝርከብዎም ብጠቕላላ ልዕሊ 40 ሺሕ ብዝግመቱ ምእመናንን ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎምን ናይ ከተማ ኣደባባይ ኣርመሪና ከንቲባ ኒኖ ካማራታ ከዝሓበርዎ ንቕዱስነቶም ነቶም ብካሪታስ ብዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሐር ንዝድገፉ ድኻታት ሕገዝ ዝውዕል ናይ ረድኤት መዋህቢ ማእከል ንኽብሮም ክምዘቕረቡ ክፍለጥ ተኻኢሎ ኣሎ።

ብፁዕ ኣቡነ ጂሳና፡ ኣብ ጐድኒ ሰማዕት ኣባ ፒኖ ድኻን ንድኻታትን ንዝዀነት ቤተ ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ኣደባባይ ኣመሪና ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ኢፖሊቶ ናይ ስፖርት ሜዳ ኣቀባብላ ካብ ዝገበሩሎም ናይታ ከተማ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮሳሪዮ ጂሳና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ቅዱስነቶም ንሕዝቢእታ አተማን ኣብኡ ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያን በጽሑ ብምምጻኦም ኣመስጊኖም።

ብዘይ ምንም ዓይነት ቅድመ ኵነት ወንጌል ምስዓብ የድሊ እንክብሉ ዘበገስዎ መደረ ቀጺሎም፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን እቲ እንነብረሉ ዓለም ዘጥቅዕ ዘሎ ቅልውላው ሕውነታውነት ነቲ ዝተቐበለቶ ንተልእዀ ወንጌል ይትንክፍ ምህላዉ ከመልክቱ እንከለዉ፡ “ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ድጋፍ ምቕራብ ጥራሕ እዅል ኣይኰነን፡ ነቲ ዝሳቐይን ሓገዝ ዘድልዮን ቀረባ ምዃንን ናይ ስቓዩ ስምዒታትን ኵሉ ተኻፋሊ ኴይንካ ናይቲ ካብ መዓሙቕ ልቢ ዝግለጽ ናይ መሲሕ ሓልዮትን ቡቕባቔን ዘረጋግጽ ምስክርነት ምቕራብ የድሊ” ኢሎም።

ነቲ ካብቲ ዝርአይ ዘይተረጋግኤ ኵነት ምሩኽ ምዃንን እቲ ግዳማዊ ዝዀነ ሓይሊ ዲያብሎስ ብናይ ገበን ጉጅለታት (ማፊያውያን) ኣቢሉ ብዘንቅሎ ሰይጣናዊ ተግባር ምቕባል ማለት ድኽነት ምቕባል ማለት እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ከምዚ ዓይነት ድኽነት ነቲ በቲ ዝተገልጸ ዓይነት ድኽነት ዝተጠቕዔ ሕዝብና እሙንን ኣእማንን ዝዀነ ወንጌላዊ ወስታ ምቕራብ የድሊ፡ ቃልን ሕይወትን ብዘጣመረ ወንጌላዊ ምስክርነት ቀረባ ምዃን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኵነት ግዲ ይብል፡ ምስክርነት ወንጌል ማለት ቃልን ሕይወትን ማለት እዩ።

ሓዋርያዊ ምብጻሕኩም ክንዕደል ልክዕ ከምቲ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 17.15 ዝብሎ፡ ካብቶም ዝተፈወሱ ዓሰርተ ለምጻማት እቲ ሓደ ተመሊሱ ስለ እቲ ዝተገብረሉ ፈውሲ፥ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ ዘመስገነ፡ እቲ ዝስምዓና ሓጐስ ልክዕ ከምኡ እዩ  ኢሎም፡ ካህናትን ገዳማውያንን ውፉያንን መንፈሳውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ዓለማውያን ምእመናንን በርገስዋውያን ማሕበራትን ክፍሊ ሓይሊ ምክልኻልን ኣብዚ ምሳኹም ሓቢርና ንእግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን … ዓው ብዝበለ ድምጺ ምድሓን ካብቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ካብቲ ገንሸልን እዩ ዝመጽእ (ዮሓ. ራእይ. 7.10) ዝመጽእ እዩ ንብል።

ናይ ሕይወትና ምሉኡ ትርጉም ኣብ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ፡ ከምቲ ንስኹም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ፍቕዲ 266 ዝጠቐስክምዎ፡ ሕይወት ምስ ኢየሱስ ምልኣት እዩ፡ ምስኡ ናይ ኩሉ ነገራት ትርጉም ንምርካብ ቀሊል እዩ፡ ናይ እምነት ኑዛዜና ምሳኹም ሓቢርና ንጸሎትኩም ነቕርብ። … ናይ ኢየሱስ ኢና ክንከውን ንደሊ፡ ወንጌል ብዘይ ምንም ዓይነት ምኽኒት ክነብሮን ከነስፍሖን ንደልይ፡ ኣብ ጉዕዞና ቅዱስ ኣቦና ብፍቕራዊ ሓዋርያዊ ጉስነትኩም ኣቢልኩም ኣብ ጐደና ለውጥን ሕዳሴን ከነብል ደግፉና … እቲ ኢየሱስ ኣብ ኣዋንና ስግው ንኸይንገብሮ ዝዕንቅጸና ከቢቡና ካብ ዘሎ ኢጐነትን ካብቲ ሰላሕታ ተመናዊ ግብረ እከይን ክንርሕቕ ከምዝግብኣና ንፈልጥ ኢና፡ ቃልኵም ነቲ ብውድቀትና ምኽንያት ንዘጓንፈና ኣቑሳልና በለሳን እዩ፡  ነቲ ኣብ ዓለምን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ዝርአይ ቅልውላው ሕውነታውነት ተልእዀ ወንጌል ዘተዓናቕፍ ክሉ ክነሰንፎ ብቓልኩም ተደግፉና ንብል፡ ቤተ ክርስቲያን የዕንታ ካብቲ ንድኻታት ሓለፋ ዝብል ኢየሱስ ክተልዕል ዘይከኣላ እዩ፡ … ብኣነባብራኣ ብዅሉ መዳይ ካልአ ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይና ክትነብር ዝተጸውዐት ከምዝዀነት ገሊጾም፡ ድኽነት ንቤተ ክርስቲያን ወሳኒ ህልውናኣ እዩ፡ መሰረተ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ንኢየሱስ ክንመስል ኢና እንደልይ … ቤተ ክርስቲያን ናይ ምድሪ ጨውን ብርሃን ኣብ ዓለም ክትከውን እያ እትደልይ (ማቴ. 5. 13-16 ረኣ)፡ … ድኽነት … እቲ ብነጻ ዝተቐበልክምዎ ብነጻ ዓድልዎ (ማቴ. 10,8 ረኣ) ማለት ምዃኑ፡ … ድኻ ዝዀነት ናይ ድኻታትን ንድኻታትን ዝኸነት ቤተ ክርስቲያን ክርእይ ክንደይ ባህ ይበለኒ ዝበልክዎ ቃል የረጋግጸልና፡ እዚ ኸኣ ናይ ኣባ ፑሊዚ ናይ ደም ሰማዕትነት የዘኻኽረና፡ ድኽነት ጐደና ቅድስና እዩ፡ … ሰማዕታን ቅዱሳትን ዓለማውያን ምእመናንን ነቲ ኣብታ ተፈስሑ ወተሓሰዩ ዘርእስታ ሓዋርያዊት ምዕዳንኩም ኣብ ቍ.70  ቅድስናን ድኽነት ዝተኣሳሰሩ እያቶን ቢልክሙ ዝገለጽክምዎ ሓሳብ የዘኻኽረማ፡ … ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እምነትና ከጽንዓና ናይቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምትንሳእ ህያው ተስፋ ዝሃበና ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉድ ዝገበረና ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ (1 ጴጥ. 1.3-4) እግዚኣብሔር ዝተባረኸ ይኹን እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣጠቓሊሎም።

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሲቺሊያ፥ ከተማ ፒያዛ ኣርመሪና
15 September 2018, 17:24